ትራምፕ፡ ታሪፍ '100%' ግብራዊ ክገብር'የ ዝበሎ ሕብረት ኤውሮጳ እንታይ መሊሱ?

ሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ፡ እቲ ሕብረት "ናብ ጐነጽ ክኣቱ ድልየት የብሉን፡ መሬትና ግን ከነውሕስ ኢና፡" ትብል

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ፡ እቲ ሕብረት "ናብ ጐነጽ ክኣቱ ድልየት የብሉን፡ መሬትና ግን ከነውሕስ ኢና፡" ትብል

ፕረደዚንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ግሪንላንድ ንምቍጽጻር ንዘቕረቦ እማመ ኣብ ልዕሊ ዝቃወማ ሃገራት ኤውሮጳ ታሪፍ ክድንግግ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ነዚ "100 ሚእታዊት" ግብራዊ ከም ዝገብሮ ኣፈራሪሑ። መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዙርያ ልኡላውነት ግሪንላንድ ኣይፋል ይብላ ኣለዋ።

ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ዴንማርክ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ በታ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ግዝኣት ዴንማርክ ንምውናን ብምፍርራሕ ልዑላነውታ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዘይክእል ኣስሚሩሉ።

ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ኢቨት ኩፐር፡ መጻኢ ግሪንላንድ "ግሪንላንዳውያንን ዴንማርካውያንን ጥራይ፡" ክውስኑ እዮም ዝብል መርገጺ ሃገራ ደጊማ ኣረጋጊጻ።

ብሰኑይ ትራምፕ፡ ነቲ ዘለዎ ጥሙሕ ንምርግጋጽ ሓይሊ ምጥቃም ከም ዘየድሊ ብምግላጽ፡ ነቲ ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሸውዓተ መሓዙት ኔቶ ዝዀና ሃገራትን ናብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዘእትዎኦ ኣቑሑት ግብራዊ ክገብሮ ዝሓሰቦ ታሪፍ ከም ዘይተርፍ ኣፈራሪሑ።

ኤንቢሲ ኒውስ፡ ግሪንላንድ ንምሓዝ ሓይሊ ክትቀጥም ዲኻ ተባሂሉ ዝተሓተተ ትራምፕ፡ "ርእይቶ የብለይን፡" ክብል መልሲ ሂቡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ዋሽንግተን ንግሪንላንድ ካብ ዴንማርክ ክትገዝእ ኣብ ስምምዕ ክሳብ ዝብጻሕ፡ ካብ ሓደ ለካቲት ጀሚሩ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኽ "ዝዀነን ኵሉን ኣቑሑት" 10% ቀረጽ ክኽፍል ምዃኑን ካብ ሓደ ሰነ ጀሚሩ ድማ እዚ ናብ 25% ሓፍ ክብል ምዃኑን ገሊጹ።

ትራምፕ፡ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ዴንማርክ፡ ኖርወይ፡ ሽወደን፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሆላንድን ፊንላንድን - ኵለን ኣባላት ናይቲ ኣብ 1949 ዝተመስረተ ልፍንቲ ምክልኻል ኔቶ እየን - ግብራዊ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

ነዚ ምፍርራሕ ታሪፍ ዝምልከት በቲ ዝወጠኖ ክኸይድ ምዃኑ ምስ ተሓተተ፡ "እወ፡ 100%" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ ወሲኹ፡ "ኤውሮጳ ኣብቲ ምስ ሩስያን ዩክረይንን ዝግበር ኲናት ከተተኩር ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ብግልጺ ክዛረብ እንተዀይነ፡ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ክትርኢ ኣለካ... ኤውሮጳ ኣብኡ እያ ከተተኵረሉ ዘለዋ - ግሪንላንድ ኣይኰነትን፡" ኢሉ።

ዴንማርክ ኣብ ግሪንላንድ ወተሃደራዊ ስጕምቲ እንተ ተወሲዱ መወዳእታ ኔቶ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቓ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ግሪንላንድ ካብ ኤውሮጳውያን ኣባላት እቲ ኪዳን ደገፍ ረኺባ'ያ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ወተሃደራት ናብ ግሪንላንድ ተላኢኾም።

