ውሩይ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ላሪ-ኪንግ ብኮቪድ ሆስፒታል ኣትዩ

ላሪ ኪንግ ዝተፈላላየ ሽልማት ክእለትን ብቕዓትን ዝተጎናጸፈ ንኣስታት 60 ዓመት ኣብ ሚድያ ዘገልገለ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካፕሺን፦ ላሪ ኪንግ ዝተፈላላየ ሽልማት ክእለትን ብቕዓትን ዝተጎናጸፈ ንኣስታት 60 ዓመት ኣብ ሚድያ ዘገልገለ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ እዩ።

ወዲ 87 ዓመት ስሙይ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ላሪ ኪንግ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ሎስ ኣንጅሎስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ከምዘሎ ማዕከናት ሚድያ ኣመረካ ሓቢረን።

ንስድራ ቤቱ ቅርበት ዘለዎም እሙናት ምንጭታት ንማዕከን ዜና ኤቢሲ ከምዝሓበሩዎ፡ እቲ ውሩይ ጋዜጠኛ ሲኤንኤን ነበር ላሪ-ኪንግ ንልዕሊ ሰሙን ኣብ ማእከል ጥዕና ሰዳር-ሳይናይ ሕክምናዊ ክንክን ይግበሩሉ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ስሙይን ፍቱውን ወሃብ ዜና ላሪ ኪንግ ኣብቲ ናይ 60 ዓመታት ኣገልግሎቱ ከም ፒቦዲን ኢሚይን ዝኣመሰላ ኣፍልጦ ሞያ ዝህባ ዝተፈላለያ ትካላት ሽልማት ክእለትን ብቕዓትን ዝረኸበ ጋዜጠኛ እዩ።

ላራ ኪንግ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ከም ወቕዒ ልቢ፡ (ስትሮክ) ሕማም ሽኮር፡ ጽበት ሻምብቆታት ደም፡ ናይ ሳንቡእ ካንሰር ዝኣመሰለ ሓያሎ ናይ ጥዕና ጸገማት ከጋጥሞ ከምዝጸንሐ ካብ ሲኤንኤን ሓደ ምንጪ ሓቢሩ።

ቤተሰቡ ግን ብዛዕባ ጥዕና እቲ ኣብ ሆስፒታል ክንክን ዝወሃቦ ዘሎ ላሪ ብዝምልከት ዛጊት ዝሃቡዎ ርእይቶ የሎን።

ላራ ኪንግ ኣብ 1970 እዩ ኣብ ሬድዮ ብዘቕርቦ ዝነበረ መደባት ተፈላጥነትን ተፈታውነትን ኣጥርዩ።

ካብ 1985-2010 ኣብ ዝነበረ ግዜ ከኣ ኣብ ሲኤንኤን ምስ ዓበይቲ ፖለቲከኛታት፡ ኣትሌት፡ ኣዘናጋዕቲ ሕብረተሰብ፡ ፈተግቲ ተንኮላዊ ክልሰ-ሓሳብ፡ ( ኮንስፒራሲ ቲዮሪስት) ቀጥታዊ መደባት ቃለ መሕትት ከካይድ ጀሚሩ።

ኮሮና