እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ንምንታይ'ዩ ኣካታዒ ኰይኑ?

 እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበታ፡ ሓያለ መንእሰያት ኣብ ርእሰ ከተማ ሃርጌሳ ብምውጻእ ሓጎሶም ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበታ፡ ሓያለ መንእሰያት ኣብ ርእሰ ከተማ ሃርጌሳ ብምውጻእ ሓጎሶም ገሊጾም

እስራኤል፡ ነታ ካብ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣትሒዛ ካብ ሶማልያ ተፈልያ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር ክትጽውዕ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበታ፡ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኵነኔ ኣስዒብላ ኣሎ።

ሓንቲ ካብተን ድሒረን ንውሳነ እስራኤል ዝዀነና ሃገራት ቻይና'ያ።

ቻይና ብመንገዲ ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ዝዀነት ሃገር ንስሱዕ ድሌታት ከተርዊ ክትብል ነቶም ካብ ሓንቲ ሃገር ክንጸሉ ዝደልዩ ከተተባብዕ ኣይግብኣን'ዩ" ኢላ።

ቻይና፡ ቅድሚ ናብቲ ባይቶ ጸጥታ ንጉዳይ ውሳነ እስራኤል ኣመልኪቱ ዝጸውዖ ህጹጽ ኣኼባ ምኻዳ'ያ መርገጺኣ ኣነጺራ።

እስራኤል በቲ ብዓርቢ ዝሃበቶ ሃንደበታዊ መግለጺ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝሃበታ ቀዳማይቲ ሃገር ክትከውን ክኢላ ኣላ።

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ንውሳነ እስራኤል "ታሪኻዊ" ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ ሳማልያ ግን ንመርገጺ እስራኤል ብምዅናን ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ግዝኣታ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸመ ገይራ ከምእትወስዶ ሓቢራ።

ከም ቱርኪ፡ ስዑድ ዓረብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ዓሰርታት ሃገራትን ውድባትን ንወሳነ እስራኤል ዘለወን ተቓውሞ ብምግላጽ ነቲ ውሳነ ኰኒነኦ ኣለዋ።

ሶማሊላንድ ንምንታይ'ያ ነጻነት ትደሊ?

እዛ ኣብ ገማግም ወሽመጥ ዓደን እትርከብ ሓውሲ ምድረበዳ ዝዀነት ሶማሊላንድ፡ ውልቀ መላኺ ሰይድ ባረ ኣብ 1991 ካብ ስልጣን ምስ ተዓልወ'ያ ካብ ሶማልያ ተፈልያ ናይ በይና ነጻነት ኣዊጃ።

ብድሕሪ እዚ ዋላ ድኣ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይውሃባ፡ ሶማሊላንድ ናይ ባዕላ ስርዓተ መንግስቲ፡ መንግስታዊ ትካላት፡ ሓይሊ ፖሊስን ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራን ክትገብር ክኢላ'ያ።

ሶማሊላንድ ከም ዝበዝሐ ክፋል ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ'ያ ነይራ፡ ብሪቲሽ ሶማሊላንድ ተባሂላ ከኣ ትጽዋዕ ነይራ።

ኣብ 1960 ከኣ ምስታ ብጣልያን ዝመሓደር ዝነበረ ኢታልያን ሶማሊላንድ እናተበሃለ ዝጽዋዕ ክፋል ብሓደ ከምዝዀና ብምግባር ሪፓብሊክ ሶማልያ መስሪተን።

እቶም ንናጽነት ሶማሊላንድ ዝድግፉ ሰባት፡ እቲ ዞባ ብብዝሒ ካብ ዓሌት ኢሳቕ ዝመጹ ሰባት ዝሓቖፈ'ዩ ብምባል ካብ ሶማልያ ዝተፈለዩ ምዃኖም ይምጉቱ።

ብተወሳኺ፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሶማሊላንድ፡ ተዛማዲ ሰላምን ምርግጋእን ኣለዋ።

ደገፍታ ካብዚ ብምብጋስ ኣብታ ንነዊሕ እዋን ብእስላማዊ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ዘጋጥማን ርግኣት ዘይብላን ሶማልያ ክትሕወስ የብላን ዝብል ነጥቢ ከም መካትዕን መርትዖን የቕርብዎ።

