'ኣፍደገ ባሕሪ እንተ ዘይረኺብና ኲናት ኣይክተርፍን እዩ' - ርእይቶ ፕረዚደንት ዩጋንዳን ስግኣት ኬንያን

ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን

ኣባላት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዀና ኬንያን ዩጋንዳን ላዕለዎት መራሕቲ ብዘካይድዎ ዘለዉ ምልውዋጥ ቃላት ናብ ወጥሪ ዘምርሕ ዘሎ ይመስል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሃገራዊ ተለቪዥን ኣብ ዝተፈነወ ቃለመሕትት ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ፡ ሃገሩ ብኬንያ ኣቢላ ናብ "ህንዳዊ ውቅያኖስ መእተዊ ክትረክብ ኣለዋ፡" ዝብል ርእይቶ ምሃቡ፡ ኣብቲ ዞባ ስክፍታታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።

እቲ ቃለመሕትት ሙሰቨኒ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ምባሌ፡ ጐስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ቦታ እዩ ተኻይዱ።

ነዚ ርእይቶ ስዒቡ ድማ ገለ ሰባት እተን ሃገራት ናብ ግጭት ክኣትዋ ይኽእላ እየን ዝብል ስግኣት ይገልጹ ኣለዉ።

ብዛዕባ ውህደት ምክልኻልን ቍጠባዊ ጥንካረታትን ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዘተየ ሙሰቨኒ፡ ብዛዕባ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ እውን ኣልዒሉ።

ሙሰቨኒ፡ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ምስ ቍጠባዊ ስፍሓተን ዝሰማማዕ፡ ወተሃደራዊ፡ ዳህሳስ ጠፈርን ምዕባለ ቴክኖሎጅን ከም ዘለወን ሓቢሩ።

"ኣፍሪቃ ከመይ ገይራ ንገዛእ ርእሳ ክትከላኸል ትኽእል? ቍጠባዊ ውህደት ንቝጠባአን ይሕግዝ'ዩ፡" ኢሉ።

"ስለዚ'የ ንሰባት ስለምንታይ ክንጥርነፍ ከም ዘለና ኣይርድኣኩምን ድዩ ዝብሎም? ምኽንያቱ... ዩጋንዳ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ እንተ ደልያ ከመይ ገይራ ክትሃንጽ ትኽእል? ባሕሪ የብልናን፡" ብምባል ናብ ሕመረት እቲ ጉዳይ ኣትዩ።

ኬንያ ቀንዲ መሻርኽቲ ንግድን ቀረብን ዩጋንዳ እኳ እንተዀነት፡ መስመራት ነዳዲ፡ ጽርግያታትን ባቡርን ንምህናጽ ሓባራዊ ፕሮጀክትታት ገና ኣይተተግበረን።

እቲ ፕረዚደንት፡ "ምስ ኬንያ መወዳእታ ዘይብሉ ዝርርብ ኣካይድና ኢና... ኣብ መንገዲ ባቡር፡ ኣብ መስመር ነዳዲ. . . ምኽንያቱ ሃገርና ብተፈጥሮ ኣፍደገ ባሕሪ የብላን። እቲ ውቅያኖስ ግን ንዓይ እውን ይግባኣኒ እዩ፣ ምኽንያቱ ናተይ ውቅያኖሰይ ኣበይ ኣሎ? እቲ ውቅያኖስ ይግባኣኒ እዩ። ኣብ መጻኢ ናብ ኲናት ምእታውና ኣይክተርፍን፡" ኢሉ።

እዚ ርእይቶ ሙሴቨኒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምኡ'ውን ኣብ ቀንዲ መራኸቢ ብዙሓን ኬንያ ቍጥዐን ዘተን ኣስዒቡ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ኮሪር ሲንጎይ፡ ሃገሩ ንመሬታዊ ምሉእነትን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ዝምልከት ሕጋዊ ቅርጻታት ዝርከብዎም ዓለምለኻዊ ሕግታት ከም እትኽተልን እማመ ዩጋንዳ ዘይሕጋዊ ምዃኑን ገሊጹ።

ሙሴቨኒ፡ ዩጋንዳ ምስ ናይ ገማግም ባሕሪ ጐረባብታ ኬንያን ታንዛንያን ማዕረ ዲፕሎማሲ ዘይኰነስ ሃገራዊ መሰል ባሕሪ ከም ዘለዋ እኳ እንተ ገለጸ፡ እዚ እንተ ዘይተኻኢሉ ግን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከም ዝወስድ እዩ ኣኣንፊቱ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ውቅያኖሳትን ወደባትን ንመላእ እታ ኣህጉር ከገልግሉ ኣለዎም ኢሉ።

ሙሰቨኒን ዊልያም ሩቶን ካብ 2024 ጀሚሩ ናብ ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ ካምፓላ መስመር ነዳዲ ክዝርግሑ ዝርርብ ኣካይዶም እዮም።

እዚ ስጕምቲ ኣብ ዩጋንዳ ዋጋ ነዳዲ ክትሕት ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ግን ኣብ ግብሪ ኣእወዓለን።

ሙሰቬኒ ምስ ዓጀብቱ

ዩጋንዳ ሕቶ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ከተልዕል እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።

ኣብ 1970ታት ኣብ እዋን ምሕደራ ውልቀመላኺ ኢዲ ኣሚን ዳዳ ተመሳሳሊ ጠለባትን ምፍርራሕን ኣቕሪባ ነይራ።

ኣብ ለካቲት 1976 ኢዲ ኣሚን ካብ ናይሮቢ 32 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ መሬት ብምሓዝ ሰፊሕ ክፋል ኬንያ ብሓይሊ ክቈጻጸረ ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝለዓል ሕቶ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ዛጊት ናብ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣይበጽሐን።

እንተዀነ ናይሮቢ ኣብ ቀላይ ቪክቶርያ ዝርከብ ኪሱሙ ምስ ወደብ ሞምባሳ ዘራኽቦ መስመር ባቡር ምዝርጋሕ ከም ሓሳብ ኣቕሪባ እያ።

እዚ ድማ ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝወስድ ሓጺር መስመር ኰይኑ፡ ንረብሓታት ንግዲ ካምፓላ ብስትራተጅያዊ ኣገባብ ኣገዳሲ ረብሓ ይህልዎ።

ዩጋንዳ ግን ኣማራጺ መስመራት ብምድላይ ካብ ሆይማ ናብ ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ ወደብ ታንጋ ዝወስድ መስመር ነዳዲ ክዝርጋሕ ጠሊባ፤ እዚ እውን ምንጪ ወጥሪ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ።

ዩጋንዳ ምስ ታንዛንያ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር መስመር ዘይተጻረየ ነዳዲ እናሃነጸት ትርከብ።

ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዝዀነ ሙሁዚ ካይነሩጋባ ኣብ 2022 ንጐረቤት ሃገር ኬንያ ክወርር ድሌት ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ብምግላጹ፡ ኣቦኡ ሙሰቨኒ ጣልቃ ኣትዩ ይቕረታ ክሓትት ደሪኽዎ ምንባሩ ይዝከር።

ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን ወዲ 81 ዓመትን ሙሴቨኒ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር እዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ጉዳይ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ምልዓሉ፡ ኣቓልቦን ደገፍን ህዝቢ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑ ገለ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

እንተዀነ፡ እታ ሃገር ምስ ኬንያ ኣብ ዘለዋ ሰናይ ዝምድና ድነ ፈጢሩ ይርከብ።