እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ዘስዓቦም ምላሻት እንታይ ይመስሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል፡ ነታ ካብ ሶማልያ ነጻ ሃገር ምዃና ክትገልጽ ዝጸንሐት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ብወግዒ ኣፍልጦ ዝሃበት ፈላመይቲ ሃገር ኰይና ኣላ።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሶማሊላንድ ዝወሃብ ዝዀነ ይዅን ኣፍልጦ ብምንጻግ ንሓድነትን ልኡላውነትን ሶማልያ ንምኽባር ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ብዓርቢ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሶማሊላንድ "ከም ናጻ ኣካል ኣፍልጦ ንምሃብ ዝዓለመ ዝዀነ ይዅን ተበግሶ ወይ ስጕምቲ ብጽኑዕ ይነጽግ፡" ኢሉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ብዓርቢ 26 ታሕሳስ 2025 [ኣ.ኤ] ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ብወግዒ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ከም ዝሃበታ ብምግላጽ፡ ኣብ ሕርሻ፡ ጥዕናን ቴክኖሎጂን ምትሕብባር ብቕልጡፍ ከተስፍሕ መደብ ከም ዘለዋ ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ፡ እቲ ምዕባለ "ታሪኻዊ ህሞት" ክብል ገሊጽዎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ሶማልያ ሓምዛ ዓብዲ ባረ'ውን፡ ሃገሩ ነቲ ብእስራኤል ዝተወስደ ውሳነ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነታ ኰነ ኢልካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ብምባል፡ ከም ዝነጸጐ ገሊጹ።
ጂቡቲ፡ ግብጽን ቱርክን ዝርከብአን ሃገራት እውን ነቲ ስጕምቲ ብምንቃፍ ተቓውሞታተን ከስምዓ ጀሚረን ኣለዋ።
እስራኤል፡ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ካልኦት ሃገራት እውን ንዕኡ ክስዕባ ከተባብዕ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ዲፕሎማስያዊ መረጋገጺታት እቲ ዞባን ተበጻሕነት ኣህጉራዊ ዕዳጋታትን ክውስኽ ይኽእል እዩ።
ነታንያሁ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሎሚ፡ ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ከም ዝሃብናያ ኣፍሊጠ፡" ብምባል'ዩ ተዛሪቡ።
"ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ [ጊዴወን] ሳኣርን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማሊላንድን ሓባራዊን ሓድሕዳዊን ኣዋጅ ፈሪምና። ንህዝቢ ሶማሊላንድ፡ ዓወት፡ ብልጽግናን ናጽነትን እምነየሎም፡" ክብል ነታንያሁ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ሶማሊላንድ ካብ ዓባይ ሶማልያ ናጽነታ ብምእዋጅ ናይ ባዕላ ምምሕዳር ብምቛም ንልዕሊ 30 ዓመታት ክትከይድ'ኳ እንተጸንሐት ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።
እቲ ስጕምቲ ብጻዕርታት ትካል ስለያ ወጻኢ እታ ሃገር (ሞሳድ) ክፍጸም ከም ዝተኻእለ'ውን እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ጠቒሱ'ሎ።
ክልቲአን ሃገራት "ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክምስርታ ተሰማሚዐን ነይረን፤ እዚ ድማ ምሻም ኣምባሳደራትን ምኽፋት ኤምባሲታትን ዘጠቓልል እዩ፡" ክብል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳኣር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ዝመርሖ ምኒስትሪ "ኣብ ሰፊሕ ዓውድታት ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ትካላዊ ንምግባር ብቕልጡፍ ስጕምቲ ክወስድ መምርሒ፡" ከም ዝሃቦ'ውን ኣመልኪቱ።
ብወገን ሃርጌሳ'ውን ነቲ ውሳነ ብሓጎስ ከም ዝተቐበልዎ መንግስቲ እታ ርእሰ-ምምሕዳር ኣፍሊጡ'ሎ።
በዚ ምዕባለ ከም ዝተሻቐለ ዝገለጸ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ግን፡ ሶማሊላንድ ዘይትንጸል ኣካል ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ኰይና ክትቅጽል እያ ኢሉ።
"ዝዀነ ይዅን ንሓድነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሶማልያ ንምድኻም ዝግበር ፈተነ ንመሰረታዊ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጻረር ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ኣህጉር ንሰላምን ምርግጋእን ኣዝዩ ሰፊሕ ጽልዋ ዘለዎ ሓደገኛ ቅድመ-ኵነት ዘቐምጥ ሓደጋ ኣለዎ፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Benjamin Netanyahu/x