እንተኾነ ሶማልያ ንሶማሊላንድ ከም ዘይትንጸል ኣካል ግዝኣታ እያ እትቖጽራ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ ዝርከብ መንግስቲ፡ ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦ ናጽነት ሶማሊላንድ ንልኡላውነት ሶማልያ ዝጻረር ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ እውን ነቲ እስራኤል ዘውጽኣቶ ኣዋጅ ንሓድነት ሃገሩ "ናይ ህላወ ሓደጋ'ዩ" ብምባል'ዩ ገሊጽዎ።

እስራኤል ንምንታይ'ያ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂባታ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ሃገሩ "መሰል ርእሰ ውሳነ" ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ትህብ ከምዘላ ገሊጽሉ።

ወግዓዊ ኣፍልጦ ምሃብ "ሽርክነት እተን ሃገራት ንምስፋሕ ዓብዪ ዕድል" ከምዝኸውን እውን ክልቲኦም ተመያይጦም።

ይኹን እምበር ተንተንቲ፡ እስራኤል እዚ ክትገብር ዝደረኻ ካልእ ስትራተጂካዊ ምኽንያታት ከምዘሎ ይዛረቡ።

"እስራኤል ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንብዙሕ እስትራተጂካዊ ምኽንያታት መሓዙት ክህልውኣ ትደሊ'ያ፡ እዚ ከኣ ኣብ መጻኢ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ከተካይዶ ንእትደሊ መጥቓዕቲ መርገጺ እግሪ ክዀና'ዩ" ይብል እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ዝወጽአ ጽሑፍ።

"ሶማሊላንድ ከኣ ንእስራኤል ናብቲ መጥቓዕቲ ከትፍጽመሉ እትደሊ ቦታ እታ ዝቐረበት'ያ፡ ብኸምዚ ከኣ እስራኤል ከም ሕጽይቲ ንኸተቕርባ ዝመቸአት'ያ" ይብል እቲ ጽሑፍ።

እስራኤል፡ ነቶም ንሓማስ ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊኣ ደብዳብ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ሑቲ ሕነ ንምፍዳይ፡ ኵናት ቓዛ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ካብ ዝጅመር፡ ኣብ ልዕሊ የመን ተደጋጋሚ መጥቓዕትታት ፈጺማ'ያ።

እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበታ ኸኣ፡ ዕጡቓት ሑቲ፡ እስራኤል ኣብ ሶማሊላንድ እንተኣትያ ኣብ ልዕሊኦም ወተሃደራዊ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸመ ገይሮም ከምዝወስድዎ ብምሕባር ንእስራኤልን ሶማሊላንድን ኣጠንቂቖም።

ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ፡ እቶም ካብ ቓዛ ዝተፈናቐሉ ፍሊስጤማውያን ብሓይሊ ናብ ሶማሊላንድ ክትሰዶም እስራኤል ምስ ሶማሊላንድ ምዝርራብ ጀሚራ ኣላ ዝብል ዘረባ ብገለ ማዕከናት ዜናታት ተናፊሱ ነይሩ'ዩ።

እስራኤል ብዛዕባ'ዚ ጸብጻብ ዝኰነ ርእይቶ ኣይሃበትን፡ ሶማሊላንድ ብወገና፡ ዝዀነ እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር እትህቦ ኣፍልጦ ምስ ጉዳይ ፍሊስጤማውያን ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ'ያ ገሊጻ።

ሶማልያን ሰብ መዚ ፍሊስጤምን ግን፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ከማ ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ምስቲ እስራኤል ንፍሊስጤማውያን ናብ ሶማሊላንድ ናይ ምግዓዝ መደባ ክተሓሓዝ ከምዝኽእል'የን ገሊጸን።

ፕረዚደንት ሶማልያ ብሰንበት ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝስምዖ መደረ "ሶማልያ ፍሊስጤማውያን ካብቲ ግዝኣቶም ዝኾነ መሬት ብሓይሊ ናብ ዝዀነ ቦታ ክግዕዙ ፈጺማ ኣይትቕበሎን'ያ" ኢሉ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተንታኒ ፖለቲካ ኣፍሪቃ ካሜሮን ሁድሶን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ፡ ነቲ ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ጽልዋ ንምግጣም ዝዓለመ ከምዝዀነ'ዩ ዝገልጽ።

"ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣጽዋርን ተዋጋእትን ካብ ባብኤል መንደብ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዝመሓላለፈሉ ኰሪደር'ዩ፡ እቲ ኢራን ናብቶም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ዕጡቓት እትህቦ ሓገዛት'ውን በዚ'ዩ ዝሓልፍ፡ ስለዚ እሰራኤል ኣብ ቀንዲ ማሕንቖ ቀይሕ ባሕሪ ክትህሉ ምድላያ ምስ ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ጥራይ'ዩ ክተኣሳሰር ዝኽእል" ኢሉ።

Map: A map of Somalia and Somaliland

እስራኤል ዝወሰደቶ ስጒምቲ ስለ ምንታይ'ዩ ዅነኔ ኣጋጢምዎ?

