'ጉዳይ ፑንትላንድ ንሶማልያ ተወሳኺ ድኹም ጐድኒ ክፈጥረላ እዩ' ብኸመይ? ብፕሮፌሰር ዓወት...

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣብቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ክስርሓሎ ዘሎ ግዝያዊ ቅዋም እታ ሃገር ለውጢታት ብምግባሩ፡ ኣብ መንጐ ምምሕዳር ፑንትላንድን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ፤ እታ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር ዝዀነት ግዝኣት ከኣ ነቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝነበራ ኣፍልጦ ኣይህብን ብምባል ቅጽበታዊ ግብረመልሲ ሂባ። እዚ ጉዳይ ግን ብኸመይ እዩ ዝርአ፣ ኣብታ ሃገር ይዅን ኣብቲ ዞባ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋን እንታይ ይግምገም ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣተኵሩ፡ ቢቢሲ ንምሁር ታሪኽን ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ፕሮፌሰር ዓወት ወልደሚኪኤል ኣዘራሪቡ’ሎ። ፕሮፌሰር ዓወት...
________________________
እዚ ኣብ መንጐ ፑንትላንድን ፈደራላዊ መንግስቲ [ማእከላይ] መንግስቲ ሶማልያን ዘሎ ዘይምርድዳድ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ምዃኑ ምርድኡ ጽቡቕ መስለኒ። ፈደራላዊ ስርዓት ሶማልያ ምስቈመ ብፍላይ ከኣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ምስ መራሒ ፑንትላንድ ሰይድ ደኒ ኣብ ዘይምቅዳው እዮም ጸኒሖም።
ዘየስማምዖም ዝተፈላለየ ቀጸላታት ዘለዎ ብዙሕ ነገራት እዩ። ኣብቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ቤት ምኽሪ ፈደራላዊ ምምሕዳራት ዘቝማኦ ምስ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን እናተዘራረቡ ንፈደረሽን ዝምልከት ፖሊሲታት ውሳነታት ዝህቡሉ ቤት ምኽሪ ኣሎ። ፑንትላንድ ካብኡ ካብ እትወጽእ ዓመታ ቀሪቡ’ሎ።
ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝተወሰነ ነዊሕ ሳዕቤን ክህልዎ ዝኽእል ውሳነታት ጸኒሑ እዩ። ፑንትላንድ ካብኡ ወጺአ ኣይምልከተንን ትበል እምበር ብመሰረት ፈደራላዊ ቅርጺ ኣሰራርሕ ክጸልዋ ምዃኑ ግድን እዩ።
እዚ ርእሱ ዝኸኣለ ውጥረት ኣለዎ፤ ካልኣይ ድማ ሽሕ’ኳ [ሶማልያ] ካብ ሃዋሁ ሕድሕድ ኲናት እንተወጸት፣ እቲ ዓሌታዊን ቀቢላውን ፍልልያትን ከም ሳዕቤኑ ዝኽሰት ነገራት ፈጺሙ ኣይጠፍአን፤ ክልቲኦም ካብ ዝተፈላለየ ቀቢላታት ሃውየን ዳሮድን - እዮም እዚውን ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ - ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ዘይምቅዳው ባይታ ኣንጺፉ እዩ።
ስለዚ ነዚ ኣብ ብዙሕ ዝፈላልዮም ነገራትን ይዅን ዝጸንሐ ምፍልላይ ኣብ ግምት ኣኣቲና ኢና ነቲ ፍልልያት ክንግምግሞ ዘለና።

ንመንግስትነት ዝምልከት ዝተገብረ ለውጢ እንታይ እዩ?
