ቦብ ማርሊ፡ ንመበል 20 ክፍለ ዘመን ዝጸለወት ኣልበም 'ኤክሰደስ'

ቦብ ማርሊ

'ኤክሰደስ' ዘርእስታ ኣልበም ቦብ ማርሊ፡ ቅድሚ 45 ዓመታት'ያ ተሓቲማ። ኣብ ለንደን፡ 'ሳቺ' ኣብ ዝተባህለ ጋለሪ ምርኢት - ሙዚቃ ዝተኸፍተ ሓድሽ ምርኢት ከኣ፡ ቦብ ማርሊ፡ ከመይ ኢሉ ካብ ጻት ንጻት ዓለም ከም ከቃልሕ ከም ዝኸኣለ ዘርኢ ምርኢት'ዩ።

ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ 'ቲ ጋለሪ፡ እታ 'ኤክሰደስ' ዘርእስታ ወርቃዊት ዓስረይቲ ኣልበሙ፡ ኣብ መንደቕ ተጠቂዓ ምርኣይ ፍሉይ ስምዒት ይፈጥር።

ኤክሰደር፡ ንቦብ ማርሊ ብዘደንቕ ኣገባብ ምስ ዓለም ዘፋለጠቶ ዓባይ ታሪኻዊት ኣልበም'ያ። ምስቲ ናይ ሽዑ ወለዶ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቶም ዝሰዓቡ ወለዶታት ዘስተጋብአት ኣልበም ምዃና'ውን ግዜ መስኪሩላ'ዩ።

መንፈስ 'ኤክሰደስ' ብዙሕ ቀጸላታት ዘለዎ እዩ። እቲ ኣርእስቲ ንባዕሉ ነቲ ኣብ ብሉይ-ኪዳን ዝሰፈረ ዛንታ ጸኣት፣ ሙሴ ንህዝበ እስራኤል ካብ መሬት ግብጺ መሪሑ፡ ቀይሕ ባሕሪ ሰንጢቝ ሓራ ዘውጽኣሉ ዛንታ ዝነግር እዩ። ኣብ ርእሲ'ዚ ምስ ራስተፈርያዊ እምነቱ ዝተኣሳሰር እውን። ብኻልእ ሸነኽ፡ ቦብ ማርሊ ነቲ ኣብ ሃገሩ (ጃማይካ) ዝነበረ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ንድሕሪት ገዲፉ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሰገረሉ እዋን'ውን ከም ዘመልክት ይግምግም።

ቦብ ማርሊ፡ ብ1976 ኣብ ኪንግስተን (ጃማይካ) ኣብ ህይወቱን ህይወት በዓልቲ ቤቱን ፈተነ ቕትለት ከም ዝተኻየደሉ፣ እንተዀነ ብመውጋእቲ ጥራይ ከም ዝሓለፈሉ ይፍለጥ። ድሕሪ'ቲ ፈተነ ኸኣ'ዩ ኣብ ለንደን ኰይኑ፡ ነዛ 'ኤክሰደስ' ከሕትም ዝኸኣለ።

ኤክሰደስ፡ 'እታ ዝዓበየት ኣልበም መበል 20 ክፍለ-ዘመን' ተባሂላ ብመጽሔት ታይም ተሸሊማ እያ። "ፖለቲካውን ባህላውን ዛዕባታት ኣዋሃሂዳ ዘቕረበት ኣልበም'ያ - ሕመረት መልእኽታ፡ ነቲ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዘሎ ሕሰም ንዓለም ከተቃልሕ ምኽኣላ'ዩ፡" ክብል እቲ መጽሔት ይንእድ።

ኣብ ኵሉ ክፍልታት እቲ ምርኢት፡ ቦብ ማርሊ፡ በዓልቱ ቤቱ ሪታ ማርሊ፡ ደቈምን ደቂ-ደቈምን ከም ዘሎ፡ ጓሉ ሲደላ ብሓበን ተዘንቱ። እቲ ምርኢት ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዓለም - ቶሮንቶ፡ ቫንኩቨር፡ ሎስ-ኣንጀልስ፡ ቺካጎ፡ ኒውዮርክ፡ ማያሚ፡ ኣምስተርዳም፡ ሶል፡ ተልኣቪቭ፡ ቶክዮ፡ ኪንግስተን ክዝርጋሕ'ዩ። ዝርጋሐኡ ኸኣ ፍረ-ጻማ ቦብ ማርሊ እዩ።

