ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቘጥዐ ትንተና ኣስመራ ዝበጽሐ ወጻእተኛ

ካብ 1998-2000 ዝተኻየደ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ህይወት ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ከምዝቐዘፈ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ወጻእተኛ ተመራማሪን ክኢላን ዓለምለኻዊ ዝምድናታትን ፖለቲካን ናብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ።

ካብታ ሃገር ምስ ተመልሰ ዘውጽኦ ንትዕዝብትታቱ ዘጠቓለለ ትንተና ግን ንሰብመዚ ኤርትራ ኣቘጢዑ ኣሎ።

ዶ/ር ዊልያም ጎርላይ ኣብ ሓደ ናጻ ማዕከን ዜና ዘስፈሮ ጽሑፍ ብቐንዱ ናብቲ ኣብ "ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ዘሎ ደበና ኲናት" ዘተኰረ'ዩ።

እንተዀነ ንእግረመንገዱ፡ ንህሉው ኵነታት ኤርትራን ሓድሽ ኲናት ኣብታ ሃገር ከስዕቦ ዝኽእል ጽልዋን ብምድህሳስ ዘቕረቦ ትሕዝቶ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሰፊሕ ግብረመልሲ ተዋሂብዎ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብታ ሃገር ዝበጽሐ ጎርላይ፡ ሓተታኡ በቲ ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ድሌታትን ሃቐናታትን ኢትጵያ'ዩ ዝፍልም።

"ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጂኦፖለቲካዊ ረስኒ ይዓርግ ኣሎ" ዝበለ እቲ ኣብ ኣውስትራልያዊ ዩኒቨርሲቲ ሞናሽ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር፡ "እታ ንኤርትራዊት ወደብ ዓሰብ ይግባኣኒ'ዩ ትብል ዘላ ኢትዮጵያ ነታ ደቃቕ ጐረቤታ ኤርትራ ተፈራርሓ ኣላ" ብምባል'ዩ ንጠንቂ ናይቲ ስግኣት ኣስፊርዎ ዘሎ።

መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘበገስዎ ጉዳይ መሰል ተጠቃምነትን ዋንነትን ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ከቢድ ወጥሪ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብፍላይ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ "ናይ ህላወን ልዑላውነትን ሕቶ" ምዃኑ'ያ ትምጕት።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብወገን ሰብመዚ ኤርትራ ክወሃብ ዝጸንሐ ነዚ ዝዅንን ተኸታታሊ መግለጺታት ድማ፡ጐስጓሳት ኢትዮጵያ "ኣዋጅ ኲናት" ምዃኑ የጠንቅቕ።

ብትዕዝብቱ፡ ነበርቲ ኣስመራ ብዛዕባ'ቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ እኹል ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ብምግላጽ፡ ርእይቶታቶም ክህቡ ናጽነት ከምዘይብሎም ይጠቅስ።

"ኣብ ጎደናታት ናይታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝበጻሕኩዋ ርእሰከተማ ኤርትራ ዝዀነት ኣስመራ ግብረመልሲ ህዝቢ ዕቡስ'ዩ። ሚድያ ኣብቲ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻር መንግስቲ ዝኣተወ'ዩ፣ ስለዚ ብዛዕባ'ቶም ምዕባለታት ዝፈልጡ ኣዝማሪኖታት ብዙሓት ከይኰኑ ይኽእሉ።

"ዋላ'ኳ ኤርትራውያን ተቐበልቲ ጋሻን ካብ ጽምዶ ድሕር ዘይብሉን ኰይኖም እንተ ረኸብኩዎም፡ ኣብ ትሕቲ'ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ጨቋኒ ምሕደራ'ዮም ዝርከቡ። ስለዚ ብዛዕባ ፖለቲካ ክዛረቡ ዝደፍሩ ውሑዳት'ዮም" ይብል ዶ/ር ጎርላይ።

እቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ደሞክራስያዊን ቍጠባዊን ለውጢ ከምጽኡ'ዮም ተባሂሎም ብኣመሪካዊ ምምሕዳር ቢል ክሊንተን ዝተናእዱ መራሕቲ ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ 1998 ድሕሪ ምውልዑ፡ ዝብድህዎ መራሕቲን ተቓወምቲን፡ ከምኡ'ውን ጋዜጠኛታት ብምእሳር ናብ ምልኪ ገጹ ከም ዘምርሐ'ዩ እቲ ኣብቲ 'ዘ ኮንቨርዘሽን' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ዘውጽኦ ትንተና ዘመልክት።

"ኢሳይያስ ህዝቢ ማእከል ፖለቲካ ኤርትራ ክገብር ልዑል ተስፋ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ተስፋ ግን መሰረት ኣይነበሮን።"

ግዱድ ሃገራዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት'ውን "ነታ ሃገር ንምቍጽጻር ከም መሰላል" ከምዝተጠቕመሉ ይምጕት።

ድሕሪ ዶባዊ ኲናት ናብ ገደብ-ኣልቦ ዝተቐየረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኰይኑ ይርከብ።

"ጽልዋ ምልካዊ መግዛእቲ ንበጻሒ ንጹር'ዩ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ቅሉዕ፡ ምናልባት'ውን ዘስግእ ወተሃደራዊ ህላወ ኣሎ፣ ንድኹም ምሕደራ ዘቃልሕ ምልክታት'ውን ኣብ ፈቐድኡ ይርከብ።"

ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ "ወተሃደራዊ ድልውነትን 'ሃገራዊ ሓድነትን' ኣድላዪ ምዃኑ ሓደ ኤርትራዊ ተዛሪቡኒ" ይብል እቲ ንታሪኽ መግዛእትን ተጋድሎ ንናጽነትን ኤርትራ ዝተንከፈ ትንተና።

ውሽጣዊ ማሕበራዊ ጥምረት ህዝቢ ከምዘሎ ዝመስከረ እቲ ፕሮፌሰር፡ በዚ ዘላቶ ኤርትራ ሓድሽ ኲናት ክትጻወር ከምዘይትኽእል'ዩ ዝእምት።

"ኲናት እንደገና እንተ ተወሊዑ፡ ውጽኢቱ እንታይ ከምዝኸውን ንጹር ኣይኰነን፣ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ኤርትራ ግብረመልሲ ንምሃብ ብዝግባእ ኣይተቐረበትን፡ ህዝባ ኸኣ'ዩ ደጊሙ ክሳቐ።"

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንትንታነ ናይቲ ናብታ ሃገር በጺሑ ዝተመልሰ ተመራማሪ ዘለዎ ነቐፌታን ተቓውሞን ገሊጹ'ሎ።

ብጫ ታክሲታት፡ ካልኦት መካይንን ኣስቤዛ ዝሓዛ ደቂኣንስትዮ፡ ብሽክለታ ዝዝውሩ ነበርቲን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ግብረመልሲ ሰብመዚ ኤርትራ

እቲ ኤምባሲ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ ጸብጻብ "ኣጋጋዪ፡ ዘይሚዛናዊን ብፖለቲካ ዝተለጠጠ ብምዃኑ ፈጺሙ ይነጽጎ" ይብል።

በቲ ተንታኒ ዝቐረበ ጽሑፍ፡ "ብዛዕባ ሓደጋ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝውላዕ ኲናት እናኣጠንቀቐ፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ብቅሉዕ ዝተኸለሰ ህንዱድን ጐስጓስ ብተገራጫዊ ኣገባብ ቅቡልን ይገብሮን ይሽፍኖን" ይብል እቲ ካብ ዋሽንግተን ዝወጸ ምላሽ።