ፕረዚደንት ሓሰን ዝተኸተሎ ኣገባብ፡ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ምሉእ ብምሉእ ኣሕቂቕካ፡ ብምክትል ፕረዚደንት ተኪእካ ምሉእ ብምሉእ ፕረዚደንታዊ ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ናይቲ ሃገር ከም ስርዓት እዩ ዝቕይሮ።
ኣብ ኣቃውማ ናይቲ ሃገር - ኣብቲ ገና ዘይጸደቐ ዘሎ እማመ ቅዋም - [ካብ 2012 ግን ክስርሓሉ ጸኒሑ እዩ] ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ መዓልታዊ ንጥፈታት ናይቲ መንግስቲን ሚኒስተራትን እዩ ዝመርሕ፤ ፕረዚደንት ዋላ እንተሸሞ ብፓርላማ ጸዲቝ ንፓርላማ እዩ ተሓታትነቱ።
ስለዚ፡ ፕረዚደንት ዋላ እንተዘይደለዮ፡ ካብ ባይቶ ደገፍ ኣብዝሓ ድምጺ ከይረኸበ ክሰጐ ኣይክእልን፣ ሓያል ናይ ምቍጽጻር ስልጣን እዩ ዘለዎ።
እዚ ኸኣ ፕረዚደንት ካብቲ ሓደ ዓሌት እንተዀይኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ካብቲ ካልእ ይኸውን፤ ፕረዚደንት ካብ ዳሮድ እንተዀይኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ሃውየ ወይ ብግልባጡ ክኸውን እዩ ጸኒሑ። እዚ ድማ ነቲ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ምክፍፋል ስልጣን ዘርኢ እዩ።
ብኸመይ ርኢኻዮ ኣለኻ?
ካብ ነዊሕ ነዊሕ ትዕዝብተይን ተመኵሮይን ነቒለ ክርእዮ እንከለኹ፡ ፑንትላንድ ምስ መንግስቲ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣይንሰርሕን ዓይነት እምበር ካብ ብምሉኣ ሶማልያ ክንንጸል ኢና ኣይበሉን - ዝንጸሉ’ውን ኣይመስለንን።
ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን - ድሕሪ’ቲ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ ዓመታት - እውን እንተዀነ፡ ሶማሊላንድ ናጽነቶም ክእውጁ እንከለዉ፡ ፑንትላንድ፡ 'ንሕና ኣካል ሶማልያ ኢና ግን ፈደራላዊት ሶማልያ ኢና ንደሊ፡ ነቲ ካልእ ክፋል ሶማልያ -ማእከላይን ደቡባውን ሶማልያ ብፍላይ - እግሪ ተኺሉ ተሲኡ ፈደራላዊ ኣቃውማ ክሳብ ዝምስርት ክንጽበዮ ኢና' እዮም ኢሎም። በዚ እዩ ድማ፡ ፑንትላንድ ከም ኣደ ፈደራላውነት ሶማልያ ትቝጸር።
ኣብ ርእሲ’ዚ ነቲ ናይ ደገ ዝምድናታት ክንገብር ኢና ዝብል ከም ብቐጥታ ምስ ምእዋጅ ናጽነት ከነተሓሕዞ ወይ ሶማሊላንድ ክመስሉ ይደልዩ ኣለዉ ከብለና ኣይክእልን እዩ።
እዚ ኰይኑ ግን ምስቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ሃዋሁን ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ዝምድናታትን፡ ብፍላይ ከኣ ማእከላይ ሃገራት ዝበሃላ - ማእከላይ ሓይሊ ዘለወን - ከም ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝገብራኦ ምትእትታው፡ ፑንትላንድ ናይ ገዛእ ርእሳ ዝምድናታትን ደገፍን ትረኽበሉ መካኒዝም ክፍጠር ክደፍእ ይኽእል እዩ፤ ከምኡ ኸኣ ጸኒሑ እዩ።
ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ እንታይ ክኸውን እዩ ንዝብል ግን ከም ተመራማሪ ታሪኽ እዝን እትን ኢልካ ከተቀምጥ ዘይክኣል’ኳ እንተዀነ፣ ነቲ ድሮ ዘይርጕእ ዘሎ ዞባ ግን ተወሳኺ ነዳዲ ክውስኸሉ ከም ዝኽእል ክግመት ይከኣል።
እቲ ካብ ውግእ ሓድሕድ ወጺኡ ይሃድእ ኣሎ ዝበልናዮ ዓቢ ክፋል ሶማልያ፡ ኣብ ነውጺ ክኣቱ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ዞባ ኣዕናዊ ዝዀነ ሳዕቤን ኣለዎ።

ብመንጽር ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ኸ?
