ኣመሪካ፡ ኣብ ላስ ቬጋስ ብዛዕባ ዘጋጠመ ፍንጀራ እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ላስ ቬጋስ ኣብ ኣፍ ደገ ዓለምለኸ ሆቴል ዘጋጠመ ፍንጀራ ዘለዉ ሚስጥራት ንምፍታሕ ዘካይድዎ መርመራ ቐጺሉ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ቅድሚ መእተዊ እቲ ሆቴል፡ ቤንዚንን ርችትን ዝጸዓነት ሳይበርትራክ ቴስላ ምፍንጃራ ስዒቡ መራሒ እታ መኪና ከም ዝሞተን ሸውዓተ ሰባት ድማ ከም ዝቘሰሉን ይዝከር።
እቲ ሓደጋ ዘስዓበ ውልቀሰብ ወዲ 37 ዓመት ማቲው ኣላን ሊቨልስበርገር ምዃኑ ተፈሊጡ።
ንጡፍ ወተሃደር ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካ ከም ዝዀነ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ውልቀሰብ ነታ ሳይበርትራክ ተኻርዩ ናብታ ከተማ ብምኻድ ነታ መኪና ኣብ ቅድሚ እቲ ሆቴል ደው ኣቢልዋ።
ፖሊስ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተቓጸለት ተስላ ሬሳ ማቲው ኣላን ሊቨልስበርገር ረኺቦም።
ኣብ ሬስኡ፡ ባዕሉ ብጥይት ዝሃረመሉ ቁስሊ'ውን ነይሩ።
እታ መኪና ነዳዲ ዝመልኡ መትሓዚታትን ልዕሊ ደርዘን ዝዀኑ ርችት ሞርታራት እውን ረኺቦም።
ብሓሙስ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ሆቴል፡ ልዑል ህላወ ፖሊስ ይርአ ነይሩ።
ሰራሕተኛታት ኣብ መእተዊ እቲ ሆቴል ዝወረደ ጉድኣት ንምጽጋን ኣብ ዝጽዕርሉ ዝነበሩ እዋን፡ ንእሽቶ ክፋል መእተዊ እቲ ሆቴል ብብጫ ቴፕ ፖሊስ ተከቢቡ ነይሩ።
ሰብመዚ ሓበሬታ ምእካብን ነቲ ሚስጥር ክፈትሑን ይጽዕሩ፤ ሕጂ'ውን ግን ብዙሓት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ።
ንኣብነት፡ ሊቨልስበርገር ስለ ምንታይ ነታ መኪና ተኻርይዋ?
ቅድሚ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ስልጣን ምሓዙ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ከሕልፍ ድዩ ሓሲቡ ነይሩ?
ጌና መልሲ ዘድልዮም ሕቶታት እዮም።
ሊቨልስበርገር ስለ ምንታይ ናብ ላስ ቬጋስ ከይዱ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሕቶታት፡ ሊቨልስበርገር ስለ ምንታይ ነታ ቴስላ መኪና ተኻርዩ ካብ ኮሎራዶ ናብ ላስ ቬጋስ ልዕሊ 1300 ኪ.ሜ ተጓዒዙ ዝብል እዩ።
ፖሊስ ላስ ቬጋስ ከም ዝሕብሮ፡ ሊቨልስበርገር ነታ መኪና ብ28 ታሕሳስ ኣብ ደንቨር እዩ ተኻርይዋ።
ካብ ቴክኖሎጂ ቻርጅ ቴስላ ዝተረኽበ ሓበሬታ ተጠቒሞም ምንቅስቓሳቱ ክከታተሉ ክኢሎም እዮም።
ንሱ ጥራይ ክዝውራ ከም ዝተራእየ እውን ይገልጹ።
ብተወሳኺ እታ መኪና ረቡዕ ንግሆ ናብታ ከተማ ከም ዝኣተወትን ድሕሪ ክልተ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ እቲ ፍንጀራ ከም ዘጋጠመን'ውን ሓቢሮም።
ሓላፊ ፖሊስ ላስ ቬጋስ ኬቪን ማክማሂል ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ሬሳ ዝተረኸበ ሬሳ ምልላይ ካብ ዝካኣል ንላዕሊ ተቓጺሉ ከም ዝነበረ ጠቒሱ።
መርማሪ ሬሳ ናይቲ ግዝኣት ግን ዲኤንኤን መዛግብቲ ስኒን ተጠቒሙ፡ ሊቨልስበርገር ኣብቲ ፍንጀራ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብ ውሽጢ እታ ሳይበርትራክ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ ርእሱ ብዝተተኰሰ ጥይት ድማ ቁስሊ ነይሩ።
"ድሕሪኡ ብቕጽበት ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ድማ ነብሰ ቅትለት እዩ ነይሩ ክብል ይኽእል" ማክማሂል ተዛሪቡ።
ወሲኹ ድማ፡ ነቲ ፍጻመ ዝደረኸ ዝዀነ ምኽንያት ከም ዘየነጸሩ ሓቢሩ።
እቲ ፍንጀራ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ድዩ?