ጠለብ ኢትዮጵያ "ሓደገኛ" ምዃኑ ዘጠንቅቕ እቲ ኤምባሲ፡ ኤርትራ ንንግዳዊ ተጠቃምነት ወደብ ከልኪላ ከምዘይትፈልጥ የነጽር።

"ዝዀነ መሬት ይኹን ወደብ ኤርትራ ብሓይሊ ንምሓዝ ምፍታን፡ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ከቢድ ሳዕቤን ዘኸትል ወራር እዩ" ድማ ይብል።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "እዚ ናይ ማያት ዝበሃል ንመዳመቒ ዝቐርብ ዘሎ'ዩ . . . ስለምንታይ ሰብ ይሻቐል ብዛዕባ'ዚ፣ ክሻቐለሉ ዘለዎ ጉዳይ ኣይኰነን" ክብል ኣነኣኢስዎ ነይሩ፣ ዋላ'ኳ ኲናት ከምዝተኣወጀ እንተኣመተ።

"ኲናት ኣዊጁልና ኢልና ንሕና ንጫነቐሉ ምኽንያት የለን። እንታይ ዓይነት ኲናት'ዩ ክእውጅ? ብዙሕ ተማሂርና፡ ብዙሕ ርኢና ኢና" ክብል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።

ቀንዲ ነቲ ኤምባሲ ዘቘጥዐ ክፋል ናይቲ ትንተና ግን፡ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኵነታት እታ ሃገር ብምትንካፉ'ዩ።

"ናይቲ ዓንቀጽ ቆንጫሊ ቍጠዐን ዘይሚዛናዊ ትንተናን ዘሻቕል'ዩ። ንዞባዊ ሰላም እትንትን ኣለኹ እናበለ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ውሽጣዊ ምሕደራ ኤርትራ ዝተኻየደ ክልሰሓሳባዊ መጥቃዕቲ መጠኑ ዝሓለፈ ቦታ ይህብ" ይብል እቲ ኤምባሲ።

መንግስቲ ኤርትራ ሳሕቲ'ዩ ንወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ይዅኑ ተንተንቲ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዘፍቅድ። ዳርጋ መብዛሕትኦም ድማ ምስ ተመልሱ ነቲ ዘንቆልቁል ዘሎ ማሕበረ-ቍጠባዊ ኵነታትን ምልካዊ ምሕደራን ከቃልዑ ይስምዑ።

ኣብ ግንባር ብረት ዘነጻጽሩ ወተሃደራት ኤርትራ፡ 1998-2000

ምንጪ ስእሊ, AMR NABIL/AFP via Getty Images)

መግለጺ ስእሊ, ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ህይወት ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ከምዝቐዘፈ ይዝከር

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ 1991 ኣትሒዙ ነታ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ። እቲ ክሳብ 2002 ሃለዋት ዝነበሮ ሃገራዊ ባይቶ'ውን ካብ ዝፈርስ ልዕሊ 23 ዓመታት ኰይኑዎ ኣሎ።

ኢሳይያስ ንቀንዲ ኣካላት ናይቲ ንሱ ኣቦመንበሩ ዝኾነ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን'ውን ድሕሪ 2001 ከምዘፍረሶ ይፍለጥ። እቲ ውድብ ካብ 1994 ኣትሒዙ ምዱብ ጉባኤ ኣየካየደን።

ካብቶም ኣባላት መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ዝነበሩ 75 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ናይቲ ውድብ፡ ኣስታት 20 ኣብ ማእሰርቲ፣ 16 ብህይወት ዘየለዉ፡ 6 ኣብ ስደት፡ ልዕሊ 5 ድማ ደስኪሎም ከም ዝርከቡ ጸብጻባት የመልክቱ።

ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም 15 ኣባላት ፈጻሚ ኣካል'ውን ብተመሳሳሊ ግዳይ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን ምድስካልን ዝዀኑ እዮም።

'ዘ ኮነቨርዘሽን'፡ ብክኢላታት፡ ተመራመርትን መምህራን ዩኒቨርሲቲን ዝዳሎ ዓንቀጻትን ትንተናታትን ዘቕርብ ዘይሻራዊ ማዕከን ዜና ምዃኑ ይግለጽ።