ኣመሪካ፡ ብዛዕባ'ቲ ብሰብመዚ ኢሚግሬሽን ዝተቐትለ ግዳይ እንታይ ንፈልጥ?

ኣለክሲስ ፕረቲ

ምንጪ ስእሊ, Michael Pretti/AP

ኣብ ኣመሪካ ከተማ ሚኒያፖሊስ፡ ሓለፍቲ ፈደራል ኢሚግሬሽንን ኣኽበርቲ ጉምሩክን ብቀዳም ሓደ ሰብ ብጥይት ምቕታሎም ስዒቡ ኣብታ ከተማ ዝተለዓለ ቁጥዐ ተጋዲዱ ኣሎ።

እቲ ግዳይ ወዲ 37 ዓመት ነርስ ኣሌክስ ፕረቲ ኰይኑ፡ ኣብታ ከተማ ዝተቐትለ ካልኣይ ሰብ ኮይኑ ኣሎ።

ዜግነት ኣመሪካ ከምዝነበሮ እውን ሰብመዚ ገሊጾም።

ኣብ መንጎ ሓለውቲ ዶብን እቲ ሰብኣይን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ድሕነት ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሰብኣይ ዝሓዞ ሽጉጥ ከረክብ ስለዘየደለየ እቶም መኮንናት ንነብሶም ንምክልኻል ከምዝተኰሱ የመልክት።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ስድራቤትን እዚ ጸብጻብ ቅኑዕ ከምዘይኰነ ይዛረቡ። ሞባይል እምበር ሽጉጥ ኣይሓዘን ይብሉ።

ስድራቤት እቲ መዋቲ፡ መንግስቲ "ኣዝዩ መሪር ሓሶት" ከም ዝዘርግሐ ብምኽሳስ፡ "በጃኹም ብዛዕባ ወድና ሓቂ ተዛረቡ" ክብሉ ተላብዮም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሪኔ ጉድ ዝተባህለት ኣመሪካዊት ዜጋ፡ ብሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን ከምዝተቐተለት ይዝከር።

እዚ ፍጻመ ዘስዓቦ ተቓውሞታት ስዒቡ፡ ሰበስልጣንን ነበርትን እቲ ከባቢ፡ ሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን ካብታ ከተማ ክወጹ ጠለብ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ኣብቲ ብቀዳም ዘጋጠመ ቅትለት፡ እቶም መኮንናት "ዕላማ ዝገበረ" ስርሒት ማእሰርቲ የካይዱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣሌክስ ፕረቲ፡ ፕረቲ "9 ሚሜ ሓውሲ ኣውቶማቲክ" ሽጉጥ ሒዙ ከምዝተጸግዖም ሓላዊ ዶብ ግሬግ ቦቪኖ ከምዝበሎ ገሊጹ።

ሓለውቲ ዶብ "ንርእሰ ምክልኻል" ክብሉ ከምዝተኮሱ'ውን ሓቢሩ።

ኣብ ኢንተርኔት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ፕረቲ ነቶም መኮንናት ብተሌፎኑ ክቐርጾም ከሎን ተዓዘብቲ ክጭድሩን ከለዉ የርእዩ።

ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክደፍኣ ይርአ። ፕረቲ ብሓንቲ ኢዱ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ብካልእ ኢዱ ድማ ቴለፎን ሒዙ ነቶም መኮንናት ክርፆም ክፍትን ይረአ።

ኣብ ሓያሎ ቪድዮታት ፕረቲ ሽጉጥ ሒዙ ኣይርኣይን። ብድሕሪኡ እቶም ቪድዮታት ብውሕዱ ሽዱሽተ ኣባላት ፖሊስ ንፕረቲ ናብ መሬት ክደፍእዎን ሓደ መኮነን ድማ ብተደጋጋሚ ሽጉጥ ክተኩስን የርእዩ።

ብድምር ዓሰርተ ተኹሲ ይስማዕ።

ሚኒስትሪ ድሕነት ሃገር፡ ምስሊ ናይ ፕረቲ ሽጉጥ እዩ ዝበሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊሉ ኣሎ።

ወለዲ ኣሌክስ ፕረቲ ብዛዕባ ወዶም እቲ "ሓቂ" ክወጽእ ጸዊዖም ኣለዉ።

ንሳቶም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ልብና ተሰይሩ፡ ኣዚና ሓዚንና" ከምዝበሉ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢረን።