ኣመሪካ፡ንሕቶ ቪዛ ትሕጃ ገንዘብ እተገድደለን ሃገራት ኣፍሪቃ ወሲኻ

ባንዲራ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ ቪዛ ንምርካብ ገንዘብ ከትሕዙ (ትሕጃ) ኣለዎም ዝበለቶም ዝርዝር ሃገራት ኣፍሪቃ ትውስኽ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ጠለብ ትሕጃ ቪዛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓምለ እዩ ተግባራዊ ኰይኑ።

እዚ ጠለብ እዚ፡ ዜጋታት ዝተወሰና ሃገራት ቪዛ ኣመሪካ ክሓቱ እንከለዉ ክሳብ 15 ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ ከትሕዙ ይሕትት።

እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተዘርግሐ ዝርዝር፡ 38 ሃገራት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ካብዚአን እተን 24 ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።

መንግስቲ ኣመሪካ ዜጋታተን በዚ መስርሕ ክሓልፉ እዮም ዝበለተን ተወሳኺ ሃገራት ኣልጀርያ፡ ኣንጎላ፡ ባንግላድሽ፡ ቤኒን፡ ብሩንዲ፡ ኬፕ ቨርደ፡ ኩባ፡ ጅቡቲ፡ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ፡ ፊጂ፡ ጋቦን፡ ኣይቮሪኮስት፡ ኪርጊስታን፡ ኔፓል፡ ናይጀርያ፡ ሰኔጋል፡ ታጂኪስታን፡ ቶጎ፡ ኡጋንዳ፡ ቫኑቱ፡ ቬንዝዌላ፡ ከምኡ'ውን ዚምባብወ እየን።

ብመሰረት እዚ መስርሕ ስሩዕ ናይ ስራሕን ቱሪስትን ቪዛ ዘመልክቱ ዜጋታት እዘን ሃገራት፡ ከከም ውሳነ እቲ ጉዳዮም ካብ 5 ክሳብ 15 ሽሕ ዶላር ከትሕዙ እዮም።

እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መወዳእታ ሓምለ ዕላዊ ዝተገብረ መስርሕ ቪዛ ብቐንዱ ንቡታን፡ ቦትስዋና፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ጋምብያ፡ ጊኒ፡ ጊኒ-ቢሳው፡ ማላዊ፡ ሞሪታንያ፡ ናሚብያ፡ ሳኦ ቶምን ፕሪንቺፐን፡ ታንዛንያ፡ ቱርክመኒስታንን ዛምብያን ዝምልከት እዩ።

እቲ ዘትሕዝዎ ገንዘብ ግን ቪዛ ከም ዝረኽቡ መረጋገጺ ኣይኰነን፤ እቲ ቪዛ እንተ ተኸልኪሎም ወይ ምስ ተፈቐደሎም ክምለሰሎም እዩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት 38 ሃገራት ዘንበሮ እዚ ረቛሒ፡ ካብ ዝተፈቐደሎም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ኣመሪካ ዝጸንሑ ሰባት ንምቍጽጻር ዝዓለመ ምዃኑ ሰበስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ።

እዚ ገንዘባዊ ግዴታ ግን ናብ ኣመሪካ ንቤተሰብ፡ ስራሕን ካልእ ዕላማን ንምብጻሕ ኣብ ዝገሹ ሰባት ዕንቅፋትን ከቢድ ጾር ክፈጥርን እዩ ዝብል ቅሬታታት ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተፈላለዩ ተሪር ኣሰራርሓታት ተግባራዊ ብዝገበረ ኰይኑ፡ ገለ ካብዚኦም ናብ ኣመሪካ ዝገሹ ወጻእተኛታት ዜጋታት ብኣካል ቃለ መሕትት ብምግባርን ኣመልከትቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘግሕዎ መልእኽትታት ምግምጋምን ይርከብዎም።

ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ኣብ ዘውጽኣቶ እገዳ መገሻ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ተኻቲተን እየን።

መንግስቲ ኣመሪካ ሃገራዊ ድሕነቱ ንምሕላው ዝኣገደን ሃገራት ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን ይርከባአን።

እንተዀነ፡ እተን ሰለስተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብወገነን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣመሪካ እገዳ መገሻ ከምዘንበራ ይፍለጥ።