ሰብ መዚ 'ኣይስ' ንወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓን ኣቡኡን ከምዝቐየዱ ጠበቓ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Columbia Heights Public Schools
ሰብ መዚ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ኣመሪካ [ኣይስ] ብሰሉስ ንወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ ከም ዝኣሰሩ ሰብ መዚ ኣብያተ ትምህርቲ ሚኒሶታን ጠበቓ ስድራቤት ናይቲ ዝተኣሰረ ቈልዓን ሓቢሮም።
እቶም ሰብ መዚ ኣይስ ነቲ ኣድርያን ኣሌክናደር ኮንጆ ዝተባህለ ኣቦ፡ እቲ ኣብ ኣዚለ ዝመሃር ልያም ራሞስን ብመኪና ናብ ገዛኡ እናኣተወ እንከሎ'ዮም ደው ኣቢለሞ።
ኣይስ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ነቲ ህጻን ንምሓዝ ዕላማና ኣይነበረን" ድሕሪ ምባል እንተዀነ፡ ነቲ 'ዘይሕጋዊ' ዝዀነ ኣቡኡ ንምሓዝ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ነቲ ቈልዓ ሓዲግዎ ከም ዝሃደመ ገሊጾም።
ሓንቲ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ቈልዓ ዝምሃረሉ ቤት ትምህርቲ ዝዀነት ዘና ስተንቨክ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ "ንምንታይ'ዮም ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ ዝኣስሩ?" ድሕሪ ምባል፡ "መቸም፡ እዚ ህጻን ገበነኛ እዩ ወይ ገበነኛ ክኸውን'ዩ ኢልኩም ኣይክትነግሩናን ኢኹም፡" ኢላ።
ሰብ መዚ ኣይስ "ሓደ ገበነኛን ዘይሕጋውን ካብ ኣይስ ክሃድም ንውላዱ ኣብ ብርቱዕ ቁሪ ሓዲግዎ ምስ ሃደመ ሰብ መዚ፡ እቲ ቈልዓ ብጽቡቕ ከም ዝተሓዝ'ዮም ገይሮም፡" ኢሎም።
ብምስዓብ "ሰብ መዚ ኣይስ እቶም ስድራ ኣብ ገዝኦም ክትሓዙ እቲ ቈልዓ ከኣ ምስ ኣይስ ክጸንሕ ተደጋጋሚ ፈተነታት ኣካይዶም'ዮም። እቲ ኣቦ ግን እቲ ቈልዓ ምስኡ ክኸውን ከም ዝደልዮ'ዩ ገሊጹ፡" ኢሎም።
ካብቲ እቲ ቈልዓ ዝምሃረሉ ቤት ትምህርቲ ናብ ቢቢሲ ዝበጽሐ ስእሊ፡ እቲ ልያም ራሞስ ዝተባህለ ቈልዓ ኣብ እዋን ቁሪ ዝኽደን ክዳን ለቢሱ፡ ብዓል መዚ ኣይስ ብቦርስኡ ሒዝዎ እንከሎ'ዩ ዘርኢ።
ጠበቓ ስድራ እቲ ቈልዓ ዝዀነ ማርክ ፕሮኮሽ፡ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ልያምን ኣቡኡን ኣብ ቴክሳስ ሳን ኣንቶንዮ ኣብ ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ከም ዘለዉን ኣኽባሪ ሕጊ ክረኽቦም ይፍትን ከም ዘሎን ገሊጹ።
ማርክ ፕሮኮሽ እቲ ቈልዓን ኣቡኡን ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምርካብ ኣብ 2024 ካብ ኢኳዶር ናብ ኣመሪካ ከም ዝኣተዉ ሓቢሩ።
"እዛ ስድራ ካብ ኣይስ ኣይተኸወለትን፡ ኩሉ እቲ ዝጥለብ ፕሮቶኮላት ከተማልእ ጸኒሓ'ያ፡" ኢሉ።
ሰብ መዚ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ኣይስ ነቲ ቈልዓ ሒዞም ናብ ገዛኡ ብምውሳድ፡ ነቲ ማዕጾ ኳሕኳሓዮ ብምባል ካብ ውሽጢ ሰብ እንተሎ ክፈልጡ ፈቲኖም።
ኣብቲ እዋን እቲ ቈልዓ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛኡ ይኣቱ ከም ዝነበረ ዘና ስተንቨክ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።
ንሳ፡ ሓደ ኣብቲ ገዛ ዝነብር እኹል ሰብ ነቲ ቈልዓ ክወስዶ'ኳ እንተሓተተ፡ እቶም ሰብ መዚ ኣይስ ግን ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።
