ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክትቅበል ተስፋ ገይራ’ላ

ደቡብ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክታበት ኮቪድ-19 ክትረክብ ተስፋ ገይራ ምህላዋ ሚኒስተር ጥዕና ናይ’ታ ሃገር ገሊጹ።

እዚ ክኸውን ዝኽእል ግን፡ እታ ሃገር ምስ’ቶም ኣፋውስ ዘፍርዩ ትካላት እትገብሮ ዘላ ዝርርብ እንተሰሚሩ ጥራይ እዩ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብውሕዱ 67 ምኢታዊት ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ክታበት ክረክብ እዩ ሃቂኑ ዘሎ።

እዚ ማለት ድማ: ኣስታት 40 ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር እዮም።

ሚኒስተር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ዝወሊ ሚኪዜ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነዚ ክታበታት ምሃብ “ብህጹጽ ክፍጸም ዘለዎ እዩ” ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ መንግስቲ ምስ ኩሎም ነዚ ክታበት ዘፍርዩ ትካላት ይዘራረብ ምህላዉ ሓቢሩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝለዓለ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዝረኣየላ ዘሎ ሃገር እያ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መልከፍትታት ዝመዝገበት ፈላሚት ሃገር’ውን እያ።

ኣብ’ታ ሃገር፡ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝተረኸበ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ብቕልጡፍ ዝዝርጋሕ ስለዝኾነ፡ ብዝሒ መልከፍትታት ክዓርግ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዛጊድ 1,100,748 ሰባት ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ኮይኖም፡ 29,577 ሰባት ድማ ብሰንኪ እዚ ሕማም ሞይቶም እዮም።