ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ዝተነግሮም ኢትዮጵያውያን ዕጫኦም እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣመሪካ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ረኺቦም ክሰርሑ ዘፍቅድ ዝነበረ ኣሰራርሓ ከብቅዕ መንግስቲ ኣመሪካ ወሲኑ ኣሎ።
ብምኽንያት ኲናት ትግራይ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንኢትዮጵያውያን ሓተትቲ ዕቝባ ዝተዋህበ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ስዒቡ፡ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ተዋሂብዎም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ድማ 60 መዓልታት ተዋሂብዎም።
ምኒስተር ድሕነት ኣመሪካ ክሪስቲ ኖኣም፡ እቲ ውሳነ ኵነታት እታ ሃገር ድሕሪ ምግምጋምን ምስ ዝምልከቶም ትካላት መንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምምኽኻርን፡" ዝተወስደ ከም ዝዀነን፡ ኢትዮጵያ ንግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ዘድልዩ ረቋሒታት "ዘይተማልእ" ምዃናን ገሊጻ።
ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ካብ ኣመሪካ ውጽኡ ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን ዕጫኦም እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ እንታይ ዓይነት ቅድመ-ዅነት ኣለዎ? ኣብ ኣመሪካ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝሰርሐ ጠበቓ ምሉኣለም ጌታቸው ኣደገ ኣዘራሪብናዮ።
ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ እንታይ እዩ? ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት እዩ ዝፍቀድ?
መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ 1991 እዩ ግዝያዊ ሓለዋ ወይ ዕቝባ ክህብ ጀሚሩ።
እዚ መሰል እዚ ነቶም ኣብ ዓዶም ግጭት፣ ውግእ፣ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ወይ ካልእ ንድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ፍጻመታት ዘጋጠሞም ስደተኛታት ዝወሃብ እዩ።
ግዝያዊ ዕቑር ደረጃ ወይ TPS ዝተዋህበን ሃገራት፡ ሶማልያን ሶርያን (ብሰንኪ ኲናት) ከምኡ'ውን ኤል ሳልቫዶር (ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ መሬት) ይርከብአን።
ገለ ሃገራት ክሳብ 20 ዓመት ሓለዋ ተዋሂብወን ኣሎ፣ ንኣብነት ግዝያዊ ሓለዋ ሶማልያ ካብ 1994 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ይርከብ።
"ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ግዝያዊ እዩ። ቀዋሚ ክኸውን ዝተዳለወ ኣይኰነን፡" ይብል ጠበቓ ምሉኣለም ጌታቸው።
ክፍሊ ድሕነት ኣመሪካ በብእዋኑ ንስደተኛታት ዝኸውን ግዝያዊ ሓለዋ የሐድስ። እቶም ሓለዋ ዝተዋህቦም ኣብ ኣመሪካ ናይ ምስራሕ መሰል ኣለዎም።
ግዝያዊ ሓለዋ ከም መንበሪ ፍቓድ ወይ ዜግነት ኣይቍጸርን እዩ። እቶም ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ዘለዉ፡ ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ወይ ድማ ካልእ ዓይነት ናይ ስደተኛታት/ናይ ዕቝባ ሓለዋ ምስ ተወድአ ናይ ሓለዋ ግዜኦም ከመልክቱ ኣለዎም።
መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ሕጋዊ ሓለዋ ንኢትዮጵያውያን ንመጀመርታ ግዜ ብ11 ጥቅምቲ 2015፡ ን18 ኣዋርሕ ክህቦም ጀሚሩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ኣመሪካ ሕጋዊ መንበሪ ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ብቐንዱ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተፈጠረ ግጭ፡፣ እንተላይ ኲናት ትግራይ፣ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ እናተዋህቦም ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ።
