ውጥጥ ነዳዲ ኬንያን ኡጋንዳን ስለምንታይ ዞባዊ ስግኣት ፈጢሩ?

ነዳዲ ዝመልእ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ መንጎ ኬንያን ወደብ ኣልቦ ዝኾነት ጎረቤታ ኡጋንዳን ምስ ቀረብ ነዳዲ ተተሓሒዙ ከቢድ ወጥሪ ዘጋጠመ ኮይኑ መራሒ ዩጋንዳ ሃገሩ “ጽግዕተኛታት” ብዝበሎምን ደላሎ “ትታለል ኣላ” ኢሉ።

ኬንያ ንዓሰርተታት ዓመታት ነዳዲ ካብ ወጻኢ ብምምጻእ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ጎረባብታ እናሸጠት ዝጸንሐት ኮይና፡ ሕዚ ግና ናብቲ ዘባ ነዳዲ ኣብ ምቕራብ ዝነበራ ተራ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ።

መራሒ ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሴቨኒ፡ ኬንያውያን ደላሎ ዋጋ ነዳዲ ብ 58 ምኢታዊት ክውስኽ ብምግባር ኣብ ሃገሩ “ከቢድ ክሳራ” ኣስዒቦም ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ እዩ እቲ ውጥጥ ተጀሚሩ።

“ውሽጣዊ ጽግዕተኛታት” ዝበሎም ድማ ዋጋ ነዳዲ ምውሳኽ ካብ ዝጀመረሉ መጀመርታ እዚ ዓመት ጀሚሩ ብስቕታ ብምርኣይ “ኣታሊሎም” ብምባል ወቒሱ።

ነቐፌታ ሙሰቨኒ፡ ቤት ምኽሪ ዩጋንዳ እዚ ጠጠው ክብል ውሳነ ኣብ ዘሕለፈሉ እዩ ተሰሚዑ ዘሎ።

መንግስቲ ዩጋንዳ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝግበር ውዕል ነዳዲ ዝሓሸ ናይ መውሳን ስልጣን ክህልዎ ከምዝደሊ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

“ኬንያ ንዓሰርተታት ዓመታት ዩጋንዳ ኣየናይ ዓይነት ነዳዲ ፣ መዓዝ፣ ክንደይ ዝኣክል፣ መንን ብኽንደይ ትገዝእን ዝብል ክትውስን ጸኒሓ” ትብል ሚኒስትሪ ጸዓት ዩጋንዳ ሩት ናንካቢርዋ።

መርከብ ነዳዲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዝበዝሕ ቀረብ ነዳዲ ኡጋንዳ ብወደብ ሙምባሳ ኣቢሉ እዩ ዝቐርብ

ትካላት ነዳዲ ኬንያ ግና ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ንመንግስቲ ኬንያ ተሓታቲ ይገብሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድም ክብል ኣብ መንጎ ትካላት ጨረታ ይካየድ እሞ ዝሰዓረ ኣካል ንካልኦቶም ወኪሉ ነዳዲ ኣታዊ ይገብር። ብድሕሪኡ እቶም ትካላት ኣብ ከይዲ ዝኽፈል፡ ብዶላር ኣመሪካ ዕድጊት ይፍጽሙ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ግና ብሰንኪ ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ ሕጽረት ዶላር መንግስቲ ጣልቃ ኣትዩ።

መንግስቲ በይኑ ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላት ነዳዲ ብምውጋይ ብልቓሕ ንትካላት ነዳዲ ውሽጢ ዓድን ሰደድ ንዝገብሩን ክህብዎም ተሰማሚዑ።

እዚ ስምምዕ ንዓለምለኻዊ ትካላት ኣቕረብቲ ነዳዲ ዝኽፈል ገንዘብ ብሽዱሽተ ወርሒ ክናዋሕ ዝገብር እዩ።

ብመሰረት እዚ ውዕል ተጠቀምቲ ነዳዲ ውሽጢ ዓዲ ብሽልንግ ኬንያ እንትኸፍሉ ጎረባብቲ ሃገራት ግና ብዶላር ይዕደጉ።

እቲ ገንዘብ ክሳብ ዝኽፈል፡ ብዙሕ ወለድ ኣብ ዝኽፈሎ ባንኪ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ይጸንሕ፤ ነቲ ናይ ዶላር ሕጽረት ድማ የቃልል።

እዚ “ናይ ልቓሕ መስመር” ከምዝኾነ ዝገልጽ ፈጻሚ ስራሕ ማሕበር ሸየጥቲ ነዳዲ ኬንያ ጆን ንጆጉ፡ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ዋጋ ነዳዲ ንሸማቶ ክባር ክኸውን ከምዝገብሮ ይዛረብ።

ዩጋንዳ ናይ ዶላር ሕጽረት ዘለዋ ሃገር ስለዘይኮነት ነዚ ክተነጽጎ ባህርያዊ ምዃኑን ተወሳኺ ክትከፍል ትጽቢት ከምዘይግበረላን እውን ይገልጽ።