ኣባል ቦርድ እቲ ቤት ትምህርቲ መሪ ግራንሉንድ'ውን እዚ ኩሉ ክኸውን እንከሎ ኣብቲ ቦታ ስለ ዝነበረት፡ ነቶም ሰብ መዚ ኣይስ ንልያም ራሞስ ባዕላ ክትቕበሎምን ምስኣ ክትወስዶን'ኳ እንተሓተተት ንሶም ግን ንሕቶኣ ብምንጻግ ነቲ ቈልዓ ከም ዝኣሰርዎ ሓቢራ።
ምክትል ፕረዚደንት ጄይዲ ቫንስ ብሓሙስ ናብታ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ብሓይሊ ምእሳርን ምጥራዝን ተቓውሞ ዝካየደላ ዘሎ ሚኒሶታ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "እቲ ኣቦ ስለ ዝሃደመ ሰብ መዚ ኣይስ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን፡" ኢሉ።
ብምስዓብ "እንታይ ድኣ ክገብሩ ነይርዎም? እቶም ሰብ መዚ ኣይስን ነቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ብቁሪ ከርዲዱ ንኽመውት ክገድፍዎ ነይርዎም? ስርሖም ኣብ ኣመሪካ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምእሳርዶ ኣይኰነን?" ብምባል'ዩ እቲ ስጕምቲ ቅኑዕ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ "እቲ ዘሎ ክትዕ፡ ዋላ ዘይሕጋውያን ይኹኑ ቈልዑ ስለ ዘለውዎም ክእሰሩ የብሎምን ዝብል እንተዀይኑ፡ ዋላ ሓንቲ ስምዒት ዝህብ ሓሳብ ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ዘና ስተንቨክ ሰብ መዚ ኣይስ ኣብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣብያት ትምህርቲ ወዲ 10 ዓመት፡ ክልተ ከኣ ደቂ 17 ዓመት ዝርከብዎም ኣርባዕተ ተመሃሮ ከም ዝኣሰሩ ሓቢራ።
ንሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እዚ ሰብ መዚ ኣይስ ኣብዚ ማሕበረሰብ ዝገብርዎ ዘለዉ ንጥፈታት ኣብ ተመሃሮ ነባሪ ፍርሒ የስዕብ ኣሎ፡" ኢላ።
ሓደ ካብ ሰብ መዚ ጸጥታ ኣመሪካ [ዲኤችኤስ] ዝዀነ ግሪጎሪ ባቪኖ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ "እቲ ንሕና እንገብሮ ስርሒት ሕጋዊ፡ ዕላማ ዝገበረን ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ስግኣት ናይ ጸጥታ ዝዀነ ዘነጻጸረን'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ሜትሮ ሰርጅ ተባሂሉ ዝተሰየመ ስርሒት ተበግሶ ምትግባር ኢሚግሬሽን፡ ካብ ነበርቲ ሚኒያፖሊስ፡ ሴንት ፖልን ካልኦት ከተማታት እታ ግዝኣትን ከበድቲ ተቓውሞታት ኣስዒቡ ይርከብ።
ብ7 ጥሪ ኣብ ሚኒያፖሊስ ሓደ መኮነን ፌደራል ፖሊስ ንሓንቲ ሬኔ ጉድ ዝተባህለት ኣመሪካዊት ሰበይቲ ብጥይት ሃሪሙ ቀቲልዋ።
እዚ ድማ ካብ ሰበስልጣን እቲ ከባብን ነበርትን ተቓውሞን ውግዘትን ኣስዒቡ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ እታ ጓል 37 ዓመት ሰበይቲ ነታ መኪንኣ ከም ኣጽዋር ትጥቀመላ ከም ዝነበረትን፡ እቲ መኮነን ድማ ንነብሱ ንምክልኻል ግብረመልሲ ኣብ ዝሃበሉ ከም ዝተቐተለት ብምሕባር፡ እቲ ጌጋ ናይታ መዋቲት ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ብሓሙስ 7 ኣባለት ዲሞክራት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ምስ ሪፓብሊካን ኰይኖም ንኣይስ ዝርከቦም መንግስታዊ ትካላት 1.2 ትሪልዮን ዶላር ከውሃብ ኣድሚጾም።
ካብዚ እቲ 10 ቢልዮን ዶላር ንኣይስ ዝውሃብ'ዩ ክኸውን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







