ኤንሪኮ ቸሩሊ፡ ብዙሕ ዘይንፈልጦ ግን ንዞባና ብዙሕ ዝጸለወ ፋሽሽታዊ

ኢጣልያዊ ኤንሪኮ ቸሩሊ (1898–1988) ሊቀ-ቋንቋታትን ተመራማሪ-ታሪኽን ዲፕሎማትን'ዩ ነይሩ። ፈላማይ ምርምሩ ኣብ ታሪኽን ባህልን መንነትን ምድረ-ሓበሻ ዘተኰረ ኰይኑ ንዞባና ምስ ዓለም ዘፋለጠ ተመራማሪ ነበረ ክበሃል ይከኣል።
ምስኡ ኸኣ ኣብ እስላማውን ሴማውን መጽናዕትታት ጠሊቑ ብምእታው ዘበርከቶም ምርምራት ብሓደ ገጽ ዝዝንቶ ኣይኰነን ክበሃል ይከኣል።
እቶም ቸሩሊ ዘካየዶም መጽናዕትታትን ዝደረሶም መጻሕፍትን ከም መወከስታ ጥራይ ዘርዚርና ምስ እንጠቕሶም ልዕሊ ሓደ ገጽ እዮም ዝዀኑ።
ቸሩሊ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ኣስተዋጽኦ ዘፍረየ ተመራማሪ' ኰይኑ ምርምራቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ኣለዉ፤ ምስ መንቅቦም'ኳ ድኣ! ህዝቢ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ግን ኤንሪኮ ቸሩሊ ኣብ ህይወቶም ግዙፍ ተራ ይሃልዎ'ምበር ብዛዕባኡ ዝፈልጥዎ ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል።
ዘመናውያን ምሁራት ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ቸሩሊ ብግልጺ ከም ዝገልጽዎ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰነዳቶም ተሰኒዱ ንረኽቦ።
እቲ ብዝልዓል ኣገባብ ዝጥቀስ ጕዳይ ከኣ ንሱ ኣብ ዞባና ንጡፍ ተሳታፊ ፋሽሽታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ጣልያን ከም ዝነበረ'ዩ፣ ምስኡ ኸኣ ብግዜኡ ምሁር ጥራይ ዘይኰነስ ኣብታ ብጣልያን ዝተጎበጠት ኢትዮጵያ ላዕለዎት ናይ ምምሕዳራዊ ጽፍሕታት ሒዙ ስለ ዝነበረ፡ ኰይኑ ድማ እቲ ብዛዕባ ዞባና ዘጥረዮ ኣፍልጦ ሓደ-ሓደ ግዜ ንመግዛእታዊ ምሕደራ ፋሺሽታዊት ጣልያን ንምድጋፍ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ይጥቀስ'ዩ።
እዚ ክንፈልጦን ክንመሃሮን ዝግብኣና ሓቂ ኰይኑ ብዛዕባ'ዚ ጕዳይን ብታሪኽ ቸሩሊን እኹል ምርምር ዘካየደ፡ ምስኡ ኸኣ ብዛዕባ ዞባና ዓሚቝ ፍልጠት ዘለዎ ዶክ. ጀይምስ ደ-ሎረንዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ንኸስንቐና ተወኪስናዮ ኣለና።
መጽናዕታዊ ተራ ዶክ. ደ-ሎረንዚ ኣብ ታሪኽ ሃጸያውያን ዘተኰረ ኰይኑ ብዛዕባ ባዕዳዊ-መግዛእቲ ጣልያን፡ ማህደረ ትምህርቲ ምብራቓውነት (Orientalism ) ከምኡ'ውን ኣብ መፍረ ፍልጠት ኣፍሪቃ (ኣውራ ብቐርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን) ዘማእከለ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ደ-ሎረንዚ ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ከምኡ'ውን በብዓይነቶም ምሁራትን ክኢላታትን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃዊ ሕብረተሰብን (ብፍላይ ኢትዮጵያን ኤርትራን) ሓይልታት ኤውሮጳን ዝነበረ ርክብ ብኸመይ ይርድእዎን ቅርጺ የትሕዝዎን ከም ዝነበሩ ዝመራመር ምሁር'ዩ።
