ካብ ኣርሰናልን ዩናይትድን መን ትስዕር፡ ካልኦት ግጥማትከ?

መበል 23 ሰሙን ጸወታታት ፕረምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ቀዳም፡ ሰንበትን ሰኑይን ክካየድ'ዩ።
ቀዳም ሓሙሽተ፡ ሰንበት ኣርባዕተ ሰኑይ ከኣ ሓንቲ ጸወታ ክካየድ መደብ ተሰሪዑ'ሎ።
ንሰሌዳ ፕረምየር ሊግ 50 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ብ7 ጸብለልታ ነጥቢ ትመርሕ ዘላ ኣርሰናል፡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታ ንማንቸስተር ሲቲ ብምስዓር ብ35 ነጥቢ መበል ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ማንቸስተር ዩናይትድ ዓዲማ ጸወታ ከተካይድ'ያ።
ተንታኒ ቢቢሲ ስፖርት ክሪስ ሳቱን ነዚ ዓሰርተ ጸወታታት ዝሃቦ ግምት ይስዕብ።
ቀዳም
ዌስት ሃም ምስ ሳንደርላንድ
ኣብ መኽፈቲ ጸወታታት ፕረምየር ሊግ እዚ ዓመት ሳንደርላንድ ንዌስት ሃም 3 ብዜሮ ክትድህኻ ክኢላ ነይራ'ያ።
ዌስት ሃም መበል 18 ሳንደርላንድ ከኣ ታሽዓይ ደረጃ ሒዘን'የን ነዚ ጸወታ ክኣትውኦ።
ዌስት ሃም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቶተንሃም ክትስዕራ ክኢላ ነይራ'ያ።
ሳንደርላንድ ከኣ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ጽቡቕ ውጽኢት ካብ ዝርሕቓ ነዊሕ'ያ ኣቝጺራ ኣላ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዝዀነት ጋንታ ንልዑል ግምት ዝተዋህባ'ውን እንከይተረፈ ክትስዕር ስለ ዝርኣና ንሓደ ጸወታ ክትግምት ከቢድ ካብ ዝገብሮ'ዩ።
ግምት ክሪስ ሳቱን፡ 1 - 1
በርንለይ ምስ ቶተንሃም
ቶተንሃም ብሰሉስ ምሸት ኣብ ጸወታታት ሻምፕዮን ሊግ ዋላ ደኣ ንቦርስያ ዶርትሙን ትስዓራ'ምበር፡ ኣሰልጣኒኣ ቶማስ ፋራንክ ሕጂ'ውን ካብ ጸቕጢ ኣይተናገፈን።
በርንለይ ንድሕሪት ከይትምለስ ኣብ መበል 19 ደረጃ ተሰሪዓ ፈንጠርጠር'ያ ትብል ዘላ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሊቨርፑል ማዕረ ብምፍልላይ ከኣ ጐሮሮ መቐናቕንታ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ኣርእያ'ያ።
እዛ ጋንታ ኣብ ፕረምየር ሊግ ንምጽናሕ ኣብ ሜዳኣ እትገብሮ ጸወታታት ወሳኒ'ዩ።
ግምት ክሪስ ሳቱን፡ 0 - 0
ፉልሃም ምስ ብራይተን
እዘን ጋንታታት ኣብ ሰሌዳ ፕረምየር ሊግ መበል 11፣ ከምኡ ከኣ 12'የን ዘለዋ። ኣብ ቀዳማይ እግረን'ውን ማዕረ'የን ወጺአን ነይረን።
ፉልሃም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሊድስ ዩናይትድ'ኳ እንተ ተሰዓረት፡ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ክጻወቱ ዝጸንሑ ሓያለ ተጻወትታ ስለ ዝተመለስዋ ደልዲላ'ያ ዘላ።
ግምት ክሪስ ሳቱን፡ 2 - 1

