ቅልውላው ዓለማዊ ንግዲ ዘስዕብ ዘሎ ወጥሪ፡ ኣውሮጳን ኣመሪካን

ንግዲ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images

ፓርላማ ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ሓምለ ዝተሰማምዓሉ፡ ንግዳዊ እማመታት ኣመሪካ፡ ደው ከብሎ መደብ ከምዘለዎ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ደውታ ረቡዕ ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ ስትራስበርግ ክግለጽ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዚ ስጕምቲ፡ ዶናልድ ትራምፕ ንግሪንላንድ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ክጐብጣ ኣብ ዝሕነየሉ ዘሎ እዋን ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤውሮጳን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ የጋድድ ኣሎ።

እዚ ምትፍናን ንፋይናንሳዊ ዕዳጋታት ዓለም ዝጸለወ ኰይኑ፡ ንግዳዊ ኲናትን ብሰንኪ ንግዳዊ ስጉምትታት ኣመሪካ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ተኽእሎ ዳግማይ ኣበራቢሩ ይርከብ።

ብሰሉስ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ኣትላንቲክ ዝርከብ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ምዝሕሓል ዘርኣየ ኰይኑ፡ ዕዳጋታት ኣክስዮን ኤውሮጳ ንኻልኣይ መዓልቲ ክሳራ ኣርእዮም።

ዕዳጋታት ኣክስዮን ዞባ ኤስያ-ፓሲፊክ ሕውስውስ ዝበለ ነይሩ ተባሂሉ። ኣብ ጃፓንን ኣውስትራልያን ዝርከቡ ዋጋታት ቅሩብ ክወርዱ እንከለዉ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግን ግዝኣት ቻይናን ድማ እቲ ፅልዋ ልዑል ምዃኑ ተራእዩ።

ዋጋ ወርቂ ንመጀመርታ ግዜ ንሓደ ኦውንስ ልዕሊ 4800 ዶላር ሓፍ ብምባል መኽሰብ ኣርእዩ። ዋጋ ብሩር ብወገኑ ካብቲ ክብረወሰን ዝሓዘ ልዕሊ 94 ዶላር ንሓደ ኦውንስ ወሪዱ ውዒሉ።

ኣብ እዋን ከምዚ ዝዓይነቱ ዘየተኣማምን ኵነታት፡ ክቡር ማዕድን ሒዝካ ምፅናሕ፡ ውሑስ ኰይኑ ይረአ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋታት ወርቅን ብሩርን ኣዝዩ ወሲኹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዕዳጋታት ባጤራ፡ ዶላር ኣመሪካ ምስ ዓበይቲ ካልኦት ባጤራታት ዓለም እንክወዳደር ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ዝርከብ እንተዀነ'ኳ፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ግን ዋጋኡ ብ0.5% ወሪዱ ሓዲሩ።

እዚ ድማ ካብ መጀመርታ ታሕሳስ ጀሚሩ ዝዓበየ መዓልታዊ ምንቁልቋል ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓምለ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ጎልፍ ትራምፕ ተርንቤሪ ስምምዕ ካብ ዝገብሩ ንደሓር ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝነበረ ንግዳዊ ወጥሪ ዝሒሉ ነይሩ።

እቲ ስምምዕ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መብዛሕትኡ ኣቑሑ ኤውሮጳ እተንብሮ ቀረጽ 15 ሚእታዊት ክኸውን ዝብል ዝርከቦ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ካብቲ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ማዕበል ቀረጽ ዘፈራርሖ 30 ሚእታዊት ብፍርቂ ዝተሓተ እዩ።

ለውጢ ውሳነ ኣውሮጳ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤውሮጳ ኣብ ኣመሪካ ወፍሪ ክትገብርን ኣብታ ኣህጉር ለውጢ ክትገብርን ተሰማሚዓ ነይራ፣ እዚ ድማ ሰደድ ኣመሪካ ከዕቢ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ስምምዕ ወግዓዊ ንክኸውን እንተዀይኑ ግን፡ ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ቀሪቡ ክፀድቕ ኣለዎ።

ብሰንበት ግን፡ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድ ቀረጽ ክተንብር ድሕሪ ምፍርራሕ፡ ሓደ ሓያል ተሰማዕነት ዘለዎ ጀርመናዊ ኣባል ባይቶ ኤውሮጳ ማንፍሬድ ወበር፡ "ኣብዚ ደረጃ'ዚ ኴንካ ነቲ ስምምዕ ምፅዳቕ ኣይከኣልን" ኢሉ።