ካልእ ኣብዚ ጕዳይ ዝለዓል ቀንዲ ሕቶ፡ እቲ ፍንጀራ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ፡ ዝዀነ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝተፈጸመ ድዩ ዝብል እዩ።
ፖሊስ፡ እቲ ጥርጡር ምስ ፍሉይ ፖለቲካዊ እምነት ዘተኣሳስሮ መርትዖ ኣይረኸበን።
እንተዀነ ዋና እቲ ሆቴል እቲ ሓዱሽ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብምዃኑ፡ ወይ ኤለን መስክ ንቴስላ መካይን ዘፍርይ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ፍንጀራ ምስ እዚኦም ምትእስሳር እንተሃልይዎ ይምርምሩ ከም ዘለዉ ገሊጾም ኣለዉ።
ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ንመስክ ንፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኮሚሽን ክፍሊ ብቕዓት መንግስቲ ብሓባር ከመሓድር ከም ዝመዘዞ ይዝከር።
እዚ ድማ ክልቲኦም ኣብ እዋን ጎስጓስ ትራምፕ ድሕሪ ምቅርራቦ ስዒቡ ዝመጸ እዩ።
ኣብ ላስ ቬጋስ ዝነጥፍ ወኪል ኤፍ.ቢ.ኣይ ስፔንሰር ኢቫንስ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ፍንጀራ "ኣብ ኣፍ ደገ ህንጻ ትራምፕ ከም ዘጋጠመ፡ ከምኡ'ውን እታ መኪና ቴስላ ምዃና ኣይጠፍኣናን" ኢሉ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ግን (እቲ ፍጻመ) ብሰንኪ ዝዀነ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝተፈጸመ ዘነጽር ወይ ዘመልክት ሓበሬታ ኣይረኸብናን።"
ምስቲ ኣብ ኒው ኦርሊንስ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ምትእስሳር ኣለዎ ድዩ?
