ብዛዕባ ሶማሊላንድ ሒደት ዘገርሙ ሓቅታት

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካብ ክፋል ዓባይ ሶማልያ ብኣንፈት ሰሜን እትርከብ ሶማሊላንድ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓደን እትርከብ ብኸፊል ደረቕ ዝዀነት ዞባ እያ።
ሶማሊላንድ ብሰሜን ምስ ጅቡቲ፡ ብምዕራብ ምስ ኢትዮጵያ፡ ብደቡባዊ ምብራቕ ድማ ምስ ግዝኣት ሶማልያ ፑንትላንድ ትዳወብ።
ሶማሊላንድ ምስ ፑንትላንድ ብዘዋስና ሰፊሕ ግዝኣት ብሕቶ ይግብኣኒ ክትከራኸር ጸኒሓ'ያ፤ ብሰንኪ'ዚ ድማ ሓሓሊፉ ግጭታት ከጋጥማ ጸኒሑ ኣሎ።
ወተሃደራዊ መራሒ ሶማልያ ዝነበረ ስያድ ባረ ብ1991 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ናጽነታ ኣዊጃ።
ሶማሊላንድ ናጽነታ ክትእውጅ እንከላ፡ ኣብ ትሕቲ ስያድ ባረ ንዓመታት ንናጽነት ዕጥቃዊ ቃልስታት ይካየዱ ነይሮም።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሶማልያ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፡ ከተማታት ድማ ምሉእ ብምሉእ ዓንየን ኣለዋ።
ሶማሊላንድ ዋላ'ኳ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ እንተዘይረኸበት፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ መንግስታዊ ትካላት፡ ወተሃደራውን ፖሊስን ሓይልታት፡ ከምኡ'ውን ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ኣለዋ።
ቅድሚ ሕጂ ንመብዛሕትኡ ታሪኻ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ምሕደራ እንግሊዝ ዝነበረት ሶማሊላንድ፡ ብዓቢኡ ካብቲ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ንሶማልያ ክሃስያ ዝጸንሐ ኲናትን ግጭትን ሩፍታ ረኺባ።
እስልምና ዝኣተወላ ዞባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
7ይ ክፍለ ዘመን - እስልምና ብናይ ሕጂ ሶማሊላንድ ምእታው ከም ዝጀመረ ይንገር።
14 ክፍለ ዘመን - እስላማውያን ሱልጣናታት እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ክርስትያን ሃጸያዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣትዮም።
1527 - ሱልጣን ኣዳል ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዓሚጹ፤ ብድሕሪኡ ድማ ንመብዛሕትኡ ክፋል ኢትዮጵያ ስዒሩ። ብ1543 ብሓገዝ ፖርቱጋላውያን ተሳዒሩ።
1888 - እንግሊዝ ምስቶም ናይቲ ከባቢ ሱልጣናት ውዕላት ብምግባር ብሞግዚት ብሪጣንያ እትመሓደር ሶማሊላንድ መስሪታ።
1899 - እስላማዊ መራሒ መሓመድ ዓብደላ ኣንጻር መግዛእቲ እንግሊዝ ተላዒሉ፣ ቀጺሉ ንመንግስቲ ደርዊሽ መስሪቱ። እዚ ኣብ 1920 ብሓይልታት እንግሊዝ ክሳብ ዝዓኑ ዝጸንሐ መንግስቲ'ዩ።
1960 - ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያ ዝነበረት ሶማሊላንድን ኣብ ትሕቲ ጥልያን ዝነበረት ሶማሊላንድን ናጻ ኰይነን ተዋሃሂደን ሪፓብሊክ ሶማልያ መስረታ።
1991 - ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ሲያድ ባረ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ እታ ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያ ዝነበረት ሶማሊላንድ ነበር፡ ሶማሊላንድ ተባሂላ ብሓደ ወገን ናጽነታ ኣዊጃ፡ እዚ ድማ ንዝተረፈ ክፋል ሶማልያ ናብ ስርዓት ኣልቦነት ኣእትዩ።
2001 - ልዕሊ 97% ህዝቢ ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ንምድጋፍ ድምጺ ሂቡ፤ እዚ ድማ ሶማሊላንድ ርእሳ ዝኽኣለት ናጽነት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ረፈረንደም እዩ።
