ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብዛዕባ ዝወድቕ ዘሎ ከቢድ ህቦብላዊ ውርጪ እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልዕሊ 60 ሚልዮን ኣመሪካውያን፡ ብሰሪ ኵነታት ኣየር ክስዕብ ንዝኽእል ውርጪን ቀዝሒን ጻውዒት መጠንቀቕታ ቀሪቡሎም።
እዚ ህቦብላ`ዚ፡ ኣብዚ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ካብ ዝተራእየ እቲ ዝኸበደ እዩ።
ዝበዝሐ ክፋል ካናዳን ካብ ካንሳስ ክሳብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ 30 ግዝኣታት ኣመሪካን ኣብ ትሕቲ ናይ ድንገት መጠንቀቕታ ኵነታት ኣየር ከም ዘለዋ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር (NWS) ገሊጹ።
ካብ ኦሃዮ ክሳብ ዋሽንግተን ዲሲ ካብ 152 ክሳብ 305 ሚሊሜተር ዝዓቐኑ በረድ ክዘንብ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ኬንታኪ፡ ቨርጂንያ፡ ምዕራብ ቨርጂንያ፡ ካንሳስ፡ ኣርካንሳስን ሚዙሪን ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ግዝኣታት ኣመሪካ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተደንጊጉ።
ዋላ'ውን ገለ ክፋል ናይታ ንቡር ክሊማ ዘለዋ ፍሎሪዳ፡ ቍሪ ዝበዝሖ ኵነታት ከጋጥማ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ብሰንኪ እቲ ኣብ ዙርያ ኣርክቲክ ዝዘውር ዝሑል ኣየር ዘለዎ ከባቢ ፖላር ቮርቴክስ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።
እቲ ህቦብላ ንማእከላይ ቆላታት ድሕሪ ምሽፋኑ፡ ክሳዕ ሰንበት ምሸት ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣመሪካ ክሃርም ትጽቢት ይግበር።
ገለ ክፋል ሰሜናዊ ክፋል ኒውዮርክ ክሳዕ ሕጂ ብውሑዱ 914.4 ሚሊሜተር በረድ ወዲቑዎ ኣሎ።
ዋሽንግተን ዲሲ`ውን ካብ 127 ክሳብ 228.6 ሚሊ ሜተር በረድ ክሃርማ ትዳሎ ኣላ።
ከንቲባ እታ ከተማ እንተ ወሓደ ክሳዕ ሰንበት ምሸት ህጹጽ እዋን በረድ ኣዊጁ ይርከብ።
ኮንግረስ ንዓወት ዶናልድ ትራምፕ ንምጽዳቕ ሎሚ ምሸት ክእከብ ትጽቢት ዝግበረሉ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ሕማቕ ኵነታት ኣየር፡ ንገለ ኣባላት ባይቶ ካብ ምርጫ ክልሎም ናብ ርእሰ-ከተማ ከየቕንዑ ከሰናኽሎም ድዩ ንጹር ኣይኰነን።
ኣብ ጥቓ ባልቲሞር ሜሪላንድ ዝርከብ ከባቢ ኣናፖሊስ ካብ 203.2 ክሳብ 304.8 ሚሊሜተር በረድ ክርአ ከም ዝኽእል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር ግምቱ ይገልጽ።
ኣብ ካንሳስ፡ ሚዙሪን ነብራስካን ከኣ መጠንቀቕታታት ብርቱዕ ንፋስ ተዋሂቡ ኣሎ።
ገለ ክፋል ሰሜናዊ ሚዙሪ ድሮ 355.6 ሚሊ ሜተር ዝዓቐኑ ውርጪን በረድን ከጋጥሞም እንከሎ፡ ካንሳስ ድማ 254 ሚሊ ሜተር ዝኸውን ውርጪ ወዲቑዋ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣኩዌዘር ዳን ዲፖድዊን፡ "እዚ፡ ኣብ ኣመሪካ ድሕሪ 2011 ዝለዓለ ቀዝሒ ከስዕብ ይኽእል እዩ፡" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ ካብቲ ብገምጋም ዝተሓተ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ፡ ንሰሙን መመላእታ ብዝበኣሰ ክቕኒ ከም ዝኽእል ገሊጹ።
እቲ ካብ ንቡር ንታሕቲ ዝተባህለ ካብ 7 ክሳዕ 25 ደረጃ ሰልሰስ ክኸውን ይግመት።
ከም ውጽኢቱ፡ ብዙሕ ምድንጓያት መገሻ ክህሉ ትጽቢት ይግበር።
ኣስታት 1500 ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉን ዝወጽኡን በረራታት ከም ዝተሰረዙን ኣስታት 5000 ካልኦት ድማ ከም ዝተደናጐዩን ፍላይትኣዌር ዶት ኮም ሓቢሩ።
ኣምትራክ ድማ ንብዙሓት ኣገልግሎታት ባቡር ሰሪዙ።
መንገዲ ኣየራት ኣመሪካ፡ ደልታ፡ ሳውዝዌስትን ዩናይትድን፡ ብሰንኪ ክህሉ ዝኽእል ምቍራጽ በረራታት፡ ነቲ ብሰንኪ ለውጢ ትኬት ተጓዓዝቲ ክኸፍሉዎ ዝግባእ ይሓድጉዎ ኣለዉ።
ካናዳውያን እውን ሳዕቤን ናይቲ ፖላር ቮርቴክስ ኣረኻኺብሎም ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን`ዚ፡ መብዛሕትኡ ክፋል ካናዳ ኣብ ትሕቲ ልዑል መጠንቀቕታ ኵነታት ኣየር ዝርከብ ኰይኑ፡ ንመላእ`ታ ሃገር ዝሽፍን ቀዝሒ ሃሪሙዎ ኣሎ።
ኣብ ገለ ከባቢታት`ውን ዋሕዚ በረድ ይረኣዩ ኣለዉ - ኣብ ማእከላይ ግዝኣት ማኒቶባ ከኣ ኣሉታ 40 ደረጃ ሰልሰስ ክወርድ ይኽእል።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ገለ ክፋል ኦንታርዮ ኣብ ሰንበት ክሳብ 381 ሚሊሜተር ዝበጽሕ በረድ ክረአ ይኽእል እዩ።
ጽርግያታት ተበላሽዩ፣ ድሮ`ውን ዝተፈላለየ ሓደጋታት መካይን የጋጥም ኣሎ።
መንገዲታት ብምሽፋኖም ንጕዕዞታት ሃደገኛ ክገብሮ ከም ዝክእል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር ኣጠንቂቑ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቶርናዶ ከለዓዕል ዝኽእል በርቅን ነጐዳን ዘሰነዮ ብርቱዕ ህቦብላ ካብ ኣርካንሳስን ሉዊዚያናን ንምብራቕ ናብ ሚሲሲፒን ኣላባማን ሰንበት ክግዕዝ ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