ኤክሰደስ፡ ደጋጊማ ክትሕተም ዝበቕዐት፡ ህላወኣ፡ ኣገዳስነታን መልእኽታን ደጋጊማ ዘመስከረት ኣልበም'ያ። ዜማታት ቀዳማይ ገጻ ብዛዕባ ፖለቲካን መንፈሳዊ ሓይልታትን፣ እቲ ካልኣይ ገጻ ድማ ብዛዕባ ፍቕርን ተስፋን'ዩ ዝገልጽ። ነቶም ዜማታት ምስማዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ስምዒታት፣ ዓሚቝ ሓሳብ፡ እምቢታ፡ ሰላምን ተስፋን ክሸምም ዝኽእል ምዃኑ ይንገር።

ሲደላ ብተወሳኺ፡ "ኣገዳስነት ናይቶም ኣቦይ ዘልዕሎም ዝነበረ ዛዕባታት ሎሚ'ውን እንተዀነ ኣገዳሲ እዩ። እዛ ኣልበም፡ መልእኽቲ ሕርቃን ኣይኰነትን ሒዛ ቀሪባ፣ እንታይ ደኣ ኣውያት ናይቲ ዘመን፡ በቶም ኣቦይ ዝሓለፎም ግድላት ህይወቱ'ያ ተዘንቱ፡" ትብል።

ቦብ ማርሊ፡ ኣብ 1975 ኣብ ኵሉ ሸነኻት ለንደን ተፈላጥነት ነበሮ። ንሱ ምስቲ 'ዘ-ወይለርስ' ዝተሰምየ ናቱ ባንድ ብምዃን፡ ኣብ ቲያትራትን ዝተፈላለዩ ኣደራሻትን ምርኢታት እናቕረበ ዝና ኣጥረየ።

ኣብ 1977 ኣቢሉ፡ ኣብ ለንደን ብርክት ዝበሉ ቅድታት ሙዚቃ፡ ምርኢታትን ሸንዳሕዳሕን ነበረ። እዚ እዋን፡ ዲስኮ፡ ፓንክ ዝኣመሰሉ ቅዲታት ሙዚቃ፡ ቦሎኽ ዝበልሉ እዋን'ኳ እንተነበረ፡ ሙዚቃ-ሬገ፡ ብቦብ ማርሊ ኣቢሉ ኣብ መንፈስ ሰማዕቲ ክሓድር ከኣለ።

ቦብ ማርሊ

ምንጪ ስእሊ, Murphy Hershman

ድሕረ ባይታ ቦብ ማርሊ

ቦብ ማርሊ፡ ብ 6 ለካቲት 1945 ካብ ጻዕዳ ኣቦኡን ጸላም ኣደኡን ኣብ ጀመይካ'ዩ ተወሊዱ። ብሙዚቃዊ ኣበርክቶኡ፡ ሃገሩ ኣብ መላእ ዓለም ከም እትፍለጥ ዝገበረ፣ ብደርፍታቱ ኣቢሉ ዘሕለፎም መልእኽትታት ድማ ንናቱ ወለዶ ጥራይ ዘይኰነ ንዝሰዓቡ ወለዶታት ጽልዋ ዘሕደረ ስነ-ጥበባዊ'ዩ ነይሩ።

ቦብ ማርሊ፡ ብ 11 ግንቦት 1981፡ ኣብ 36 ዕድመኡ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ካብዛ ዓለም ምስ ተፈልየ፣ ሞቱ ብዅለን ማዕከናት ዜና ዓለም ተቓልሐ። እቲ ናይ ሽዑ ሓዘን ከኣ ኣዝዩ ሓያል ነበረ፣ ቀባሪ ወይ ከኣ ንሬሳኡ ክርኢ ዝመጸ ሰብ ማእለያ ከም ዘይነበሮ ይንገር። ስነስርዓት ቀብሩ፡ ኣብቲ ዝተወልደሉ ቦታ (ናይን-ማይል፡ ጃማይካ) ተኻየደ።