እስራኤል፡ ብከም በዓል ግብጺ፣ ቱርኪ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ የመን፣ ሱዳን፣ ናይጀርያ፣ ሊብያ፣ ኢራን፣ ኤርትራ፡ ዒራቕን ቀጠርን ዝኣመሰላ ሃገራት ተነቒፋ።

ብዙሓት ካብዘን ሃገራት ኣብ ዘቕረብኦ ነቐፌታ፡ ምጥሓስ "ግዝኣታዊ ሓድነት" ሶማልያን ኣህጉራዊ መትከላትን'የን ጠቒሰን።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃብ፡ ተገንጸልቲ ይግብኣኒ ዝብልዎ ግዝኣታት ሒዞም ኣፍልጦ ክወሃቦም ክጠልቡ ክድርኽ እዩ ዝብል ነዊሕ ዝጸንሐ ስክፍታታት ነይሩዎ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዱራህማን ሰይድ ኣቡሓሽም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዞባታት ብዘይ ፍቓድ ማእከላይ መንግስታት ናይ ደገ ምሕዝነት ክምስርታ ክፍትና ይኽእላ እየን፤ እዚ ድማ ሰፊሕ ዘይምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሓደገኛ ቅድመ-ኩነት ክፈጥር ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።

ንውሳነ እስራኤል ዝድግፍ ወገን ኣሎ ድዩ?

መሓዙት ሶማሊላንድ ተባሂለን ዝቑጸራ ሃገራት፡ ወይ ድማ ነቲ ኣፍልጦ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ወፍሪ ተደናገጽቲ ዝዀና ሃገራት፡ ብዓቢኡ ስቕታ መሪጸን ኣለዋ።

ንኣብነት ኣብ ሶማሊላንድ ወተሃደራዊ ወደብ እተካይድ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መግለጺ ኣይሃበትን።

ተንታኒ ፖለቲካ ኣፍሪቃ ካሜሮን ሁድሶን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ "ኣብ ሕቶ ሶማሊላንድ ምስ እስራኤላውያን ከም እትሰማማዕ፡" ገሊጹ።

"ሕጂ'ውን እንተዀነ ሎሚ ኣብ መላእ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣሰላልፋ ረብሓታት እስራኤልን ኢማራትን ክንዕዘብ ኢና፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሶማሊላንድ ንገለ ክፋል ገማግም ባሕራ ኣፍደገበ ባሕሪ ንዘይብላ ኢትዮጵያ ከተካሪ ተሰማሚዓ ነይራ፤ እዚ ስጕምቲ እዚ ንሶማልያ ኣቘጢዑ ምንባሩ ይዝከር።

ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም፡ ቱርኪ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ንምሽምጋል ኢዳ ከም ዘእተወት ገሊጹ። ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሶማልያ ስምምዕ ክትፍርም ድማ ገይራ፤ ግዝኣታዊ ሓድነታ ከተኽብር ቃል ኣትያ።

"ከም ውጽኢቱ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ብሓደ ወገን ኣፍልጦ ምሃባ ኢትዮጵያ ብስቕታ ክትቕበሎ እትኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ኣዲስ ኣበባ ግን ጥንቃቐ ክትገብር እያ፡" ብምባል "ቀስ ኢልና ንርኣዮ፡" ዝብል ኣንፈት ዝሓዘት ትመስል ክብል እቲ ተንታኒ ወሲኹ ገሊጹ።

ዶናልድ ትራምፕ ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ኰይኑ ስርሑ ቅድሚ ምጅማሩ ዝተዋህበ ምልክታት ስዒቡ፡ ደቂ ሶማሊላንድ ኣመሪካ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ክትህቦም ተስፋ ገይሮም ነይሮም።

ትራምፕ ግን፡ ንመሪሕነት ኔታንያሁ ብቕልጡፍ ከም ዘይስዕቦ ንኒውዮርክ ፖስት ሓሳብ ተዛሪቡ።

"ብሓቒ ሶማሊላንድ እንታይ ምዃና ዝፈልጥ ሰብ ኣሎ ድዩ?" ከም ዝበለ ይንገር።