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ምስ ኣብ ሶማልያ፡ ቱርኪን ጅቡቲን ዝርከቡ መዛኑኡ ብፍሉይ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ብምክያድ፡ ኣብ ዙርያ ውሳነ እስራኤል ከም ዝተዘራረቡ ተፈሊጡ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣርባዕቲአን ሃገራት፡ ንልኡላዊነትን መሬታዊ ሓድነትን ሶማልያ ዘለወን ደገፍ ብምርግጋጽ ስጕምቲ እስራኤል ነታ ሃገር ናብ ዘይምርግጋእ ዘምርሕ ምዃኑ ነቒፈን።
ኣካል ሶማልያ ዝዀነ ዞባ ናጽነቱ ክእውጅ ምግባር፡ ብዓይኒ ዓለምለኻዊ ሕጊን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ሓደገኛ ኣብነት ዝፈጥር ምዃኑ ብምጥንቃቕ፡ ነቲ ኣፍልጦ ከምዝነጽግኦ እቲ ብመገዲ ካይሮ ዝወጽአ መግለጺ ናይቶም ምኒስተራት የጠንቅቕ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እቶም ምኒስተራት ፍልስጤማውያን ካብ ዓዶም ወጻኢ ንምምዝባል ዝዓለመ ዝዀነ ይዅን መደብ ከም ዝነጽጒ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ጉዳያት ሶማሊላንድ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪን ምትፍናንን ከስዕብ ዝጸንሐ እዩ።
እስራኤል ንዓመታት ምስ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዘለዋ ዝምድና ንምድልዳል ትጽዕር'ኳ እንተነበረት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቓዛን ኣንጻር ኢራንን ሓዊሱ ዝተኻየዱ ውግኣት ግን ከም ዕንቅፋት ዲሞክራሲ ይረኣዩ ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ቀዳማይ ዕምሪ ስልጣን ትራምፕ ኣብ 2020 ዝተገብረ "ስምምዓት ኣብርሃም" ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕ ስዒቡ፡ ኣብዝሓ ኣስላም ዝነብሩለን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሞሮኮን ምስ እስራኤል ዘለወን ዝምድና ናብ ንቡር ክመልሳ እንከለዋ፡ ካልኦት ሃገራት ድማ ድሒረን ተጸንቢረን።

ምንጪ ስእሊ, Benjamin Netanyahu
ሶማሊላንድ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ኰይና፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ገንዘብ፡ ፓስፖርትን ሓይሊ ፖሊስን ኣለዋ።
ኣብ 1991 ድሕሪ ኲናት ኣንጻር ውልቀ መላኺ ነበር ጀነራል ሲያድ ባረ ንርእሳ ካብ ሶማልያ ዝነጸለት ኰይና፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ተነጽሎ ትቃለስ ኣላ።
ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ንርእሳ ሪፓብሊክ ክትብል ዝጸንሐት ሶማሊላንድ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ማእከል ሓያሎ ዞባዊ ክትዓት ሶማልያ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝተረኣየላ ምምሕዳር ኰይና ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምሃብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገብረ ስምምዕ፡ ንሶማልያ ኣቘጢዕዋ ምንባሩ ይዝከር።
ሕጂ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዲላሂ (ዒሮ) ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ፡ ንልኡላዊነታን ናጽነታን ወግዓዊ ኣፍልጦ ንምሃብ ብሃገረ እስራኤል ንዝተወስደ ታሪኻዊን መትከላዊን ውሳነ ብሓጎስ ትቕበሎ፡" ይብል ።
ኣብ ሞቓድሾ ዘሎ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ዝቘጽር ወይ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝገብር ውሳነታት ብትሪ ክቃወሞ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ምስ ናይ ሶማልያ፡ ቱርኪን ጅቡቲን መዘናታቱ ብተለፎን ድሕሪ ዘካየዶ ልዝብ፡ ኣርባዕቲአን ሃገራት፡ ንልኡላዊነትን መሬታዊ ሓድነትን ሶማልያ ዘለወን ደገፍ ብምርግጋጽ ስጕምቲ እስራኤል ነታ ሃገር ናብ ዘይምርግጋእ ዘምርሕ ምዃኑ ነቒፈን።
ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ጉዳያት ሶማሊላንድ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪን ምትፍናንን ከስዕብ ዝጸንሐ እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)





![መሓመድ ሃጊ [የማን] ወኪል ሶማሊላንድ ኣብ ታይዋን ምስ፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ታይዋን ጆሴፍ ው](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/597E/production/_118001922_gettyimages-1228412093.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