2016 - ሶማሊላንድ መበል 25 ዓመት ናጽነታ ኣኽቢራ፤ ኣፍልጦ ግን ኣይተዋህባን።
2024 - ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ወደባት ሶማሊላንድ ክትጥቀም ስምምዕ ፈሪመን። ሶማልያ ነቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነታ ዝተፈጸመ "መጥቃዕቲ" ብምባል ኰኒናቶ።
2025፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ብወግዒ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ሂባታ።
ርእሰ ከተማ፡ ሃርጌሳ
ስፍሓት መሬት፡ 177,000 ትርብዒት ኪ.ሜ
ብዝሒ ህዝቢ፡ 5.7 ሚልዮን
ቋንቋታት፡ ሶማልያ፡ ዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ
ሓደ ሰብ ብህወይት ዝጸንሓሉ ማእከላይ ዕድመ፡ 50 ዓመት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምትላል መረጻ ንምቍጽጻር ብሌን ዓይኒ ዝተጠቕመት ፈላመይቲ ምምሕዳር
ሶማሊላንድ፡ ዋላ'ኳ ዓለምለኸ ኣፍልጦ ኣይሃልዋ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ እተካይዶ መረጻ ዝተፈላለዩ ዘገርሙ ክስተታት ክርኣዩ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ሕሉፍ ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት፡ ሕጹያት ኰይኖም ካብ መንጎ ዝቐረቡ ሰለስተ ተነሓናሕቲ፡ እቶም ክልተ ማለት'ውን ዓብዱራሕማን ዒሮን ፈይሳልን ዓሊ ዋራቢን ዜግነቶም ፊንላንዳዊያን እዮም።
ሙሰ ቢሂ ዓብዲ፡ ወተሃደር ዝነበረ ኰይኑ፡ ብ1970 ዓ.ፈ ኣብ ሩስያ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲዱ።
ኣመሪካ፡ ኖርወይን ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦትን ነቶም ኣብዛ ምምሕዳር ክካየዱ ዝጸንሑ መረጻታት ክዘዕቡ ጸኒሖም። ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ግን ዝሳተፋ ኣይነበራን።
ብ2017 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ሶማሊላንድ ኣብቲ መረጻ ዝፍጸም ምትላል ንምክልኻል ዓቐን ብሌን ዓይኒ (ባዮሜትሪክ) ተጠቒማ መረጻ ብምክያድ ኣብ ዓለም ፈላሚት ምምሕዳር ምዃና ተገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪቃ ነጻን ግልጽን መረጻ ብምክያድ፡ ናእዳ ክትረክብ ጸኒሓ።
እታ ቅድሚ 33 ዓመታት ካብ ሶማልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ኣብቲ 2024 ንራብዓይ ግዜ ዘካየደቶ መረጻ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጻ ኣላ።
ኣብዚ መረጻ፡ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ኰይኑ ዝመርሐ ሙሰ ቢሂ፡ ብመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዋዳኒ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ተሳዒሩ።
ኮሚሽን መረጻ ሶማሊላንድ ሰሉስ 19 ሕዳር 2024 [ኣ.ኤ] ዕላዊ ዝገበሮ ውጽኢት መረጻ፡ ፕረዚደንት ቢሂ ኣስታት 35 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ ኢሉ።
ተቓዋሚኡ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ሶማሊላንድ ዝዀነ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ድማ ኣስታት 64 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ።
ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ዘለወን ኣመሪካን ኢትዮጵያን እውን ንመረጻ ሶማሊላንድ ንኢደን።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ 6 ሕዳር 2016 ዓ.ም. [ግ] ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ መረጻ "ሰላማዊ፡ ዲሞክራስያዊ፡ ነጻን ፍትሓውን" ክብል ንኢድዎ።

ምንጪ ስእሊ, Cabdiraxmaan Cirro
ሚድያ - ኣፍ መንግስቲ'ዩ
መንግስታዊ ኣፍ ራድዮ ሃርጌሳ እታ እንኮ ፍቓድ ዘለዋ ናይ ውሽጢ ዓዲ ራድዮ እያ።
ናይ ብሕቲ መደበራት ተሌቪዥን ጎኒ ጎኒ ብመንግስቲ ዝመሓደር መርበብ ይሰርሓ።
እቶም ሰበስልጣን ምስ ጎረቤት ምምሕረር ፑንትላንድ ዝፍጠር ግዝኣታዊ ውጥጥ ሓዊሱ ኣካታዕቲ ኣርእስታት ንዝሽፍኑ ጋዜጠኛታትን ማዕከናት ዜናን ዒላማ ይገብሩ።
ንከቢድ ዞባዊ ምቅይያር ክትድርኽ ትኽእል
ሶማሊላንድን ታይዋንን፡ ውሑዳት መሓዙት ሃገራት ዘለወን ክልተ ኣዕሩኽ ግዝኣታት እየን።
ታይዋንን ሶማሊላንድን፡ ዋላ'ውን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይርከባ ብሓበን ንገዛእ ርእሰን ልዑላውያን ሃገራት ኢለን ዝጽውዓ'የን።
ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊላንድ ሃርጌሳ፡ ቤት ጽሕፈት ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ታይዋን ኣሎ።
ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት፡ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ፡ ኣመሪካ ነታ ንገዛእ ርእሳ ሪፓብሊክ ኢላ እትጽውዕ ርእሰ ምምሕዳር፡ ኣፍልጦ ዝሃበት ፈላመይቲ ሃገር ክትከውን እያ ዝብል ልዑል እምነት ነይሩዎም።
ሶማሊላንድ፡ ቅድሚ 33 ዓመታት ሶማልያ ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን እያ ናጽነታ ኣዊጃ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ድማ ብብዙሕ መዳይ ብተግባር ከም ሓንቲ ብሄራዊት-ሃገር ኰይና'ያ ጸኒሓ።
ሓያላትን ጸለውትን ሪፓብሊካን እቲ ሓሳብ ንክፍጸም ይደፍኡ ኣለው።
ካብኦም ሓደ ኣብ ታሕሳስ 2024፡ ኣመሪካ ንሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትህብ ዝእምት እማመ ዘቕረበ ኣባል ኮንግረስ ስኮት ፔሪ እዩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ'ቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተሓትመ ፕሮጀክት 2025 እዩ።
እዚ ፕሮጀክት ብፍሉጥ የማናዊ ሄሪቴጅ ፋውንዴሽንን ብኻልኦት ልዕሊ 100 ዓቃባውያን ትካላትን ዝተወደበ ንኻልኣይ ፕረዚደንትነት ትራምፕ ዝምልከት ፍኖተ-ካርታ እዩ።
እዚ ሰነድ፡ ኣብ ውሽጡ ዝጠቕሰን ግዝኣታት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ክልተ ጥራይ እየን - ሶማሊላንድን ጅቡቲን።
ካብቶም ዘቕረቦም ሓሳባት ሓደ ድማ "ሃገራውነት ሶማሊላንድ ከም መከላኸሊ ኣንጻር እቲ እናደኸመ ዝኸይድ ዘሎ መርገጺ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ" ዝብል እዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዓለማዊ ሓይልታትን ግዝኣታዊ ሓድነት ልዕሊ ኵሉ ምዃኑ ይኣምኑ።
ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተገንጸልቲ፡ ናትና ንዝብልዎም ግዝኣታት ኣፍልጦ ንኽወሃቦም ክጠልቡ ዝገብር ሰንሰለታዊ ግብረ መልሲ ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።
ንኣፍልጦ ሶማሊላንድ ዝድግፉ ሰባት፡ እታ ርእሰ ምሕደራ ኣብቲ ቍጠባዊ፡ ወተሃደራውን ስትራተጂያውን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ረብሓታት ኣመሪካ ዝረኣየሉ ቦታ ከምዘላ ይምጉቱ።