ደ-ሎረንዚ፡ ንነብሱ ከላሊን፡ ምስኡ ኸኣ ታሪኽ ኣቢሲንያን ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክመራመር ተገዳስነቱን ዝደረዀን እንክገልጽ፤
"ኣነ ኣብ ቶሮንቶ - ካናዳ እየ ተወሊደ፣ ካብ ኢጣልያውን ካናዳውን ስድራቤት። መጀመርታ ብዛዕባ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክፈልጥ ክግደስ ዝጀመርኩ በቲ ጣልያን ምስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ምትእስሳር ምስ ፈለጥኩ'ዩ። እንተኾነ ቋንቋ ኣምሓርኛ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ ብዛዕባ ምሁራት ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያንን ዘቕረብዎ ዝነበሩ ስነ-ጽሑፋት ክምስጠኒ ጀመረ፡" ድሕሪ ምባል፡
"እቶም ቀዳሞት ጸሓፍቲ ናብ ዘመናዊ ዓለም ክሰጋገሩ እንከለዉ (ናብ ዘመነ ስነ-ጽሑፍ) እንታይ ዓይነት ብድሆታት የጓንፎም ከም ዝነበረ ተገዲሰ ከጽንዕ ጀመርኩ። እንሆ ኸኣ ብዛዕባኡ ድሮ ሰለስተ መጻሕፍቲ ኣቕሪበ፡" ይብል።

ቢቢሲ፤ ኣብታ ኣብ ቀረባ እዋን "Feasting on History" (ድግስ ታሪኽ) ዘርእስታ መጽሓፍካ፡ ንሓደ ምስ ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝተኣሳሰር ሰብ፡ ማለት ኤንሪኮ ቸሩሊ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ገጻት ትጠቕሶ ኢኻ'ሞ እስከ ነቶም ዘይፈልጥዎ ቸሩሊ መን ምዃኑን፡ ስለምንታይከ ኣብ ታሪኽና ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ክትገልጸልና?
ደ-ሎረንዚ፤ ኤንሪኮ ቸሩሊ ኢጣልያዊ ምሁርን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኸኣ ኣመሓዳርን'ዩ ነይሩ፣ ኣብ ባዕዳውያን ብዛዕባ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ ንኡስ ኣፍልጦ (ብሕልፊ ኸኣ ብዛዕባ ኢትዮጵያ) ኣብ ምዕባዩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወተ ተመራማሪ ነበረ።
ቸሩሊ ኣብ ናፖሊ (ዓዲ ጣልያን) ተወሊዱ፡ ኣምሓርኛ፡ ኦሮምኛ፡ ዓረብኛ፡ ሶማልኛ ዝተማህረ ናይ ትምህርቲ ሰብ ነበረ። ብድሕሪኡ ፈለማ ኣብ ሶማልያ፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ተመራማርን መግዛእታዊ በዓል ስልጣንን ኰይኑ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ ሰብ'ዩ ነይሩ።
ምስቲ ዘካየዶ ምርምር ብዝምልከት፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ መጽናዕቲ ስነ-ጽሑፍ ኣምሓርኛን ኦሮምኛ ፈላሚ (pioneer) እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካዊ ስርሑ ብዝምልከት፡ ብመሳልል መግዛእታዊ ምምሕዳር ኣቢሉ ኣብ ዝለዓለ መድርኽ ክበጽሕ ዝኸኣለ በዓል ስልጣን ነበረ፣ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ፋሽሽታዊ ስርዓት ጐኒ-ጐኒ በኒቶ ሙሶሊኒ፡ ሮዶልፎ ግራዝያኒን ኣሜዴዮ ዲ'ኣኦስታን ኰይኑ ክሰርሐ ከኣለ።
