ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ ዝዳሎ ዘሎ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ክርስቶፈር ላንዳው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ክርስቶፈር ላንዳው

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክርስቶፈር ላንዳውን ኣዛዚ 'ኣፍሪኮም' ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰንን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ "ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን" ንምዝታይ ናብ ኢትዮጵያ ክገሹ ምዃኖም ተገሊፁ።

ከምኡ'ውን፡ ክርስቶፈር ላንዳው ናብ ግብጺ፣ ኬንያን ጅቡትን መገሻ ከምዝገብር ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ንሸሞንተ መዓልታት ከምዝፀንሕ ዝተገልፀ ዑደት፡ ካብ ትማሊ ቀዳም 16 ጥሪ ዝጅምር ምዃኑ፡ እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብዓርቢ 15 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ዑደት ዝመጽእ ሰሙን ሰንበት 24 ጥሪ ከምዝዛዘም ድማ እቲ ብምክትል ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቶሚ ፒጎት ዝወፅአ መግለፂ ይሕብር።

ክሪስቶፈር ላንዳው፡ ኣብ ኤክስ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ናብ ግብጺ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ጅቡትን ዝገበሮ መገሻ ንመጀመርታ ግዜ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ምክትል ዋና ፀሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘቐመጦም "ቀዳምነታት" ከፍልጥ፡ ናብተን ኣርባዕተ ሃገራት እዚ ዞባ ክገይሽ ምዃኑ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ቀዳምነታት፡ ሚዛን ንግዲ ምምዕርራይ፣ ምቹእ ናይ ንግዲ ሃዋህው ምፍጠርን "ሰላምን ድሕንነትን ምድንፋዕን" እዮም።

ብመሰረት እቲ ቤት ጽሕፈት ምክትል ዋና ጸሓፊ ክሪስቶፈር ፈለማ ናብ ግብጺ እዩ ክገይሽ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይ ዘሎ ምስሕሓብ ክሽምግል ድሌቱ ኣብ ዝገለጸሉ ዘሎ እዋን'ዩ፡ ክርስቶፈር ናብ ካይሮ ዑደት ዝገብር ዘሎ።

ትራምፕ፡ ነዚ ድሌቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ኣብ ዝጸሓፎ ኣዘራራቢ ደብዳበ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ክልቲኦም ፕረዚደንታት ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ቁጠባዊ መድረኽ ተራኺቦም ተመሳሳሊ ጉዳይ ኣልዒሎም።

ምክትል ዋና ፀሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ክሪስቶፈር፡ ምስ ሰበስልጣን ግብፂ "ኣብ ዞባዊ ብድሆታት" ኣተኲሮም ክዘራረቡ ምዃኖም እቲ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጥ ኣሎ።

እቲ ኣብ "ምሕያል ቁጠባዊ ዝምድና ኣመሪካን ግብጽን" እውን ወሲኸዑ ክዝቲ ምዃኑ ዝተነግረሉ ምክትል ዋና ፀሓፊ፡ ምስ "ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ኣውፈርትን ኣመሪካውያን ኩባንያታት" እውን ክራኸብ ምዃኑ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክሪስቶፈር፡ ካብኡ ቀፂሉ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣዛዚ ኣፍሪኮም [ ወተሃደራዊ እዚ ኣመሪካ ኣፍሪካ] ጀነራል ዳግ ኣንደርሰን ክጓዓዝ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ምክትል ዋና ፀሓፊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፃንሒቱ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ካልኦት ሰበስልጣንን ክራኸብ ምዃኑ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ክዝቲ እዩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ ምስ ካልኦት ሰበስልጣንን ወነንቲ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ብምርኻብ፡ "ንንግዳዊ ርክባት ኣመሪካን ዕድላት ንምድንፋዕን" እዩ።

ብተወሳኺ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ተራኺቡ "ሓባራዊ ቀዳምነታት፡ ከም ህንፀት ሰላም፡ ምስፍሕፋሕ ንግዳዊ ምትሕግጋዝ፡ ከምኡ'ውን ምፍታሕ ሰብኣዊ ቅልውላዋት" ክዘራረቡ ምዃኖም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ፡ ምክትል ዋና ፀሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ክሪስቶፈር፡ ናብ ኬንያ ዝገብሮ ዑደት፡ ምስ ሰበስልጣን ኬንያ ኣብ "ሰፊሕ ዞባዊ ጉዳያት" ዘተ እውን ዘጠቓልል ክኸውን እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ "ምስ ሰበስልጣን ኬንያ ብዛዕባ ንግዳዊ ምትእስሳር፡ ምትሕብባር ፀረ-ሽበራ፡ ኣበርክቶ ኬንያ ኣብ ፀጥታ ሃይቲ፡ ከምኡ'ውን ሰፊሕ ዞባዊ ጉዳያት ክዛተየሉ'ዮም" ክብል ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወፀኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብ ናይ ጅቡቲ ጉዕዞኡ፡ "ናይ ፀጥታን ፀረ-ግብረሽበራን ምትሕብባር፡ ከምኡ'ውን ንግዳዊ ዝምድናታት" ዘተኮረ ክኸውን'ዩ ተባሂሉ።