ኮሮናቫይረስ፡ እስራኤል 12 ምኢታዊት ዜጋታታ ብምኽታብ ትመርሓ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እስራኤል ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዜጋታታ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብምሃብ፡ ካብ ዓለም ዝበዝሑ ሰባት ዝኸተበት ሃገር ኮይና ኣላ።
ብዙሓት ሃገራት ነቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘጎልብት ክታበት ንዜጋታተን ንምሃብ ዝጓየያ ዘለዋ ኮይነን፡ እስራኤል ካብ ምኢቲ ዜጋታታ ን 11.55 ሰባት ክታበት ብምሃብ ቀዳመይቲ እንትትኮን ባህሬን ን3.49፣ ዓባይ ብሪጣንያ ን1.47 ሚኦኢታዊት ዜጋታተን ብምኽታብ ዝኽተላ ሃገራት እየን።
ፈረንሳ ድማ ኣብ 30 ታሕሳስ ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ን 138 ሰባት ክታበት ሂባ።
ኣብ ዓለም ዛጊድ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም እዮም።
በዝሒ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ኣመልኪቱ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ኢዱኬሽን ቻሪቲን ዘውጽእዎ ቁጽራዊ ሓበሬታ፡ ቀዳማይ ዙርያ እቲ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት መሰረት ዝገበረ እዩ።
ዝበዝሑ ካብቶም ዛጊድ ክውሰዱ ፍቓድ ረኺቦም ዘለዉ ክታበታት፡ ብልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣፈላላይ ክልተ ሻብ ክውሰዱ ዘለዎም እዮም።
ኣብ መወዳእታ 2020 ን 20 ሚልዮን ዜጋታታ ክታበት ንምሃብ ተሊማ ዝነበረት ኣመሪካ፡ ኣይሰለጣን፤ ክሳብ 30 ታሕሳስ ን 2.78 ሚልዮን ሰባት እያ ከቲባ።
ባዓል ሞያ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ነቲ ዓባይ ብሪጣንያ እትኽተሎ ዘላ ንብዙሓት ሰባት ቀዳማይ ዙር ክታበት ሂብካ ካልኣይ ዙር ክዝንግዕ ናይ ምግባር ኣሰራርሓ ከምዘይቅበሎን ሃገሩ ተመሳሳሊ መገዲ ከምዘይትኽተልን እዩ ዝገልጽ።
ህንዲ ብወገና፡ ክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራ ዘኔካን ኮቫክሲንን ንህጹጽ ግዘ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ፍቓድ ሂባ ኣላ።
ኣብታ ሃገር ካልኦት ክልተ ክታበታት መረጋገጺ ዝጽበዩ ዘለዎ ኮይኒም፤ ክሳብ መፋርቕ እዚ ሓድሽ ዓመተ ፈረንጂ፡ ኣስታት 300 ሚልዮን ህዝቢ ክትከትብ ትሸባሸብ ኣላ።
እስራኤል ከመይ ክሰልጣ ክኢሉ?
ኣብ 19 ታሕሳስ ክታበት ምሃብ ዝጀመረት እስራኤል፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዓመት ንዝኾኑ፣ ሰብ ሞያ ጥዕናን ተቃላዕትን ቀዳማነት ብምሃብ መዓልታዊ ኣስታት 150 ሽሕ ሰባት ትኸትብ ኣላ።
ኣብ መፈለምታ እቲ ለበዳ ምስ ኣፍራዪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ፋይዘር-ባዮኤንቴክ ብምውዕዓል ቀዲማ እቲ ክታበት እትረኽበሉ ዕድል ኣመቻችያ።
ብስርዓት ጥዕናኣ ኣቢላ ድማ ብቐዳምነት ነቲ ክታበት ክረኽቡ ዝግበኦም ዜጋታታ መዝጊባ፤ ሕጊ እታ ሃገር ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝፍለጥ መውሃቢ ግልጋሎት ጥዕና ክምዝገብ የዑገድድ እዩ።
እታ ሃገር ነቲ 70 ዲግሪ ትሕቲ ዜሮ ክዕቀብ ዝግበኦ መድሓኒት ብዝግባእ ከፋፊላ ከምዘጓዓዓዘቶ ሚኒስትሪ ጥዕና እስራኤል ዩሊ ኢደልስተይን ይገልጽ።
ንዳግመ መረጻ ስጉስጉስ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ድማ እታ ሃገር ካብ ለካቲት ጀሚሩ ካብቲ ለበዳ ክትገላግል ከምእትኽእል ተምብዩ ኣሎ።
እስራኤል ኣብዚ እዋን ኣብ ሳልሳይ ዙር ሃገራዊ ዕጽዋ እያ ዘላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