ይዅን እምበር ትራምፕ ነዚ ምውፋር ስዒቡ ኣብ ልዕሊ እተን ሸሞንተ መሓዙት ሃገራት ኔቶ ቀረጽ ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዴንማርክ ላርስ ሎከ ራስሙሰን፡ ኤውሮጳ ምፍርራሕ ታሪፍ ፕረዚደንት ትራምፕ "ንቕድሚት ዝወስድ መገዲ ከም ዘይኰነ፡" ከተርኢ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ንሱ ንስካይ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ክስገሩ ዘይክእሉ ቀያሕቲ መስመራት ኣለዉና፡" ኢሉ።

"ግሪንላንድ ንምውናን ከተፈራርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ኵነታት ንኸጋድዶ ሓሳብ የብለይን።"

ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ፡ እቲ ኪዳን ምስ ዴንማርክን ግሪንላንድን ኣብ ጸጥታ ኣርክቲክ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ሕብረት ኤውሮጳ፡ መራሕቱ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ብራስለስ ህጹጽ ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖምን ትራምፕ ግሪንላንድ ንምሓዝ ንዘቕርቦ ዘሎ ምፍርራሕ ብኸመይ ምላሽ ከም ዝህቡን ክዘራረቡ ምዃኖምን ተፈሊጡ።

ሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ፡ እቲ ሕብረት፡ "መኸተ ናብ ጐንጺ ክኣቱ ድልየት የብሉን፤ መሬትና ግን ከነውሕስ ኢና፡" ኢላ።

"እዚ ንግዳዊ ምፍርራሓት ዘዋጽእ መገዲ ኣይኰነን፡" ብምባል "ልዑላውነት ንሸቐጥ ኣይኰነን፡" ኢላ።

ግሪንላንዳውያን ንድልየት ትራምፕ ብትሪ ይቃወሙ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ኣብ መንጎ ትራምፕን ቀዳማይ ምኒስተር ኖርወይን ዝተገብረ ናይ ጽሑፍ ምልውዋጥ፡ ትራምፕ ሽልማት ኖቤል ሰላም ብዘይምርካቡ ንኖርወይ ከም ዝወቐሳ የርኢ።

ጆናስ ጋህር ስቶረ ኣብ ዝሃቦ መልሱ - ብቢቢሲ ዝርኣዮ ደብዳበ - እቲ ሽልማት ብመንግስቲ ኖርወይ ዘይኰነስ ብናጻ ኮሚተ ዝወሃብ ሽልማት ምዃኑ ገሊጹ።

ኮሚቴ ኖቤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንመራሒት ተቓዋሚት ቬንዙወላ ማርያ ኮሪና ማቻዶ ከም ዝሃባ ይዝከር።

"ኖርወይ ኣብ ግሪንላንድ ዘለዋ መርገጺ ንጹር እዩ። ግሪንላንድ ኣካል ንግስነት ዴንማርክ እያ፡ ኖርወይ ድማ ኣብዚ ጉዳይ ንግስነት ዴንማርክ ምሉእ ብምሉእ ትድግፍ፡" ክብል ስቶር ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኮማንድ ምክልኻል ኣየርን ስፔስን ሰሜን ኣመሪካ (ኖራድ) ብሰኑይ ብዙሓት ነፈርቲ ናብቲ ኣብ ግሪንላንድ ዝርከብ መደበር ህዋ ፒቱፊክ ይኸዳ ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ትካል ምክልኻል ኣመሪካን ካናዳን፡ እዚ ኣካል ናይቲ "ንዝተፈላለዩ ንነዊሕ እዋን ዝተሓሰበ ልሙድ ንጥፈታት ኖራድ ንምድጋፍ" ዝካየድ ስሩዕ ስርሒት ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

እዚ ምስ ዴንማርክ ከም ዝተዋደደን መንግስቲ ግሪንላንድ ከም ዝተሓበረን ገሊጹ።

ኣብቲ መደበር ተመሳሳሊ ስርሒታት ኖራድ ኣብ 2022፡ 2023ን ዝሓለፈ ዓመትን ተኻይዱ'ዩ።