ዩጋንዳ ነዳዲ ካብ ኬንያ ምውሳድ ደው ክተብል ትሓስብ ዘላ ኮይና፡ እዚ ድማ ትካላት ኬንያ ወርሓዊ ካብ ዩጋንዳ ዝረኽብዎ 180 ሚልዮን ዶላር ክስእኑ ብምግባር ሕጽረት ዶላር ኬንያ ዘጋድድ ከምዝኾነ ጆን ንጁጉ ይገልጽ።

መራሒ ተቓዋሚ ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ እውን ነቲ ብመንግስቲ ኬንያ ዝተገብረ ስምምዕ “ገዚፍ ምጭብርባር” ብምባል ትካላት ነዳዲ ከትርፉ ኬንያውያን ተጠቀምቲ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግበር ከምዘሎ ብምጥቃስ ኮኒንዎ።

እቲ ውዕል ብኮምሽን ጸረ ግዕዝይና ኬንያ ክምርመርን ንህዝቢ ዕላዊ ክግበርን እውን ሓቲቱ።

“እቶም ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ዝገልጾም ዘሎ ደላሎ ሰብመዚ መንግስቲ ኬንያ እዮም” ኢሉ።

ሚኒስትሪ ጸዓት ኬንያ ደቪስ ቺርቺር ግና እቲ ውዕል ልቓሕ ንኬንያውያን ካብ ዝገደደ ወሰኽ ዋጋ ከምዘናገፈ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ገሊጹሎም።

ብፍላይ ብሰንኪ ምስ ዶላር እንትነፃፀር እናረኸሰ ዝኸይድ ዘሎ ገንዘብ እታ ሃገር፡ እቲ ውዕል እንተዘይህሉ ዋጋ ኣዐርዩ ምወሰኸ ይብል።

እዚ ቃላት ኲናት ኣብ ዝተወለዐሉ፡ ምስ ኣታዊ ዝተገበረ 110 ሚልዮን ዝዋግኡ 100 ሽሕ ቶን ነዳዲ ብዝተሓሓዝ ምትላል ተፈጺሙ ብዝብል ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ተመስሪቱ ኣሎ።

ጠበቓ ማሕበር ነጋዶ ደቂ ኣንስትዮ ኬንያ፡ ነቲ ነዳዲ ክሰርቁ ብዝደለዩ ሰባት ንብዙሕ መዓልቲታት ተጨውያ ከምዝነበረት ገሊጻ።

መንግስቲ ኬንያ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከምዘይብሉን ናይታ ሰበይቲ ትካል ፍቓድ ዘይተውሃቦ ከምዝኾነን ይገልጽ።

በዚ መስርሕ ሕጉሳት ዘይኮኑ፡ ተጠቀምቲ ኬንያን ፕረዚደንት ዩጋንዳን ጥራሕ ኣይኮኑን።

ሃገራት ብሩንዲ፣ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ርዋንዳን ደቡብ ሱዳንን እውን ብዙሕ መጠን ነዳዲ ብኬንያ ኣቢለን እየን ዘእትዋ።

ፈጻሚ ስራሕ ማድሪን ኢነርጂ ኬንያ ዞምቦ ምባሩ “እቲ ዞባ የዕረምርም እዩ ዘሎ” ይብል።

እቲ ጸገም ኣብቲ ሓድሽ ውዕል ጥራሕ ከምዘይኮነ ዝገልጽ ምባሩ፡ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ኩሎም ውጽኢታት ነዳዲ ዝገበሮ ቀረጽ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእልን ደጊሙ ክርእዮ ከምዘለዎን ይኣምን።

እቲ ዞባ“ ኣማራጺታት ኣለዎ እዩ፤ ኣብ ነዊሕ እዋን ኬንያ ብዙሕ ክትከስር እያ” ይብል።

ማእከል መፍረዪ ነዳዲ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ዩጋንዳ ኣብ ቀረባ ዓመታት ነዳዲ ንምፍራይ ትዳሎ ኣላ

ዩጋንዳ ንሃገራዊ ትካል ነዳዲ እታ ሃገር ገንዘባዊ ሓገዝ ንምግባር ምስ ቪቶል ባሕሬን ዝተባህለ ትካል ከምዝተሰማምዐትን ኣብ ታንዛንያ መጠባበቒ ነዳዲ ክተቐምጥ ምዃናን ኣፍሊጣ ኣላ።

ዋላኳ መሰረት ልምዓት ታንዛንያ ከም ናይ ኬንያ ዝማዕበለ እንተዘይኮነ ብሓድሽ ምሕዝነት ክልወጥ ከምዝኽል ምባሩ ይገልጽ።

ዩጋንዳ ኣብ ቀረባ እዋን ምፍራይን ምጽራይን ነዳዲ ንምጅማር ትልሚ ሒዛ ዘላ ኮይና፡ ኣብ ሓጺር እዋን ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ “ብደላሎ ካብ ዝፍጠር ወሰኽ ነጻ ዝኾነን ምህርቲታት ነዳዲ ክተቕርብ ትኽእል እያ" ክብል እውን ይውስኽ።

እዚ ኣብ ቁጠባ ሃገሩ ከቢድ ጸቕጢ ከምዝፈጥርን ዘሻቕል ከምዝኾነን ድማ እቲ ኬንያዊ ሚኒስተር የሕዝኖ።