እቲ ፍንጀራ፡ ካብቲ ኣብ ኒው ኦርሊንስ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቁሩብ ሰዓታት ድሒሩ እዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ሓደ ብእስላማዊ ጕጅለ ተደፋፊዱ ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ ኣመሪካ ከተማ ኒው ኦርሊንስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ 15 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 35 ሰባት ቈሲሎም እዮም።
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ሻምሱድ-ዲን ጃባር ዝበሃል ወዲ 42 ዓመት ኣመሪካዊ ዜጋ ኰይኑ ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ ኣገልጊሉ እዩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ መርመርቲ እዞም ክልተ ፍጻመታት ምትእስሳር ኣለዎም ድዩ የብሎምን ይምርምሩ ከም ዘለዉ እኳ እንተገለጸ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ምትእስሳር ዘለዎም ምዃኑ ዝሕብር መርትዖ ኣይተረኸበን።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፍጻመታት ዘሎ ርኡይ ተመሳሳልነትን ገለ ዝርዝር ታሪኽ ህይወት ናይቶም መራሕቲ ክልቲአን መካይንን ግን እቲ ብዛዕባ እዚ ዝለዓል ሕቶ ክቕጽል ይድርኽ ኣሎ።
ክልቲኡ ፍጻመታት ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት እዩ ኣጋጢሙ።
ክልቲኦም መራሕቲ መካይን ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ ኣገልጊሎም እዮም።
ክልቲኦም ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ተልእኾ ተሳቲፎም ነይሮም።
ክልቲኦም ሰባት መኪና ንምክራይ ዝተጠቐሙሉ ቱሮ ዝተባህለ ናይ ሞባይል መተግበሪ እዩ።
ይኹን እምበር ብመሰረት ፖሊስ፡ እቶም ክልተ ውልቀሰባት ኣብ ሓደ ኣሃዱ ከምዝነበሩ ወይ ኣብ ሓደ ተልእኾ ብሓባር ከም ዘገልገሉ ዝሕብር መርትዖ የለን።
ክልቲኦም ኣብ 2009 ናብ ኣፍጋኒስታን እኳ ተዋፊሮም እንተነበሩ፡ ኣብ ሓደ ኣውራጃ፡ ቦታ ወይ ኣሃዱ ከም ዘገልገሉ ዝሕብር መርትዖ እውን ኣይተቐልቀለን።
ኣብቲ ኣብ ኒው ኦርሊንስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ፖሊስ ኣብታ ጃባር ዝተጠቐመላ መኪና ባንዴራ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ረኺቦም እዮም።
ብተወሳኺ፡ ካብቲ ፍጻመ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ጉጅለ ተኣማንነት ከምዘለዎ ዝገልጹ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊሉ ነይሩ።
ፖሊስ ጃባር በይኑ ይዋሳእ ከም ዝነበረ እዩ ዝገልጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ላስ ቬጋስ፡ ሊቨልስበርገር ብኣይኤስ ከምዝተደፋፍአ፡ ወይ ድማ ንሱን ጃባርን ተራኺቦም ከምዝፈልጡ ዝሕብር መርትዖ የለን።
ፖሊስ እቲ መርመራ ገና ይቕጽል ከምዘሎ ግን ኣተሓሳሲቡ እዩ።
ድሕረ ባይታ ሊቨልስበርገር እንታይ እዩ?
ሊቨልስበርገር ኣብ ጀርመን ኣድንቖት ዝረኸበ ሳጅን ፍሉይ ሓይሊ ስለያ እዩ።
ኣብ እዋን እቲ ፍጻመ ግን ብዝተወሃቦ ፍቓድ ኣብ ዕረፍቲ እዩ ነይሩ።
ኣቡኡ ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወዱ ንበዓልቲ ቤቱን ጓል ሸሞንተ ወርሒ ጓሉን ክርኢ ኣብ ኮሎራዶ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።
ኣብ በዓል ልደት ንመወዳእታ ግዜ ምስ ወዱ ክዘራረብ እንከሎ ድማ ካብ ንቡር ወጻኢ ዝመስል ነገር ከም ዘየስተብሃል ሓቢሩ።
ማዕከን ዜና ዳይሊ ቢስት፡ ሊቨልስበርገር "ልዑል" ደጋፊ ትራምፕ ምዃኑ ጸብጺቡ።
ምስ ስድራቤት ሊቨልስበርገር ዝተዘራረበ ሓደ ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሊቨልስበርገር ኣብቲ ናይ ሕዳር መረጻ ድምጹ ንትራምፕ ከም ዝሃበ ይገልጽ።
ኣኮኡ ንሊቨልስበርገር ድማ ንዘ ኢንዲፐንደንት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሊቨልስበርገር ንትራምፕ ከም ዝፈትውን "ኵሉ ግዜ ድማ ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ኣፍቃሪ-ሃገር ወተሃደር፡ ንሃገሩ ዝፈቱ ኣመሪካዊ እዩ ነይሩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