ልክዕ ከም ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ሓለዋ ዝኣተዋ ሃገራት፡ ሄይቲ፡ ቬንዙዌላ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ካሜሩን፡ ሱዳን፡ ዩክረይን፡ ኤል ሳልቫዶር፡ ሆንዱራስን ኒካራጓን ይርከብአን።
ቅድሚ ሕጂ ካብ ላይበርያ፡ ቦዝንያ-ሄርዘጎቪናን ኩዌትን ዝመጽኡ ሰባት ይወሃቦም ነይሩ።
ንኢትዮጵያውያን ተዋሂቡ ዝነበረ ግዝያዊ ሓለዋ
ምሉኣለም ከም ዝብሎ፡ ኢትዮጵያ ብ12 ታሕሳስ 2022 እያ ናብዚ መደብ ኣትያ። እዚ ድማ ቅድሚ ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣመሪካ ንዝኣተዉ ሰባት ዝተዋህበ እዩ።
እዚ ፍቓድ ምምሕዳር ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ን18 ኣዋርሕ ከናውሖ እንከሎ፡ ግዜ ገደብ እዚ መደብ ድማ ብ12 ታሕሳስ 2025 ኣኽቲሙ።
"እዚ ማለት ግን 12 ታሕሳስ ግዜኡ ክውዳእ እዩ ማለት ኣይኰነን። ብመሰረት ክፍሊ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ 12 ለካቲት 2026 እዩ ከብቅዕ፡" ክብል ኣብሪሁ።
በዚ መሰረት ግዝያዊ ሓለዋ ዝግበረሎም ሰባት ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ 60 መዓልታት ተዋሂብዎም ኣሎ። እቶም ድሕሪኡ ዝተረፉ "ካብቲ ሓለዋ ወጻኢ" ከም ዝዀኑ እቲ ጠበቓ ይረዛብ።
ካብ ኢትዮጵያ ዝወጽኡ ኣስታት 5,000 ኢትዮጵያውያንን ዘይኢትዮጵያውያንን ኣብ ትሕቲ እዚ ሓለዋ ከም ዝነበሩ ተገሊጹ።
እቲ ሓለዋ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኰነስ፡ መዕለቢኦም ኢትዮጵያ (ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ) ዜጋታት ካልኦት ሃገራት እውን እዩ ዝወሃብ ነይሩ።
"ፓስፖርቶም ኢትዮጵያዊ እንተ ዘይኰይኑ'ውን ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ከለwu፡ ንሓደጋ ከይቃልዑ ይከላኸለሎም፡" ይብል እቲ ክኢላ።
እቲ ግዝያዊ ጻንሖት፡ ፍቓድ ስራሕ ስለ ዘጠቓልል፡ ንሽዱሽተ ወይ 18 ኣዋርሕ ወይ'ውን ንኽልተ ዓመት ከይተረፈ ክሰርሑ ይኽእሉ።
ብመሰረት ጠበቓ ምሉኣለም፡ ቍጽሪ ናይቶም ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ዝነበሩን ኣብ ካልእ ሓለዋ ስደተኛታት/ሓተቲ ዕቝባ ዘይተኻተቱን ኢትዮጵያውያን "ኣስታት 1000" እዩ።
ኣስታት 5,000 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ እዚ ሓለዋ ይርከቡ እኳ እንተ ተባህለ፡ እቶም ዝበዝሑ ግን ብዘይካ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ኣብ ካልእ ናይ ሓለዋ ኣገባባት ይካተቱ።
ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን "ብዙሓት ኣይኰኑን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ቍጽሪ ናይቶም ካብ ሶማልያ ከለላ ዝተዋህቦም ሰባት 700,000፡ ካብ ቬንዙዌላ 600,000፡ ካብ ሄይቲ ድማ 500,000 ይግመት።
እቲ ክኢላ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ሓለዋ ናይ ተመሃሮ ቪዛ (F1) ወይ ካልእ መከላኸሊ ዘለዎም ሰባት ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ "ቲፒኤስ ዝደልዩ፡ ግዝኦም ምስ ኣኸለ [ናብ ሃገሮም] ንዘይምምላስን ናይ ስራሕ ፍቓድ ንምርካብን'ዩ፡" ክብል ይገልጽ።
ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክትሓትት ትኽእል።
ካብ ካልእ መከላኸሊታት ንላዕሊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ንምርካብ ዝቐልጠፈ መንገዲ እዩ፤ ገደብ ኣልቦ ናይ ስራሕ ፍቓድ ስለ ዘውህበካ ድማ ኣብ ዝዀነ ዓውዲ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።
እዚ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ንኢትዮጵያውያን ክወሃብ ከሎ ኣስታት 27,000 ኢትዮጵያውያን ከርብሕ ትጽቢት ከም ዝነበረ ክፍሊ ድሕነት ኣመሪካ ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ።
ተጠቀምቲ እዚ ሓለዋ ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን፡ እቲ ውሳነ ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ንነዊሕ እዋን ከም ዝጸንሑ ከረጋግጹ ይግደዱ ስለ ዝነበሩ፡ ድሕሪ እቲ ዝተጠቕሰ ግዜ ናብ ኣመሪካ ምእታው ከም ዘይጠቕሞም ተገሊጹ ነይሩ።
ካብ ካልኦት ሓለዋታት ስደተኛታት ብኸመይ ይፍለ?
