ኡጋንዳ፡ ብመንግስቲ ዝህደን ዘሎ ቦቢ ዋይን ኣበይ እዩ ተሓቢኡ - እንታይከ ይብል?

ንመዓልታት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ርሒቑ ዘሎ ቦቢ ዋይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንመዓልታት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ርሒቑ ዘሎ ቦቢ ዋይን

ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኡጋንዳ ቀንዲ ተነሓናሒ ናይቲ ንልዕሊ 40 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ዮወሪ ሙሰቨኒ ዝዀነ ቦቢ ዋይን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ፍርዲ ኡጋንዳ እምነት ስለ ዘይብሉ ንውጽኢት መረጻ ናብ ፍርዲ ከም ዘየምርሖ ኣብቲ ተሓቢእሉ ዘሎ ቦታ ኰይኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ቦቢ ዋይን፡ ነቲ ውጽኢት ኣብ ክንዲ ናብ ቤትፍርዲ ምውሳድ፡ ደገፍቱ ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ብሰላማዊ መንገዲ ተቓውሞኦም ከስምዑ ተማሕጺኑ ኣሎ።

እቲ ወዲ 43 ዓመት ድምጻዊ ነበር፡ ኣብ ጉዳይ ድሕነቶም ስክፍታታት እኳ እንተ'ለዎም፡ ንፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ምብዳህ ክቕጽሉ ምዃኖም ገሊጹ።

"ስርዓተ ፍርዲ ኡጋንዳ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እዩ ዘሎ፣ ኡጋንዳውያን ድማ ዝዀነ ሕጋዊ መዳይ ተጠቒሞም ደሞክራሲኦም ክከላኸሉ ኢና ነተባብዕ፡" ኢሉ።

ብዓቢይ ፍልልይ ከም ዝተዓወተ ዝተገልጸ ኣብ መበል 81 ዓመቱ ረጊጹ ዝርከብ ሙሰቨኒ፡ እቶም "ኣሸበርቲ" ኢሉ ዝጸውዖም ተቓወምቲ፡ ብዓመጽ ተጠቒሞም ነቲ ውጽኢት ክቕልብሱዎ ይደልዩ ከም ዘለዉ ከሲሱ።

ሙሰቨኒ 72% ድምጺ ክረክብ ከሎ፡ ቦቢ ዋይን ድማ 25% ድምጺ እዩ ረኺቡ።

እቲ ቀንዲ ስሙ ሮበርት ክያጉላዊ ዝዀነ ቦቢ ዋይን፡ ውጽኢት መረጻ "ናይ ሓሶት" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ወሰኽ ድምጺ" ከም ዝተኻየደ ጠቒሱ - ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

ቦቢ ዋይን ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ሓይልታት ጸጥታ ንብዓልቲ ቤቱን ቤተሰቡን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ብምእታው መግቢ ክኣትዎም ከም ዘይፈቐዱሎም'ውን ኣቃሊዑ።

ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጫፍ ካምፓላ ንዝርከብ ገዛኡ ኣብ ዝኸብሉ ዝነበሩ እዋን ከም ዘምለጠ ድማ ይዛረብ።

ኣበይ ምዃኑ ኣብ ዘይተገልጸ ቦታ ኰይኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ውጽኢት ምርጫ ናይ ሓሶት ስለ ዝዀነ ኢና ንነጽጎ፣ እቲ ኣብ ነቝጣታት መረጻ ዝነበረን ኣብ መወዳእታ ዝተነግረን ፈጺሙ ዝተፈላለየ እዩ፡" ኢሉ።

ሰበስልጣን ነቲ ዝቐረበ ክሲታት ዛጊት መልሲ ኣይሃብሉን። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኡጋንዳ ግን ኣብ መዓልቲ ምርጫ "ቴክኒካውን ቅጥዓውን" ብድሆታት ከም ዝተዓዘበ እኳ እንተ ሓበረ፡ ንሓፈሻዊ ፍትሓውነት ናይቲ ድምጺ ዝሃሲ ከም ዘይኰነ ግን ገሊጹ።

ነቲ መረጻ ዝተዓዘቡ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘቕረቡዎ ጸብጻብ፡ "ወሰኽ ድምጺ ከም ዝተገብረ ዘመላኽት መርትዖ ከም ዘይርኣዩ፡" እኳ እንተ ገለጹ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንመዓልታት ብምቍራጹ ግን ወቒሶም።

ኢንተርነት፡ ሙሰቨኒ ፕረዚደንት ኰይኑ ከም ዝተመርጸ ብሰንበት ድሕሪ ምግላጹ ዳግማይ ኣገልግሎት ጀሚሩ።

ቦቢ ዋይን ኣብ 2021 ብሙሰቨኒ ድሕሪ ምብላጹ፡ ነቲ ውጽኢት ምርጫ ብሕጋዊ መንገዲ ክብድህ ነቒሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሒሩ ግን እቲ ቤትፍርዲ ወገናውን ሻራውን እዩ ብምባል ነቲ ጥርዓን ስሒቡዎ።