ክብል-ክብል ድማ ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ኣፍሪቃ ኦርየንታለ ኢጣልያ ኰይኑ ንኸገልግል ተመዘዘ፣ እዚ ድማ ኣብ መላእ መግዛእቲ ጣልያን እቲ ካልኣይ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ገዛኢ ክኸውን በቕዐ።
ኣብ 1941፡ ድሕሪ ምፍራስ መግዛእቲ ጣልያን፡ ብኮምሽን ገበናት ኲናት ሕቡራት ሃገራት ብገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተኸሰሰ። ይዅን 'ምበር ኣብ ፍርዲ ኣይበጽሐን፣ ኰይኑ ድማ ኣብ ነዊሕ ኣካዳምያዊ ሞያ ብምእታው ናይ ምርምር ስርሑ ቀጸለ።
ቢቢሲ፤ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ቸሩሊ ኣብ ምቕራጽ ኣፍልጦ ኤውሮጳውያን (ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያንን ቀርኒ ኣፍሪቃን) ዝነበሮ ተራ ብሕጽር ዝበለ ክትገልጸልና?
ደ-ሎረንዚ፤ ቸሩሊ በቶም ዝወስኣሎም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላት ኣቢሉ ኣዝዩ ጽልዋ ከሕድር ዝኸኣለ ተመራማሪ 'ዩ ነይሩ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሶማልያን ብመንጽር እቲ ብ'ምብራቓውነት' ዝፍለጥ መንጽረ-መጽናዕቲ እዩ ዝገጥሞ ዝነበረ ክንብል ንኽእል።
እዚ ማለት፡ ምዕራባውያን ንዘይምዕራባውያን ህዝብታት ብስነ-ጽሑፋቶም ኣቢሎም ብኸመይ ከም ዘጽንዕዎም ዘርኢ መጽናዕቲ ከም ማለት'ዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብዘይታሪኻውን ስቴሪዮታይፒካውን (መለሳ-ኣልቦ ዝዓይነቱ) ንዕቀት ብዝመልኦን ኣገባብ የቕርብዎ ከም ዝነበሩ ዘርኢ ነበረ።
ቸሩሊ ብርግጽ ንሃይማኖታውን ታሪኻውን ልምድታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስናድ ኣዝዩ ተገዳስነት ነይርዎ፣ ብመሰረቱ ግን ንዝተፈላለዩ ህዝብታት እዚ ዞባ ብዓሌታውን ወገናውን መጻወድያታትን ግጭታትን ጥራይ ዝተሓጽሩ ሰባት ገይሩ ይርእዮም ነበረ።
ብተወሳኺ ቸሩሊ ከም ዝበሎ፡ "ህዝቢ ሓበሻ" ንከም ኦሮሞን ኻልኦት ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይገዝኡ ስለ ዝነበሩ ጣልያን ነቶም ግዙኣት ሓራ ንኸውጽእዎም'ዮም ኢዶም ዘእተዉ ኢሉ ይምጕት ነበረ። እዚ ኣሉታዊ ኣረኣእያታት'ዚ ንኣህጕራዊ ርእይቶ (ምናዳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ) ኣዝዩ ጸልዩዎ'ዩ፣ ንናይ ወጻኢ ምትእትታዋት ሕጋውነት'ውን ከልብሶ ከኣለ።
ቢቢሲ፤ ንምዃኑ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኤንሪኮ ቸሩሊ ብውልቁ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጥልያን ክትኣቱ ወይ ምምሕዳር ጣልያን ክናዋሕ ይጣበቕ ነበረ ይበሃል። ነዚ መርትዖ ኣሎ ድዩ?