ማንቸስተር ሲቲ ምስ ዎልቭስ
ኣርሊንግ ሃላንድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ብራይተ ብፍጹም ቅላዕ ሸቶ ኣመዝጊቡ ነይሩ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሃጓፍ ኣዝዩ ገፊሕ ምዃኑ፡ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ በታ ኣዝዩ ትሑት ግምት ዝተዋህባ ቡዶ ግሊምት ክትሰዓር ምኽኣላ'ዩ።
ናብ ማንቸስተር ሲቲ ፈሪሙ ዘሎ ማርክ ጉሂ ንመስመር ምክልኻል እዛ ጋንታ ከደልድሎ ይኽእል'ዩ።
ኣብ ጭራ ሰሌላ ፕረምየር ሊግ እትርከብ ዎልቨስ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ጸወታታት ሓንሳብ ስዒራ ሰልስተ ግዜ ማዕረ ብምውጻኣ ፍናና በሪኹ'ሎ ክበሃል ይኽእል'ዩ፣ ንማንቸስተር ሲቲ ክምክት ዝኽእል ዓቕሚ ግን ዘለዋ ኣይትመስልን።
ግምት ክሪስ ሳቱን፡ 3 - 1
በርንማውዝ ምስ ሊቨርፑል
ሊቨርፑል ብረቡዕ ኣንጻር ማረሰይ ዋላ ደኣ ጽቡቕ ጸወታ ተርኢ'ምበር እዚ ጸወታ እዚ ግን ክኸብዳ'ዩ።
ኣብ መበል 15 ደረጃ እትርከብ በርንማውዝ'ውን ግምት ከተቐምጠላ ዝኸበደት ጋንታ'ያ።
እዚ ጸወታ እዚ ውጽኢቱ ብዘየገድስ ኣዝዩ ዓቢ ምትህልላኽ ክርኣየሉ'ዩ ዝግመት።
ግምት ክሪስ ሳቱን፡ 1 - 2
ሰንበት
ብረንትፎርድ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት
ተጻወትቲ ብረይትንፎርድ ኣብ ሜዳኦም፡ ዓቢ ምትህልላኽ'ዮም ዘርእዩ፡ እዚ ከኣ ነቲ ጸወታ ከቢድ ክገብሮ'ዩ።
ብረይንትፎርድ ስልቲ ምክልኻልን መልሰ መጥቃዕትን'ዮም ዝኽተሉ፡ ኖቲንግሃም ፎረስት'ውን ተመሳሳሊ ቅዲ ስለ ዝጥቀሙ እዚ ጸወታ ናህሪ ዘለዎ ጸወታ'ዩ ክኸውን።
ግምት ክሪስ ሳቱን፡ 2 - 1
ክሪስታል ፓላስ ምስ ቸልሲ
ኣብ መበል 13 ደረጃ እትርከብ ክሪስታል ፓላስ ዓቕማ እናማህመነ ትኸይድ ዘላ ትመስል።
ኣሰልጣኒኣ'ውን ኣብዚ ዓመት ክሓድጋ ምዃኑ'ዩ ዝንገር ዘሎ። ኣጥቃዒኣ ፍሊፕ'ውን ካብታ ጋንታ ክወጽእ ብወግዒ ሓቲቱ'ሎ።
ቸልሲ'ውን ኣብ ጽቡቕ ቍመና ኣይኰነትን ዘላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘካደቶ 5 ጸወታታት 10 ነጥቢ ከሲራ 5 ነጥቢ ጥራይ'ያ ከተዋህልል ክኢላ።
ነዚ ጸወታ ግን ብዓወት ክትወጽኦ ከም እትኽል ተገሚታ ኣላ።
ግምት ክሪስ ሳቱንን፡ 0 - 1

ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ኣስቶን ቪላ
ኣስቶን ቪላ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኤቨርተን ክትስዓር ምኽኣላ፡ ንጸወታታት ፕረምየር ሊግ ምግማት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘርኢ'ዩ።
ብማንቸስተር ሲቲ ብጸብለልታ ሸቶ ተበሊጻ ብ43 ነጥቢ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትርከብ ኣስቶን ቪላ፡ ኣብ ሜዳኣ ኣብ ዝካየደቶ ዝሓለፈ 11 ጸወታታት ፈጺማ ኣይተሰዓረትን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ንኤቨርተን ስዒራታ ነይራ'ያ።
እንተዀነ፡ ኣስቶን ቪላ ሓያለ ተጻወትቲ ብማህረምቲ ከሲራ ኣላ። በዚ ምኽንያት ከኣ ነዚ ጸወታ ኒውካስል ብዓወት ክትወጽኦ ተገሚታ'ላ።
ግምት ክሪስ ሳቱን፡ 2 - 1
ኣርሰናል ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ
ሓዲሽ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ማይክል ካሪክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ቀንዲ መቀናቕንቲ እታ ጋንታ ዝዀነት ማንቸስተር ሲቲ ዓወት ብምጕንጻፉ ርእሱ ኣቕኒዑ ዝኣትዎ ጸወታ'ዩ።
እንተዀነ፡ እታ ናብ ሜዳኣ ትዕድሞ ዘላ እታ ብ15 ነጥቢ ትበልጾ ኣርሰናል'ያ።
በዚ ከኣ ካብ ሜዳ ኣርሰናል ነጥቢ ሒዙ ክወጽእ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ'ዩ።
ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ኖቶንሃምፎረስት ማዕረ ወጺኣ ነጥቢ ከሲራ ነይራ'ያ፣ እንተዀነ እተን ድሕሪኣ ዝነበራ ማንቸስተር ሲቲን ኣስቶን ቪላን'ውን ነጥቢ ስለ ዝኸሰራ ብሸውዓተ ነጥቢ ፍልልይ ነዚ ሊግ ትመርሖ ኣላ።
ሕጂ ግን ኣርሰናል ነጥቢ ትኸስር ኣይትመስልን'ያ።
ግምት ክሪስ ሳቱን፡ 2 - 0
ሰኑይ
ኤቨርተን ምስ ሊድስ
ኣብዚ ዓመት ክትግምተን ኣሸገርቲ ካብ ዝዀና ጋንታታት እታ ሓንቲ ኤቨርተን'ያ።
ጃክ ግሪሊሽ ብሰንኪ ማህረምቲ ካብዚ ጸወታ ከም ዝበኵር ርጉጽ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ቀዳማይ ርክበን ተጻወትቲ ሊድስ ሓደ ብዜሮ ክስዕሩ ክኢሎም ነይሮም'ዮም።
ሕጂ ግን ኣብዚ ጸወታ ማዕረ ክወጽኣ ከም ዝኽእላ ክሪስ ሳቱን ግምቱ ሂቡ ኣሎ።
ግምት ክሪስ ሳቱን፡ 1 - 1



![ኤሪክ ትራምፕ [ጸጋም] ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1d99/live/d6036490-f864-11f0-9796-05e6aeca39b2.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