ቦብ ማርሊ ካብ ካቶሊካውያን ቤተሰብ'ኳ እንተ ተወልደ፡ ኣባል ምንቅስቓስ ራስተፈሪ ነበረ። እቲ እምነት'ቲ ኣብ ምምዕባል ሙዚቃ ሬገ ዓቢይ ተራ ነበሮ። ቦብ ማርሊ፡ እምነቱ ናብ ራስተፈሪ ምስ ለወጠ፡ ጸጕሩ ጀብጀብ ክብል ገደፎ፣ መፈለጥታኡ ኰይኑ ኸኣ ተረፈ።

ራስተፈርያዊ ምንቅስቓስ

ራስተፈርያዊ ምንቅስቓስ ምንጪ ስሙ ካብ ራእሲ ተፈሪ መኰነን (ሃጸይ ሃይለስላሴ) ኰይኑ፡ ኣብ ፈለማ ሰላሳታት ኣብ ኪንግስተን - ጀመይካ እዩ ጀሚሩ። ሒደት ዝቝጽሮም ጀማይካውያን ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ድሕሪ ምክያዶም፡ ንዓዶም ተመሊሶም ብባህርያት ጃንሆይ ስለ ዝተመሰጡ፡ ነቲ ምንቅስቓስ መስረቱ።

ራስተፈሪያውያን፡ 2 ሕዳር 1930 ሃጸይ ሃይለስላሴ ዘውዲ ዝደፍኣላ መዓልቲ፡ ከም ሓደ ዝተፈጸመ ትንቢት ገይሮም ስለ ዝርእይዋ፡ ብዕሊ የኽብርዋ ።

ባህላዊ ሸነኽ ራስተፈርያውነት፡ ቅርጺ ዝሓዘሉ ዘመን ኣብ ኣርብዓታት ነበረ። እቲ ሽዑ ዝማዕበለ ቅዲ ህይወት ከም ባሕተውቲ፡ ብነዊሕ ጀብጀብ ጸጕሪ ክልለ ጀመረ። ምስኡ ኸኣ ፍሉይ ምግቢ ምምጋብ፣ ኣሕምልቲ ምዝውታር፡ ኣብ ጽንብላዊ ኣጋጣሚታት ድማ ኣቝጽልቲ ምጥቃም ከም ባህሊ ተኣታተወ።

ቦብ ማርሊ፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ማሕበራውን ስነ-ሓሳባውን መሰረት ምንቅስቓስ ራስተፈርያውነት፡ ካብ ኣንጻርነት መግዛእቲ ጸዓዱን፡ ማዕረኡ ኸኣ ኣብ ባህልን እምነትን ህዝቢ ዓሲሉ ዝነበረ መንፈስ ተቓውሞ'ዩ ዝምንጩ። እቲ መሰረት ባህሊ ኢትዮጵያውነት ከኣ፡ ሃጸይ ሃይለስላሴ ንህዝቢ ጃመይካ ብዝነበሮ መንፈሳዊ ትእምርትነት፡ ከም መሲሕ - ንሰባት፡ ናብታ ብጽእቲ ዓዲ ንኽመልስ ዓቕሚ ዘሎዎ መራሒ ገይሮም ምቕባሎም እዩ።

ራስተፈርያዊ ምንቅስቓስ ንብዙሓት ስነ-ጥበባውያን፡ ገጠምቲ፡ ኣዳለውቲ-ፊልም፡ ጸሓፍትን ተመራመርትን ምንጪ ምንቅቓሕ ብምዃን፡ ንያት ኣፍሪቃዊ መንነት ንኽዓቢ ዝደረኸ ምንቅስቓስ'ዩ። ብፍላይ ኣብ ጃመይካ፡ እታ ሃገር ብ 1962 ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ፡ ራስታ ሓደ ካብቶም ንመንነቶም ዝጸለወ ዓቢ ምንቅስቓስ ነበረ።