ደ-ሎረንዚ፤ ቸሩሊ ኣብ 1940ታት ብዛዕባ መጻኢ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ ብንጥፈት ተሳቲፉ'ዩ። ንመንግስቲ ጣልያን ወኪሉ፡ ኣካል ናይቲ ድሕሪ ኲናት ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ኣኼባ (ብዛዕባ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ንክሰፍሩ ብዘርኢ ጕዳይ) ኣብቲ ሽዑ ዝተኻየደ ድርድር መርገጺ ጣልያን ብምድጋፍ ሓያሎ ሰነዳት ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሑፋት ኣቕሪቡ'ዩ።
ኣብቶም ዘቕረቦም ሰነዳት፡ ጣልያን ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣባል ሃገራት ኪዳን ተጸንቢራ ንጀርመን ንምስዓር ስለ ዝሓገዘት፡ ቅድሚ ምጅማር ዘመነ ፋሽሽታዊ መግዛእቲ ዝነበራ ግዝኣታት ክትሕዞ ክፍቀደላ ኣለዎ ኢሉ ይምጕት ነበረ።
እተን ቸሩሊ ኣብ ትሕቲ ሞጕዚትነት ጣልያን ይትረፋ እናበለ ዝማጐተለን ዝነበራ ሃገራት ኤርትራ፡ ሊብያ፡ ሶማልያ እየን ነይረን። ንኤርትራ ብዘርኢ፡ ጣልያን ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ኤርትራ ከም ዘፍሰሰት፡ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ነበርቲ ጣልያን ከም ዝነበሩ፡ በቶም ምኽንያታት'ቲኦም ድማ ጣልያን ከም ሞግዚት ኰይና ንኤርትራ ከተመሓድር ይግብኣ'ዩ እናበለ ተማጐተ።
እወ፡ ኤርትራውያን (ወይ ካልኦት ኣፍሪቃውያን) ብዘይ ናይ ግዳም ሓገዝ መጻኢኦም ብዓወት ክውስኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣይነበሮን።
ቢቢሲ፤ ቸሩሊ ምስ ስርዓት ፋሽሽታውያን ዝነበሮ ምትሕብባር ኣብ ታሪኻዊ ዘተታት ብተደጋጋምን ጐሊሑን'ዩ ዝርአ። እዚ መዳይ ህይወቱ'ዚ ግን ብቐጻሊ ብኣተኵሮ ዝርአስ ስለምንታይ እዩ? ብሓቂ ፋሽሽታዊ ክልሰ-ሓሳበኛ (ideologue) ድዩ ነይሩ ወይስ እቲ ክውንነት ዝተሓላለኸ ስለ ዝዀነ'ዩ?
ደ-ሎረንዚ፤ ኣነ ብውልቀይ፡ ፖለቲካዊ ሞያ ቸሩሊ ከም'ቲ ኣካዳሚያዊ ሞያኡ እኹል ኣቓልቦ ኣይረኸበን እብል። ብዙሓት ሰባት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ መግዛእታዊ ስርዓት ጣልያን ዝነበሮ ተራ ይፈልጡ እዮም፣ ስሙ ድማ ኣብ ገለ ብኣምሓርኛ ዝተጻሕፉ ሰነዳት ይርቋሕ'ዩ።
ኣብ 1940ታት ኣብ ናይ ውሽጢ ዓድን ዓለምለኻውን ጋዜጣታት ብዛዕባ መግዛእታዊ ንጥፈታቱ ዝገልጽ ጽሑፋት ከይተረፉ።
ኣካዳሚያውያን ተመራመርቲ ግን ብሓቂ ንሞያኡ ኣዕሚቖም ኣይተመራመሩሉን። እቲ ዛንታ ኣብ ኣርሺቫት (መዛግብቲ ማህደረ-ታሪኽ) ተቐቢሩ'ዩ ተሪፉ። ምስኡ ኸኣ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ መግዛእቲ ጣልያን ተገዲሶም ዘጽንዑ ተመራመርቲ ታሪኽ ብዙሓት ኣይኰኑን።
መጽሓፈይ ነዚ ጉዳይ ክትምልሶ ፈቲና እያ። ካልእ ብዛዕባ ተራ ቸሩሊ ኣብ መግዛእታዊ ምምሕዳር ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸሓፈ ተመራማሪ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ማቴዮ ዶሚኒዮኒ ይበሃል፣ መጽሓፉ ድማ "Lo sfascio dell'impero' (ምፍራስ ኤምበራጦርያ ጣልያን) ትበሃል።
ቢቢሲ፤ ቸሩሊ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ብፍልጠቱ ሓደ ካብቶም በሃራት ኢጣልያ ምንባሩ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሕሉፍ ታሪኽ ህይወቱ ኣብቶም ዘካየዶም ምርምራት ክሳብ ክንደይ ጸገም የስዕበሉ ትብል?
