ሶማሊላንድ ንወዲ ትራምፕ ኣቕሪባትሉ ዘላ ናይ ወፍሪ ዕድላት እንታይ'ዩ?

ኤሪክ ትራምፕ [ጸጋም] ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ [የማን]

ምንጪ ስእሊ, Somaliland Presidency / Facebook

መግለጺ ስእሊ, ኤሪክ ትራምፕ [ጸጋም] ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ [የማን]

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ምስ ፕረዚደንት እስራኤልን ምስ ወዲ ትራምፕን ብፍሉይ ተራኺቡ ብዛዕባ ኣብ ሶማሊላንድ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ከም ዝተዘራረበ ተገሊጹ።

እታ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንፈለማ እዋን ብእስራኤል ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝተዋህበት ሶማሊላንድ፡ ዝያዳ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ክትረክብን ኣውፈርቲ ክኣትውዋን ኣብ ምጕስጓስ'ያ ትርከብ።

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ምስ ፕረዚደንት እስራኤል ኣይዛክ ሄርዞግን ኤሪክ ትራምፕን ኣብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ቍጠባዊ መድረኽ'ዩ ተራኺቡ።

ፕረዚደንት ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ብዛዕባ እቲ ምስ ፕረዚደንት ኣይሳክ ሄርዞግ ዝገበሮ ርክብ ኣመልኪቱ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "እቲ ርክብ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ሶማሊንድን እስራኤልን ዘሎ ክልተኣዊ ርክባት ኣብ ምድንፋዕ ዘተዀረ'ዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ሶማሊላንድ ንዝሓለፈ 35 ዓመታት ካብ ሶማልያ ተነጺላ ናይ ገዛእ ርእሳ ርእሰ ምምሕዳር ብምትካል ሃገር እየ'ኳ ክትብል እንተ ጸንሐት፡ ሶማልያ ግን ኣካል ግዝኣተያ እያ እትብላ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ እስራኤል ንፈለማ እዋን ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበታ ከኣ ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ዓቢ ፈንጠዝያ'ዩ ነይሩ።

እቲ ብደቂ ዓዱ ሲሮ እናተባሀለ ዝጽዋዕ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ምስ ፕረዚደንት እስራኤልን ኤሪክ ትራምፕን ንበይኑ እናተረኸበ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊሉ።

ኣማካሪ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብድራሕማን ባይለ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ኤሪክ ትራምፕ በቲ ኣብ ሶማሊላንድ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ተገዳስነት ከም ዘርኣየ ገሊጹ።

"ካብቲ ገለ ዝተዘተየሉ ዓለምለኻውያን ኣውፈርቲ ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ጽላት ሕርሻን ምርባሕ ጥሪትን ከውፍሩ'ዩ፣ ነዚ ጽላት እዚ ብምዝማን ናብ መላእ ዓለም ክንሰድድ ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።

ጥሪት ቀንዲ ሰደድ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ኰይኑ ብቐዳምነት ከኣ ናብ ስዑዲ ዓርብ'ያ ትሰድድ።

ኤሪክ ትራምፕ ዝዀነ ወግዓዊ ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ እኳ እንተ ዘይብሉ፡ ኣብቲ ንግዳዊ ትካላት ናይ ኣቡኡን ናይ ስድራ ትራምፕን ላዕለዋይ ተራ ኣለዎ።

ቢቢሲ ነቲ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዝገበሮ ርክብ ኣመልኪቱ ርእይቶ ንምርካብ ናብ ወከልቱ ቀሪቡ'ኳ እንተ ነበረ መልሲ ኣይረኸበን።

ሶማሊላንድ ኣብ ዓበይቲ መስመራት መራኽብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ስትራተጅያዊ ቦታ እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር'ያ።

ኣብቲ ዝርርብ ፕረዚደንት ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ሶማሊላንድ ንወፍሪ ክፍትቲ ምዃና ኣስሚርሉ፣ ወደብ በርበራ'ውን ንንግድን ትሕተ-ቕርጺ ጸዓትን ክኸውን ዝኽእል ማእከል ሎጂስቲክስ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት እስራኤል ኣይዛክ ሀርዞግ [የማን] ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ [ጸጋም]

ምንጪ ስእሊ, Israeli president’s office / X

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት እስራኤል ኣይዛክ ሀርዞግ [የማን] ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ [ጸጋም]

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብድራሕማን ባይለ፡ ኣቐራርባ መንግስቲ ሶማሊላንድ ተቐይሩ'ዩ ብምባል፡ "ንመጀመርታ ግዜ ንዓለም ረድኤት ኣይኰንናን ንሓታ ዘለና፣ ንሕና እቲ ዘለና ጸጋታት ኢና ንዓለም ነፍልጥን ነቕርብን ዘለና፡" ኢሉ።

ፕረዚደንት እስራኤል'ውን እቲ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዝገበሮ ርክብ እወታዊ ምንባሩ ኣብ ኤክስ ሓቢሩ፣ "ኣብ ዳቮስ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ምርኻበይ ኣዝየ ሕጉስ'የ፣ ኣብ ሞንጎና ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምጅማሩ ብሓጐስ'የ ዝቕበሎ፡ ንህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ብዝጠቕም እቲ ርክብ ክዓሙቕ ከኣ ክንሰርሕ ኢና፡" ኢሉ።

ሶማሊላንድ ድሕሪ ምፍራስ ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ 1991 ካብ ሶማልያ ካብ እትፍለ ኣትሒዛ ባዕላ'ያ ክትመሓደር ጸኒሓ።

ብስሩዕ ምርጫ ተካይድ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ኣለዋ፣ ከምኡ'ውን ናይ ባዕላ ሓይልታት ጸጥታ መስሪታ፡ ምስ መብዛሕትኡ ደቡባዊ ክፋል ሶማልያ ብምንጽጻር ከኣ ብተዛማዲ ዝሓሸ ሰላምን ርግኣትን ኣለዋ።

ይዅን'ምበር እስራኤል ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበታ፡ ውሳነ እስራኤል ካብ ሶማልያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ቻይናን ቱርኪን ዝርከበአን ሃገራትን ንመሬታዊ ሓድነት ሶማልያ ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ከቢድ ነቐፌታ ኣስዒቡ።