ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት 80 ሽሕ ሓሊፉ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝለዓል ጀሚሩ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 80ሽሕ ሓሊፉ፡፡
ትማሊ ቀዳም 1,035 ሰባት ከምዝሞቱ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ በዝሒ ዝሞቱ ናብ 80,868 ክብ ክብል ገይሩዎ ኣሎ፡፡
ኣብታ ሃገር በዝሒ መዓልታዊ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ድማ ብ59,937 ወሲኹ ኣሎ፡፡
ከም ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ሃገራት ኣመሪካ፣ ብራዚል፣ ህንድን ሜክሲኮን ጥራሕ እየን ካብ ብሪጣንያ ዝበዝሐ ሞት ዝተመዝገበለን ሃገራት፡፡
ዓባይ ብሪጣንያ ንራብዓይ ተኸታታሊ መዓልቲ ልዕሊ 1,000 መዓልታዊ ሞት መዝጊባ ኣላ፡፡
እታ ሃገር፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ረኺባቶ ዝነበረ ዓወት ንምድጋም፡ ተረርቲ ክልከላታት ክትግብር ከምዘለዋ ሰብሞያ ይሕብሩ ኣለዉ፡፡
ሰበስልጣን እታ ሃገር እውን፡ ኩሉ ሰብ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ክስመዖ እዮም ዝምሕጸኑ ዘለዉ፡፡
ካብ 27 ታሐሳስ ክሳብ 2 ጥሪ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ እንግሊዝ ካብ 50 ሰባት እቲ ሓደ፡ ኣብ ለንደን ድማ ካብ 30 ሰባት እቲ ሓደ ብኮረናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ቁጽራዊ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ከንቲባ ከተማ ለንደን፡ እቲ ለበዳ ኣብታ ከተማ ካብ ቁጽጽር ወጻእ ኮይኑ ከምዘሎ ምግላጹ ይዝከር፡፡
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዛጊድ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 3,017,409 ዝበጸሐ ኮይኑ፡ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት ክታበት ኮሮናቫይረስ ተዋሂብዎም ኣሎ፡፡
ዛጊድ ተረኺቦም ዘለዉ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ነቶም ኣብ ሃገራት ዓባይ ብሪጣንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ተራእዮም ዘለዉ ሓደሽቲ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ክከላኸሉ ከምዝኽእሉ ተስፋ ተገይሩሎም ኣሎ፡፡
እቲ ኣብ ብሪጣንያ ተራእዩ ዘሎ ሓድሽ ጀነቲካዊ ለውጠ ቕርጺ ዘማዕበለ ዓሌት ኮረናቫይረስ፡ ካብቲ ዝጸንሐ ካብ 50 ከሳብ 70 ምኢታዊት ዝበለጸ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ከምዘለዎ ተመራመርቲ ይዛረቡ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