ንኻልኣይ ግዜኡ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝተሳዕረ ቦቢ ዋይን፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ተሓለቕቲ "ስዉር መቕተልቲ" ከም ዘሎ ከሲሱ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ልዕሊ 100 መንእሰያት ኣብ እዋን መረጻ ዓመጽ ኣለዓዒልኩም ተባሂሎም ብዘይመርትዖ ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።

ደይሊ ሞኒተር ዝተባህለ ጋዜጣ፡ ምስ ምርጫ ብዝተኣሳሰሩ ፍጻመታት ኣብ መላእ ካምፓላ ልዕሊ 100 መንእሰያት ከም ዝተኣስሩ ሓቢሩ።

ተካኢ ኣቦኡ ምዃኑ ዝንገረሉ ሓላፊ ሰራዊት ኡጋንዳ ጀነራል ምሁዚ ካይነሩጋባ ብሰኑይ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሓይልታት ጸጥታ ምስ ምርጫ ብዝተኣሳሰር ዝተላዕለ ዓመጽ 22 ደገፍቲ ተቓወምቲ ከም ዝቐተሉ ኣፍሊጡ።

ወዱ ንመሶቨኒ፡ ንቦቢ ዋይን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኢዱ ክህብ ይጽውዕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ወዱ ንመሶቨኒ፡ ንቦቢ ዋይን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኢዱ ክህብ ይጽውዕ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጀነራል ካይነሩጋባ ንቦቢ ዋይን ኣብ ዘመሓላለፎ መፈራርሒ መልእኽቲ፡ "ናብ ፖሊስ ኢዱ ክህብ ልክዕ 48 ሰዓታት፡" ሂቡዎ ኣሎ።

"ከምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ ከም ሓደ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ ወይ ዓለወኛ ሰብ ክንሕዞ ኢና፡" ኢሉ።

ቦቢ ዋይን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ሓይልታት ጸጥታ "ከጥቅዑዎ" ከም ዝመደቡ ምስ ፈለጠ ካብ ገዛኡ ከም ዝሃደመ ገሊጹ።

"ሓጹር ገዛይ ዘሊሎም ብምእታው፡ ንመስመር ኤለክትሪክን መጸናተዊ ካሜራታትን ቈሪጾሞ። ኣብኡ ምጽናሕ ድማ ሓደገኛ ኰይኑ ተራእዩኒ፡" ይብል እቲ ንመዓልታት ንህዝቢ ዘይተራእየ ቢቢ ዋይን።

"ወዲ ሙሰቨኒ ኣብ ልዕለይ ጕድኣት ከውርድ ምዃኑ ክዛረብ ሰሚዕኩሞ ኣለኹም። ንሰባት ክጐድእ ቃል ኣትዩ ኣሎ . . . ውዒሉዎ እውን። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትዊተር ዝዘርግሖ ኣንቢብኩሞ ኣለኹም። ስለዚ ድማ እየ ክጥንቀቕ ዘለኒ፡" ኢሉ።

ኣገልግሎት ኢንተርነት ብሰንበት ኣጋምሸት እኳ እንተ ተመልሰ፡ ቦቢ ዋይን ግን ኣብ ከባቢ ገዛኡ ብዝተገብረ ናይ መስመር ኢንተርነት ዓፈና ንብዓልቲ ቤቱ ክረኽባ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።

ፖሊስ፡ ኣባላት ጸጥታ ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ንሓለዋ እቲ ሕጹይ ፕረዚደንት ምዃኖምን ናብ ገዛ ቦቢ ዋይን ጥሒሶም ከም ዘይኣተዉን ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ።

ቦቢ ዋይን፡ ተቓውሞታት ምክያድ ቅዋማዊ መሰላት እዩ ብምባል፡ ብሰላማዊ መንገዲ እቲ ስርዓት ክልወጥ ጸዊዑ።

"ኡጋንዳውያን መኸተኦም ብቕዋማዊ ኣገባብ ከካይዱ ነተባብዕ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሓላፊ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ዶናልድ ሙህወዚ ብሰሉስ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቦቢ ዋይን "ክሳዕ ኣብ ውሑስ ቦታ ዝሃለወ፡" ብዛዕባ ሃለዋቱ ከም ዘይግደሱ ኣፍሊጡ።

ሙሰቨኒ ብሰንበት ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ዓወት መደረ፡ እቲ ኣብ ምርጫ ዝተጓናጸፎ ዓወት፡ ዓብላልነት ሰልፉ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዘመላኽት ምዃኑ ገሊጹ።

ሙሰቨኒ ንፈለማ እዋን ኣብ 1986 ከም መራሒ ዕጡቓት ኰይኑ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣከታቲሉ ኣብ 7 ምርጫታት ተዓዊቱ ኣሎ።

ኡጋንዳ ብ1962 ናጽነታ ካብ እንግሊዝ ካብ እትረክብ ንደሓር ብሰላማዊ መንገዲ ምስግጋር ፕረዚደንትነት ኣይተዓዘበትን ኣላ።