መርሰቨይ ብወገኑ፡ እቲ ግዝኣት ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ብምጽጋዓን ንእሽቶ መንግስቲ ስለ ዘለዋን ዘይኰነስ፡ ዲሞክራስያዊ መትከላት ብምኽባራ "ስልማት" ክትረክብ ከምዘለዋ ይዛረብ።
እቲ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ እታ ግዝኣት ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብዙሓት መራኽብ ዝሓልፋሎም ጽዑቓት መስመራት እዩ።
ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ የመን፡ ንሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ተኪኦም ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ናይቲ ከባቢ ክዋስኡ ይኽእሉ እዮም። እቶም መጥቃዕቲታት ንዓለምለኻዊ ንግዲ ዓቢ ስግኣት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ዞባ እውን ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከም ዝቐርብ ዝገብር እዩ።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ መደበራት ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ምትህልላኽ፡ ነታ ኣብ 2002 ኣብታ ኣህጉር ዝዓበየ ወተሃደራዊ መሳለጥያኣ ኣብ ጅቡቲ ዝመስረተት ኣመሪካ ዘተሓሳስብ እዩ።
ሩስያ ኣዒንታ ኣብ ፖርት ሱዳን ገይራ ኣላ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣንጻር ሑቲ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ኤርትራ ንዓሰብ ተጠቒማ እያ።
ጅቡቲ ድማ ጽቡቕ ኣቀማምጣ ወተሃደራዊ መሳለጥያ ጥራይ ዘለዎም ዘይኰኑስ ነቲ ገዚፍ ወደብ ዘመሓድሩ ቻይናውያን ብዝርከብዎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተመሊኣ ኣላ።
ቱርኪ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዘለውዋ ዝዓበየ መደበር፡ ካብ ሞቓድሾ ቅሩብ ንደቡብ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ይርከብ።
ትራምፕ፡ ጽልዋኣ ንዝዓቢ ዘሎ ቻይና ምግጣም ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ እዩ።
ኣመሪካ፡ ቻይናውያን ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝገብርዎም ንጥፈታት ጣልቃ ብምእታውም ናብ ካልእ ቦታ ክትግዕዝ ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጻ'ያ።
ብተወሳኺ ነቲ ንመብዛሕትኡ ክፋል ኣፍሪቃ ዝሽፍን ዘሎ ናይ ቻይና 'በልት ኤንድ ሮድ ኢኒሼቲቭ' ክትዕንቅፍ ድሌት ኣለዋ።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደብ በርበራ፡ ከም ኣካል ሶማሊላንድ ይዅን ከም ኣካል ሶማልያ፡ ከም ኣማራጺ ብዙሕ ረብሓታት ዝሓዘ እዩ።
ቻይና ኣብ ወደብ በርበራ ህላወ የብላን፤ ብርግጽ ታይዋን ኣብ 2020 ምስታ ዝተፈልየት ሶማሊላንድ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምስራታ ኣዝዩ ኣቖጢዕዋ እዩ።
ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ኢማራት ዓረብ፡ እቲ እተመሓድሮ ዝሰፍሐ ወደብ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ወደብ ጅቡቲ ከምዝወዳደር ተስፋ ኣለዋ።
ኣብ 2022፡ ሕጊ ፍቓድ ሃገራዊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ንሶማሊላንድ ከምዘካትት ኰይኑ ተመሓይሹ እዩ።
እዚ ድማ ጸጥታዊ ምትሕብባር ብምብራኽ ንዝሓየለ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ምትእስሳር መንገዲ ክጸርግ ከም ዝኽእልን ይንገር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