ከምኡ'ውን ኣቦ መንበር ኮሚተ ኣህጉራዊ ንግዲ ባይቶ ኤውሮጳ በርንድ ላንገ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣታት፡ ነቲ ስምምዕ ደው ካብ ምባል ሓሊፉ "ካልእ ኣማራጺ የለን" ኢሉ።

"ኣመሪካ ንግዝኣትን ልዑላውነትን ሓንቲ ኣባል ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሓደጋ ብምእታውን፡ ቀረጽ ከም ኣስገዳዲ መሳርሒ ብምጥቃምን፡ ንግዳዊ ዝምድናታት ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ተዳኽም ኣላ" ይብል።

ኮሚተኡ ንናይ መወዳእታ ድምጺ ቅድሚ ናብ ባይቶ ምኻዳ ኣብቲ ስምምዕ ምፍራም የድልዮ።

"ኣመሪካ ኣብ ክንዲ ግጭት፡ ዳግማይ ኣብ ምትሕብባር ክትዋፈር ክሳብ እትውስን፡ ከምኡ'ውን ተወሳኺ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዳ፡ ነቶም ክልተ ሕጋዊ እማመታት ደው ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ የለን።"

እዚ ውሳነ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ንቕድሚት ክስጉም ድዩ ዝብል ሕቶታት የልዕል።

እቲ ሕብረት ነቲ ሓድሽ ስምምዕ እንተዘይኣጽዲቑ፡ እቲ ከም ምላሽ ዝተወሰነ ቀረጽ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብ 7 ለካቲት ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ "ትሬድ ባዙካ" ብዝብል ቅጽል ዝፍለጥ መሳርሒ ጸረ-ኣስገዳድ ስጕምቲ ሓዊሱ ኣማራጺታት ሕነ ምፍዳይ ክሓስበሉ ይጽውዕ ኣሎ።

ምላሽ ኣመሪካ

ጸሓፊ ገንዘብ ኣመሪካ ስኮት ቤሰንት፡ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንመራሕቲ ኤውሮጳ ሕነ ከይፈድዩ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ደጊሙ ብምግላጽ፡ "ክፉት ኣእምሮ ክህልዎም" ተማሕጺኑ።

"ንዅሉ ሰብ ዝብሎ እንተሎ ህድእ ኢልኩም፣ ኣዕሚቝኩም ሕሰብሉ። ናብ ሕነ ምፍዳይ ኣይትጓየዩ፤ ፕረዚደንት ክመጽእ'ዩ፡ መልእኽቱ ድማ ባዕሉ ከሕልፍ'ዩ" ኢሉ።

ምኒስተር ንግዲ ሃዋርድ ሉትኒክን ወኪል ንግዲ ኣመሪካ ጀሚሰን ግሪርን፡ ኣመሪካ ንሕነ ምፍዳይ ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ከምዘይትርኢ ኣጠንቂቘም።

ግሪር፡ "ሃገራት ምኽረይ ክሰምዓ እንከለዋ፡ ጽቡቕ ክረኽባ ይኽእላ እየን። ኣብ ዘይሰምዓሉ እዋን፡ ዕብዳን እዩ ከጋጥም" ከምዝበለ፡ ኤጀንስ ፍራንስ-ፕረስ ሓቢሩ።

ኣመሪካን 27 ሃገራት ዝሓቖፈ ሕብረት ኤውሮጳን፡ ነንሕድሕደን ዝዓበያ ንግዳዊ መሻርኽቲ ኰይነን፡ ኣብ 2024 ልዕሊ $1.9 ትሪልዮን ዝግመት ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ከምዝተለዋወጡ ኣሃዛት ይሕብሩ።

እዚ ድማ ዳርጋ ሲሶ ዓለማዊ ንግዲ የጠቓልል።

ትራምፕ ዝሓለፈ ዓመት ቀረጽ ምእዋጅ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ካብ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ሓዊሱ፡ ካብ ብዙሓት ፖለቲካውያን መራሕቲ ሕነ-ናይ-ምፍዳይ ስጕምቲ ኣስዒቡ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ግን፡ ንመራሕቲ ቻይናን ካናዳን ሓዊሱ፡ ብዙሓት ልዝብ መሪጾም።