ደ-ሎረንዚ፤ እዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ሕቶ እዩ፣ ንቸሩሊ ጥራይ ዝምልከት ሕቶ 'ውን ኣይኰነን። ካልኦት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተሓላለኸ ውርሻታት ዝሓደጉ ምሁራት ኣለዉ፣ ፈላስፋ ማርቲን ሃይደገርን፡ ብፖለቲካዊ ክልሰ-ሓሳብ ዝበሰለ ካርል ሽሚትን ክልቲኦም ንሃገራዊ ማሕበርነት ጀርመን (national socialism) ይድግፉ ነይሮም'ዮም፤ ከምኡ'ውን ተመራማሪ ስነ-ሰብ ብሮኒስላው ማሊኖቭስኪ ምስ ኢምበራጦርያ እንግሊዝ ኢድ ነይሩዎ።
ብሓፈሻኡ ኣዘራርባ፡ ሎሚ ክኢላታት ካብ ሓቂ ብዝረሓቐ ፖለቲካዊ ገለልተኝነት ወይ ዘይሻራውነት ከም ዘለዎም ጌርና ኢና ንሓስቦም።
ኣብ መጽሓፈይ ከም ዘስፈርክዎ፡ እቲ ቸሩሊ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ንኣታሓሳስብኡ ጸልዩዎ'ዩ ኢለ ኣሚተ'የ፣ እዚ ማለት ድማ ብዛዕባ ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኸፈልጡ ህርድግ ዝብሉ ተመራመርቲ ንምርምራቱ ተጠንቂቖም ከንብብዎ ኣለዎም እብል።
እቲ ዝእምቶ ጥንቃቐ ንስርሓት ቸሩሊ ጥራይ ዘይኰነ ነቶም ካልኦት ተመራመርቲ'ውን ዝትንክፍ'ዩ። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቶም ቸሩሊ ዘቕረቦም መጽናዕትታት እቲ ዝነበሮ ኣድልዎን ቄናን ኣረኣእያን - ንምርምሩ ንገሊኡ ሸነኹ ኰነ ኢሉ ንምክፋእ ብምምራጽ ንገሊኡን ድማ ከዋስን ስለ ዝመረጸ ደጊመ ክብሎ ዝደሊ ልቢ ኣዕቢና ብጥንቃቐ ከነንብቦ ይግባእ።
ሳልሰይቲ መጽሓፍ ክጽሕፍ ከለኹ፡ ምስ ሓያሎ ዝፈልጥዎ ሰባት ቃለ መሕትት ኣካይደ'የ። ሓደ ካብኣቶም ድማ ቸሩሊ "በዓል ከሳቴ-ብርሃን ግን ከኣ ዕዉር'ዩ" ኢሉ ይገልጾ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ቸሩሊ ዓሚቝ ፍልጠት ዝነበሮ እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝነበሮ ርእይቶ ጕድለት ነይርዎ። እዚ ብፍላይ ብዛዕባ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ዝዘርግሖ ግጉይ ጽሑፋት ብንቕፈት ዝረአ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







