ኣመሪካ፡ ብእስላማዊ ጕጅለ ተደፋፊኡ 15 ሰባት ቀቲሉ ብዛዕባ ዝተባህለ ውልቀሰብ እንታይ ንፈልጥ?

ሻምሱድ ዲን ጃባር መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, FBI

መግለጺ ስእሊ, ሻምሱድ ዲን ጃባር መን'ዩ?

ሓደ ብእስላማዊ ጕጅለ ተደፋፊዱ ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ ኣመሪካ ከተማ ኒው ኦርሊንስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምኽንያት ሞት 15 ሰባት ክኸውን እንከሎ፡ ካልኦት 35 ሰባት ቈሲሎም።

እዚ ውልቀሰብ፡ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ኣብ ግዝኣት ሉዊዚያና ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ቦታ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ሰብ መዚ ገሊጾም።

እቲ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ ለይቲ ሰዓት 03፡15፡ ብሓንቲ ልዑል ፍጥነት ዝነበራ መኪና ክፍጸም እንከሎ፡ እታ መኪና ጻዕዳ ፎርድ ኤፍ-150 ላይቲን ከም ዝዀነት ምስሊታት ሲሲቲቪ ካሜራ የርእዩ።

ፖሊስ፡ እቲ ተግባር "ኰነ ተባሂሉ" ዝተፈጸመ'ዩ ብምባል ሻምሱድ ዲን-ጃባር ዝተባህለ ውልቀሰብ ከምዚ ዓይነት ጕድኣት ንምብጻሕ "ብመደብ" ዘውረዶ መጥቃዕቲ'ዩ ኢሉ።

ሓላፊት ፖሊስ ኒው ኦርሊንስ ኣኔ ኪሪክፓትሪክ፡ "እቲ ውልቀሰብ በታ መኪና ክንዲ ዝኸኣሎ ሰብ ገጭዩ ክኸይድ'ዩ ዝፍትን ነይሩ" ኢላ።

ጃባር፡ ብረት ተዓጢቑ ከም ዝነበረ እውን ተገሊጹ።

እቲ ውልቀሰብ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ብምትኳስ ክኣ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣቝሲሉ።

ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣቐዲሙ እቲ ፍጻመ "ተግባር ግብረሽበራ" ብዝብል መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ተሓጋጋዚት ፍልይቲ ወኪል ቢሮ መርመራታት ፈደራል ኣሌቲያ ዳንካን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ጥርጡር እንኮ ተሓታቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ከም ዝነበረ ከም ዘይኣምኑ ገሊጻ።

ዝዀነ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ወይ ምስቲ ጥርጡር ኣብ ዝሓለፉ 17 ሰዓታት ርክብ ዝነበሮ ንኤፍ.ቢ.ኣይ ክሕብር ድማ ሓቲታ።

"እዚ ብቕልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ ቀጻሊ መርመራ'ዩ" ትብል።

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ፡ ገዲም ኣባል ሰራዊት ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ሰበስልጣን፡ እታ መኪና ናይቲ ጥርጡር ከም ዘይኰነት ብምግላጽ ተኻርዩ ዘምጽኣ ከም ዝዀነት ሓቢሮም።

መርመርቲ፡ ኣብቲ ቦታ ክልተ ነታጒ ክዀኑ ዝኽእሉ መሳርሒታት ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም።

ሻምሱድ ዲን ጃባር መን'ዩ?

ኤፍ.ቢ.ኣይ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወዲ 42 ዓመት ሻምሱድ-ዲን ጃባር - ገዲም ኣባል ሰራዊት - ካብ ቴክሳስ ዝመጽአ ኣመሪካዊ ከም ዝዀነ'ዩ ዝሕብር።

ብመሰረት ሕጂ ዝተኣልየ ናይ ሊንክዲን ድሕረ ባይታ፡ ጃባር ቅድሚ ካብ ሰራዊት ምፍናው ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣብ ዓቕሚ ሰብን ሓበሬታ ቴክኖሎጂን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሰሪሑ ነይሩ።

ካብ ለካቲት 2009 ክሳብ ጥሪ 2010 [ኣ.ኤ] ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሩ ነይሩ።

ጃባር ኣብ 2020 ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ዩቱብ ቪድዮ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ስራሕ ዝጸንሐሉ ግዜ "ትርጕም ዓቢ ኣገልግሎትን ንዅሉ ብዕቱብ ምውሳድን እንታይ ማለት ምዃኑን ከም ዝመሃሮ" ገሊጹ ክብል ሲቢኤስ ጸብጺቡ።

ካብ 2015 ክሳብ 2017 ዓ.ም ኣብ ጆርጅያ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ተማሂሩ፤ ብስርዓት ኮምፒዩተር ቴክኖሎጂ ክኣ ዲግሪ ረኺቡ።

ክልተ ግዜ ከም ዝተመርዓወ ጸብጻብ ሲቢኤስ የመልክት።

ቀዳማይ ሓዳሩ ኣብ 2012 ከብቅዕ እንከሎ፡ ካልኣይ ሓዳሩ ድማ ካብ 2017 ክሳብ 2022 ዝጸንሐ እዩ።

ጃባር ምስ ገበናት ትራፊክን ስርቅን ዝተኣሳሰር ገበናዊ መዝገብ ነይርዎ።

ኣብታ መጥቃዕቲ ዝፈጸመላ መኪና ባንዴራ እስላማዊ መንግስቲ [ኣይኤስ] ሰቒሉ ከም ዝነበረ ክግለጽ እንከሎ፡ ኤፍቢኣይ ጃባር ምስ ኣሸበርቲ ጕጅለታት እንታይ ዓይነት ርክባት ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ዝብል መርመራታት የካይድ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ ለይቲ ሰዓት 03፡15'ዩ ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ ለይቲ ሰዓት 03፡15'ዩ ተፈጺሙ

ኣብቲ ሓደጋ ዝበጽሓሉ ቦታ ድማ፡ ኣብ ገዛ ዝተሰርሑ ነተጕቲ ተረኺቦም።

መዐፈኒ ዝተገጠመሉ ነዊሕ ብረት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ'ውን ፖሊስ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ካብ ኤፍቢኣይ ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ጥርጡር "ነቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ" ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቪድዮታት ከም ዝጠቅዐን ብእስላማዊ መንግስቲ "ተደፋፊኡ ናይ ምቕታል ድልየት" ከም ዝነበሮን ተዛሪቡ።

ዝርዝር በዚ መጥቃዕቲ ግዳያት ዝዀኑ ሰባት ወግዓዊ ኣይኰነን ዘሎ።

ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ጆርጂያን ሓደ ተምሃራይን ግን ከቢድ ጕድኣት ከም ዝበጽሖም ተገሊጹ።

እስራኤል ድማ ክልተ ዜጋታታ ከም ዝተጐድኡ ሐቢራ።

ፖሊስ መብዛሕትኦም እቶም ዝተጐድኡ ሰባት ነበርቲ ኒው ኦርሊንስ እኳ እንተዀኑ፡ በዓል ሓድሽ ዓመት ከኽብሩ ናብታ ከተማ ዝመጽኡ በጻሕቲ'ውን ክህልው ከም ዝኽእሉ ጠቒሱ።