ኮሮናቫይረስ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ቀልጢፉ ንክበጽሕ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ተፈሪሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩባኒያ መፍረዪ መድሓኒት ኣስትራዜኔካ (AstraZeneca)፡ ክልተ ሓደሽቲ ስምምዓት ፈሪሙ።
እዚ፡ እቲ ኩባኒያ ኣብ ሓደ ግዘ፡ ክልተ ቢልዮን መድሓኒት ኮሮናቫይረስ ንምፍራይ ዘኽእሎ እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ኩባኒያ ብሓደ ጊዜ ሓደ ቢልዮን ጠብታ ምፍራይ ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ።
በዚ መሰረት፡ በቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝካየድ ዘሎ ምርምርን ተስፋ ዝተገብረሉን ክታበት ኮቪድ-19፡ ንምፍራይ ምድላው ይግበር ኣሎ።
ትማሊ ሓሙስ ድማ፡ ተወሳኺ ክልተ ስምምዓት ዝፈረመ ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ብሃብታም ኣመሪካዊ ቢል ጌትስ ክምወል እዩ።
ኣስትራዜኔካ ቐልጢፉ ከፍርዮ እዩ ዝተባህለ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ብቐንዱ ንማእከላይን ትሑትን እቶት ንዘለወን ሃገራት እዩ።
እቲ ኩባኒያ'ውን ነዚ ዝሕግዞ ስምምዕ ምስ ካልኦት ክልተ ኩባኒያታት ፈሪሙ ኣሎ። ሴሩም ኢንዲያጋር እቲ ሓደ ኩባኒያ መፍረይ መድሓኒት ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም ልዑል መጠን መድሓኒት ብምፍራይ እዩ ዝፍለጥ።
እቲ ኻልኣይ፡ ምስ ቢልን ሚሊንዳ ጌትስን ብሓባር ምስ ዝሰርሑ ካልኦት ክልተ ትካላት እዩ። እዚ ድማ ናይ 750 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ እዩ።
እዞም ብቢልን ሚሊንዳ ጌትስን ዝሕገዙ ትካላት፡ ጋቪን ሴፒን ዝበሃሉ ትካላት ግበረ ሰናይ ኮይኖም፡ 300 ሚልዮን ጠርሙዝ ክታበት ከፍርዩ ትጽቢት ይግበረሎም።
መድሓኒት እዚ ክታበት ድማ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።
ፈጻሚ ስራሕ ኣስትራዜኔካ ፓስካል ሶሪዮት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝፍትኖ ዘሎ ክታበት ውጽኢታዊ ምዃኑ ክረጋገጽ እዩ ኢሉ።
እዚ ኩባኒያ ምስ መፍረዪ መድሓኒት ኩባኒያ ህንዲ ዝኾነ ሴሩም ኢንዲያ ዝፈረሞ ስምምዕ፡ ብሓደ ግዜ ክልተ ቢልዮን ጠርሙዝ ክታበት ምፍራይ ዝብል ኮይኑ፡ ሴሩም እዚ ዓመት [ማለት'ውን 2020] ቅድሚ ምውድኡ 400 ሚልዮን ጠብታ ክታበት ከፍሪዪ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።
ፈጻሚ ስራሕ ሶሪዮት፡ መጀመርታ እቲ 300 ሚልዮን ክታበት ናብ ኣሜሪካ ከም ዝለኣኽን፡ እቲ 100 ሚልዮን ድማ ንብሪጣንያ ከም ዝኾነን ተዛሪቡ።
እዚ ክሳብ ወርሒ መስከረም ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "እዚ ትጽቢት እንገብረሉ ክታበት ንኹሎም ደቂ ሰባት ብማዕረ ዝበጽሕ ክኸውን እዩ" ኢሉ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