ቦብ ማርሊ፡ እቲ ፍሉጥ ራስታን ሙዚቀኛን፡ ብምንቅስቓሱን ደርፍታቱን ኣቢሉ ምእንቲ ሰላም ዘካየዶም ጐስጓሳት፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተፈላጥነት ብምርካቡ፡ ብ1979 ሽልማት ሰላም ከም ዝተቐበለ ዝዝከር'ዩ። እቲ ሽልማት ከኣ ንዅሎም ራስተፈሪያውያን ዓቢ ፍናን ኰነ።

እቲ ምንቅስቓስ ብጽልዋ ቦብ ማርሊ ኣቢሉ ኣብ ሃገራት ካሪብያን፡ ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክዝርጋሕ ከኣለ። ዝተፈላለዩ ራስተፈርያውያን ማሕበራት - ከም ኢትዮፒያን ዎርልድ ፈደረሽን፡ ዓሰርተ ክልተ ነገደ እስራኤልን ካልኦትን ክቘሙን ክስፋሕፍሑን ከኣሉ።

ሓደ ካብቶም ምስ ራስተፈርያዊ ምንቅስቓስ ብቐረባ ዝተኣሳሰር መትኒ ሙዚቃ ሬገ እዩ።

ሬገ፡ ኣብ ጀመይካ ኣብ 1960ታት ቀልጢፉ ሱር ሰደደ፣ ብ1970ታት ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርግሐ። ብዙሓት ንሬገ ከም ሙዚቃ ውጹዓት ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። ቦብ ማርሊ ድማ ንጉስ ሙዚቃ ሬገ ተባህለ። ብእኡ ኣቢሉ ድማ ሬገን ራስታን ተኣሳሰረ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሬገ ንመልእኽቲ ራስታ ኣብ ዓለም ክዝርግሖ ዝኸኣለ ሙዚቃ ክበሃል ይከኣል።

"ኤክሰደስ"

ቦብ ማርሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ኤክሰደስ" ዓቢይ ታሪኽ ዝገደፈት ደርፍን/ኣልበምን'ያ። እቲ ቀዳማይ መስመር፡ "ኤክሰደስ፡ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጃህ" ኢሉ እዩ ዝጅምር። ጃህ ማለት፡ ኣብ እምነት ራስተፈሪ፡ መድሕን ማለት ኰይኑ፡ ምስ ጃንሆይ ዝተኣሳሰር ጽንሰ-ሓሳብ'ዩ። ድሕሪ ሞት ጃንሆይ ዝተደርሰ ደርፊ ዀይኑ፡ "ካብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካልእ ሓው ሙሴ'ንዶ ለኣኸልና" እናበለ'ዩ ዝደርፍ።

ካብታ ኣልበም ጥራይ ሓሙሽተ ፍሉጣት ደርፍታት ክፈርያ ከኣላ ... ኤክሰደስ፡ ወይቲንግ ኢን ቨይን፡ ጃሚን፡ 3 ሊትል በርድስ፡ ዋን-ላቭ፡ ('Exodus', 'Waiting In Vain', 'Jamming', 'Three Little Birds' and 'One Love / People Get Ready')።

እታ ኣልበም ካብቲ ቅድሚኡ ዝደርፎም ዝነበረ ደርፍታት ኣዝዩ ዝተፈልየ ህርመት፡ ቅዲ፡ መሳርሒ ሙዚቃ፡ ተቐበልቲ መዘምራን ኣመሓይሹ'ዩ ኣቕሪብዋ። ልዕሊ ዅሉ ግን ግዜ ዘየህስሶምን ዘይቀትሎምን ሕላያት ተጠቒሙ ስለ ዝደረሶም፡ እንሆ ክሳብ ሕጂ ኤክሰደስ ህያው ኰይና ትነብር ኣላ።