ኢትዮጵያውያን ነቲ ሓለዋ ንምርካብ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣመሪካ ከም ዝተጓዕዙ መርትዖ ከቕርቡ ይግደዱ።
እቲ ሓለዋ ቅድሚ ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣመሪካ ንዝኣተዉ ሰባት ዝተዋህበ እዩ፤ እዚ ሕጋዊ ሓለዋ ኣብ ቦታኡ ንክቕጽል፡ ናብ ኣመሪካ ምስ ኣተዉ ብተኸታታሊ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ኣለዎም።
ንኣብነት፡ ናብ ኢትዮጵያ ወይ ካልእ ሃገር እንተ ገይሾም ሓለዋኦም ከም ዝቋረጽ እቲ ጠበቓ የረድእ።
ብዘይካ ነቶም ቅድሚ ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣመሪካ ንዝኣተዉ፡ ቅድሚ 11 ሚያዝያ 2024 ናብ ኣመሪካ ንዝኣተዉ ዝወሃብ ሓለዋ ከም ዘሎ እቲ ጠበቓ ጠቒሱ፤ እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ኣመሪካ ከይወጽኡ ክጸንሑ እውን ይግደዱ።
"እቲ ሓለዋ፡ ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ንዝመጽኡ ሰባት ሓደገኛ እያ ብዝብል ብመንግስቲ ዝወሃብ እዩ። legal notice [ሕጋዊ ምልክታ] እዩ፡" ይብል።
እዚ ማለት፡ ሓለዋ ዝተዋህቦም ሰባት፡ ከም ካልኦት ሓተትቲ ዕቝባ፡ 'ናብ ኢትዮጵያ እንተ ተመሊሰ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ'የ' ዝብል መርትዖ ምቕራብ ኣየድልዮምን እዩ።
"መንግስቲ ሓደገኛ ምዃኑ ተገንዚቡ ሓለዋ ስለ ዝሃበ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሃገሮም ምምላስ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእትዎም ከእምኑ ሕጋዊ ጾር የብሎምን።"
ዕጫ ናይቶም 'ውጽኡ` ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ብመሰረት ጠበቓ ምሉኣለም፡ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ዝተነግሮም ኢትዮጵያውያን ናብ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ዘይኰነ ኣገባባት ዕቝባ ክምለሱ ይኽእሉ።
"ኣብ ውሽጢ እቲ 60 መዓልታት ደረጅኦም ናብ ዕቝባ ወይ ካልእ 'ኵነታት' ክቕይሩ ይኽእሉ'ዮም፡ እንተዀነ፡ ሓለዋ ከም ዘድልዮም ዘርኢ መርትዖ ከቕርቡ ኣለዎም።"
እቲ ዘቕርብዎ መርትዖ ሓሶት እንተዀይኑ ንመንግስቲ ኣመሪካ ምትላል ገበን ስለ ዝዀነ ኣብ መጻኢ ክወሃብ ዝኽእል ሓለዋ ስደተኛታት ክስእኑ ይኽእሉ።
እቶም ዕቝባ ክሓቱ ዘይደልዩ ክሳብ 12 ለካቲት 2026 ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ኣለዎም።
ነቲ ክኢላ ሕጊ ብዛዕባ'ቲ ክፍሊ ድሕነት ሃገር ብወለንታኦም ካብ ኣመሪካ ዝወጽኡ ሰባት 1,000 ዶላር ክወሃቦም ምዃኑ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቲትናዮ።
እዚ ኣገባብ'ዚ ንኢትዮጵያውያን ከም ዘይምልከት ድማ ገሊጹ።
ብወለንታኦም ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ዝደልዩ (voluntary departure) ኢትዮጵያውያን ዓማዊሉ ብዝምልከት ንመንግስቲ ኣመሪካ ሓበሬታ እኳ እንተሃበ፡ "ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወለንታ ናይ ምብጋስ ስምምዕ ስለ ዘየሎ ናይ ባዕሎም ትኬት ክገዝኡ ኣለዎም፡" ዝብል መልሲ ከም ዝተዋህቦ ሓቢሩ።
1,000 ዶላር ምሃብ ዝብል ኣገባብ፡ "ንኢትዮጵያውያን ዝሰርሕ ኣይመስልን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኢትዮጵያውያን ክህልዎም ዝኽእል ሓደ ሕጋዊ ኣማራጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት ኣይተመሓየሸን፡ ናይ 60 መዓልታት ትእዛዝ ቅኑዕ ኣይኰነን ብምባል ኣብ ቤትፍርዲ ምክታዕ እዩ።
"ናብ ቤትፍርዲ እንተኸይዶም፡ [ካብ ኣመሪካ ምውጻእ] ንገለ ኣዋርሕ ከናውሖ ይኽእል'ዩ፡" ይብል እቲ ጠበቓ።
ካልእ ኣማራጺ ድማ መንግስቲ 1,000 ዶላር ክህብ ቃል ኣትዩ፤ ግን ኣይከኣለን ብምባል ምኽሳስ እዩ።
"መንግስቲ ኣታሊሉና እናበሉ ናብ ቤትፍርዲ ክወስድዎ ይኽእሉ እዮም።"
ሶርያን ቬንዙዌላን ካብተን ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋአን ብምልዓል ነቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ዘቕረባ ሃገራት እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







