ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ማዕበል ውርጪ ኣማኢት ኣሽሓት ኣባይቲ መብራህቲ ስኢነን

መግለጺ ቪድዮ, Watch: Winter storm grips US as millions face power outages and disruption

ኣብ መላእ ኣመሪካ ብዝተኸሰተ ብርቱዕ ማዕበል ውርጪ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኣባይቲ ብዘይ መብራህቲ ተሪፈን።

ዳርጋ ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብያተ ትምህርቲ ጽርግያታትን ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ማዕበል ውርጪ ክዕጾ እንከሎ፡ ብዙሕ በረራታት ነፈርቲ ደው ኢሉ።

ካብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ክሳብ ኒው ኢንግላንድ ዘሎ ኵነታት 'ንህይወት ኣስጋኢ" ምዃኑ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር [National Weather Service (NWS)] ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዊዝንያ ብሰንኪ ብርቱዕ ቀዝሒ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ቴክሳስ'ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ሰብ መዚ ገሊጾም።

ክሳብ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣስታት 900 ሽሕ ኣባይቲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከምዝተቋረጾ ንኣገልግሎት ኤለትሪክ ኣመሪካ ዝቈጻጸር ፓወር ኣውተጅ ዶት ዩኤስ ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ ልዕሊ 11 ሽሕ በረራታት ደው ኢሉ ከም ዘሎ ፍላይትኣዌር ሓቢሩ።

እዚ ብርቱዕ ንፋስን ማይን ዘለዎ ውርጪ፡ ንመዓልታት ክቕጽልን ንኣስታት 180 ሚልዮን ኣመሪካውያን ክጸሉን ከምዝኽእል'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እዚ አንተዀይኑ ኸኣ ዳርጋ ንልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ኣመሪካ እዩ ዝጽሎ።

ኣሊሶን ሳንቶረሊ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር ኣመሪካ ክኢላ ኵነታት ኣየር ኰይኑ፡ ምስ መላፍንቲ ቢቢሲ ዝኾነ ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "እዚ ዘሎ በረድ ኣዝዩ ኣዝዩ ቀስ እናበለ'ዩ ክሓቅቕ - ሓያለ ግዜ ክወስድ'ዩ፣ እዚ ከኣ ነቲ ሓገዝ ንምሃብ ዝግበር መስርሓት ክዓናቕፎ'ዩ" ኢሉ።

ክፍሊ ጥዕና ልዊዝያና ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክልተ ሰባት ብብርቱዕ ቀዝሒ ከምዝሞቱ ከፍልጥ እንከሎ ከንቲባ ከተማ ኣውስቲን ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ'ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ህይወት ሓደ ሰብ ከምዝሓለፈ ሓቢሩ።

ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ዞህራን ማምዳኒ'ውን ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ብቀዳም ኣብታ ከተማ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ክገልጽ እንከሎ፡ ጠንቂ ሞቶም ይጻረ'ሎ ኢሉ።

ብምስዓብ "እዚ፡ ኣብ ተቐማጦ ኒውዮርክ ዓመታዊ ብሰንኪ ቍሪ ዘጋጥም ጸገማት ዘዘኻኽር'ዩ" ምባሉ ግን እቲ ጠንቂ ሞት ናይቶም ሓሙሽተ ሰባት ምስቲ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ቍሪ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

 ዋሽንግተን ሲሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ርእያቲ ዘይትፈለጥ መጠን በረድ'ዩ ዝወርዳ ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, Will Oliver/EPA/Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, ዋሽንግተን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ርእያቶ ዘይትፈለጥ መጠን በረድ'ዩ ዝወርዳ ዘሎ

ኣመሓዳሪት ክፍለ ግዝኣት ኒውዮርክ ካቲ ሃቱል ብወገና ኵሎም ነበርቲ እታ ክፍለ ግዝኣት ካብ ገዛኦም ከይወጽኡ ኣጠንቂቓ ኣላ።

ንሳ ብሰንበት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "እዚ ኣብ ዓመታት ካብ ዝርኣናዮ እቲ ዝኸፈአ ኵነታት ኣየር'ዩ፣ እዚ ኣብ ታሪኽና እቲ ዝቖረረ ግዜ'ዩ" ኢላ።

ብተወሳኺ፡ "እዚ ዝነወሐ እዋን ቍርን ዝበዝሐ በረድ ዝወርደሉን እዋን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ፤ እዚ ቍሪ ዓጽምኻ ዝሰብርን ኣዝዩ ሓደገኛን'ዩ" ብምባል ኵሉ ተቐማጢ ክጥንቐቕ ደጋጊማ ኣጠንቂቓ።

ኣመሓደዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኬንታኪ ኣንዲ በሸር'ውን ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ክፍለ ግዝኣት ካብቲ ተገሚትዎ ዝነበረ ዝበርተዐ በረድ ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ከኣ ነታ ክፍለ ግዝኣት ጽቡቕ ዜና ከምዘይኰነ ሓቢሩ።

ክኢላታት ኵነታት ኣየር፡ ብርቱዕ ማዕበል ውርጪ፡ ኣግራብ ከውድቕ ዝኽእል፡ ጽርግያታት ዝዓጹን ኤሌክትሪክ ንኽቋረጽ ምኽንያት ዝኸውንን ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ'ዮም ዝሕብሩ።

ቨርጂንያ ጥራይ ልዕሊ 200 መካይን ብሰንኪ እዚ ውርጪ ከምዝተጋጨዋን ብዝወደቐ ገረብ ከምዝተጨፍለቓን ማዕከናት ዜና እታ ክፍለ ግዝኣት ኣቃሊሐን።

እዋን ሓደጋ ተኣዊጁ

ኒው ዮርክ'ውን ሓንቲ ካብተን በዚ ብርቱዕ በረድ ተጸልያ ዘላ ከተማ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኒው ዮርክ'ውን ሓንቲ ካብተን በዚ ብርቱዕ በረድ ተጸልያ ዘላ ከተማ'ያ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ መላእ ኣመሪካ ዳርጋ እተን ኣስታት ፍርቂ ክፍለ ግዝኣታት ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጀን ኣለዋ።

ዳርጋ ኣብ መላእ ኣመሪካ፡ እቲ ብርቱዕ ማዕበል ውርጪ ሎሚ ሰኑይ'ውን ክቕጽል ከምዝኽል ይግመት ስለዘሎ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣለዋ።

ኣባላት ሰነት ኣመሪካ'ውን እቲ ንሎሚ ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ተመዲቡ ዘነበረ ምርጫ ኣናዊሕዎ ኣሎ።

ሓንቲ ካብተን እዋን ሓደጋ ኣዊጃ ዘላ ርእሰ ከተማ ኣመሪካ ዋሽንግተን'ያ።

ከንቲባ ዋሽንግተን ሙሬል ቦወዘር "ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዓመታት ርእያቶ ዘይትፈልጥ መጠን በረድ'ዩ ዝወርዳ ዘሎ" ኢላ።

ኣብ ሰሜን ዝርከባ ከም ዳኮታን ሚነሶታን ዝኣመሰላ ክፍለ ግዝኣታት ኣብ ክረምቲ ትሑት ቁሪ ዝለመዳ ክዀና እንከለዋ፡ ኣብ ከም በዓል ቴክሳስ፡ ሉዊዚያናን ተነሲን ዝኣመሰላ ግዝኣታት ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ቁሪ ምርኣይ ዘይተለምደ ኰይኑ፡ ኣብ ከምዚ እዋን ኣብተን ክፍለ ግዝኣታት ሙቐት ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ማእከላይ ገምጋም ወቕታዊ መጠን ሙቐት ካብ 15 ክሳብ 20 ዲግሪ ሰንቲ ግሬት ንታሕቲ 'ዩ ነይሩ።

ሕጂ ግን እተን ብዙሕ በረድ ዘይርኣየለን ኣብ ደቡብ ሸነኽ ኣመሪካ ዝርከባ ክፍለ ግዝኣታት'ውን ክሳብ ኣስታት ሰለስተ ሰንቲ ሜተር ቀጸላ ዘለዎ በረድ ክጋጥመን ከምዝኽል'ዩ ተገሚቱ ዘሎ።

እዚ ኣብ ኣመሪካ ተኸሲቱ ዘሎ ማዕበላዊ ውርጪ ብሰንኪ ካብ ኣርክቲክ ዝነፍስ ዘሎ 'ዌስተርሊ ዊንድስ' ዝብሃል ብርቱዕ ንፋስ ዝሰዓበ ከምዝኾነ ክኢላታት ሜትሮሎጂ ይሕብሩ።

እዚ ኵነታት ኣየር ክሳብ ለካቲት ክቕጽል ከምዝኽልን ካናዳ'ውን በዚ ኵነታት ኣየር ብብርቱዕ ክትጽሎ ከምእትኽእል'ዩ ግምታት ዘሎ።

ዓሚ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መጠኑ ካብዚ ናይ ሕጂ ኣዝዩ ዝተሓተ ይዅን'ምበር፡ ኣብ ኣመሪካ ማዕበል ውርጪ ኣጋጢሙ ነይሩ'ዩ።