ረብሓ ዘለዎም ሃይልታት ነቲ ኵነታት ክብለጹሉ እዮም ኢልካ ክግመት ይከኣል እዩ፤ ስግኣት ዝፈጥር ድማ እዚ እዩ። እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ መረዳድኢ ሰነድ፡ ኣብ መንጐ ሃርጌሳን ሞቓድሾን ሓያል ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካዊን ‘ረሂቶርካውን’ - ቈይቂ እዩ ፈጢሩ።
ኢትዮጵያ ዝተኸተለቶ ኣገባብ፡ ዘይንጹርነት ናይቲ ስምምዕ፡ ከም ግብረመልሲ ድማ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝመርሖ መንግስቲ ሶማልያ ዝተኸተሎ ‘ኣግረሲቭ’ ዝዀነ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ዝመበገሲኡ፡ ኣብ መንጐ ኣዲስኣበባን ሞቓድሾን ሓድሽ ወጥሪ ክኽሰት ገይሩ እዩ።
እዚ ወጥሪ ድማ ነፍስወከፍ ሃገር ነናታ ወገንን ጸግዒን ክትደሊ ገይርዋ፤ ከም ውጽኢቱ ሶማልያ ምስ ኤርትራ፡ ምስ ግብጺ፡ መወዳእትኡ’ውን ምስ ቱርኪ ናይ 10 ዓመት ስምምዕ ሓባራዊ ምክልኻል ፈሪማ - ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ማያትን ምድርን ሶማልያ ክንቀሳቐስ ኣፍቂዱ።
እዚ ብወገን ሶማልያ ኰይኑ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ሓደ ዘይንዓቕ ዓቢይ ጉዳይ ኣሎ። መን ይመርሖ ብዘየገድስ፡ ኣብ ኣዲስኣበባ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ሶማልያ ዓቢይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፤ ኣብ ገለ ከባቢታት ሶማልያ ልዕሊ’ቲ ኣብ ሞቓድሾ ዘሎ መንግስቲ ሶማልያ ጽልዋ ኣለዎ።
ንኣብነት ፈደራላዊ ግዝኣት ሳውዝ-ዌስት [ደቡብ-ምዕራብ] ዝበሃል ግዝኣት፡ ዝያዳ በቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መንግስቲ እዩ ዝጽሎ። ስለዚ እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ ፑንትላንድ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ተወሳኺ ድኹም ጐድኒ እዩ ዝፈጥረሉ።
ስለዚ ምስ ኢትዮጵያን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብምትሕብባር፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ እትሕይል ወይ ክትሕይል እትደሊ ንእሽቶ ሃገር ናይ ምዃን ድሌት - ብዓይኒ ግብራዊ ስራሕ መንግስትነት - ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ተኽእሎ እዩ። ስለዚ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እዚ ሓድሽ ተጓንፎ ናይ ዘይምህዳእ ተኽእሎታቱ ዓቢይ ኰይኑ እስምዓኒ።
_________________
ፕሮፌሰር ዓወት ወልደሚኪኤል፡ ኣብ ኲንስ ዩኒቨርሲቲ ካናዳ ዝምህር ምሁርን ተመራማርን ታሪኽ ኰይኑ፡ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ብፍላይ፡ ንሱር ጠንቂ፡ ዳይናሚክስን ሳዕቤናትን ቅርሰና ባሕሪ ኣብ ሶማልያ ኣመልኪቱ ሓያላ ምሁራዊ ጽሑፋትን መጽሓፍን ዘሕተመ ኤርትራዊ ምሁር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







