ኣመሪካ በብዓመቱ ንወጻእተኛታት ትህቦ ዝነበረት መደብ 'ዲቪ' ተሰሪዙ

ባንዴራ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ 1995 ጀሚሩ ኣመሪካ በብዓመቱ ክተካይዶ ዝጸንሐት ሎተሪ ግሪን ካርድ (ዲቪ) ተቛሪጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ብዝተፈጸመ ጃምላዊ ተዂሲ ክልተ ሰባት ምቕታሎም ስዒቡ፡ እዩ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ፕሮግራም ክቋረጽ ኣዚዙ።

እቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዝተጠርጠረን ትማሊ ሓሙስ ሞይቱ ዝተረኽበን ፖርቹጋላዊ ዜጋ፡ ኣብ 2017 ዲቪ ድሕሪ ምዕዋቱ ናብታ ሃገር ኣትዩ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ (ቀጠልያ ካርድ) ከምዝረኸበ ይፍለጥ።

ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ክርስቲ ኖኣም፡ "ድሕሪ ሕጂ ኣመሪካውያን በዚ ዘስካሕክሕ መደብ ከምዘይጉድኡ ንምርግጋጽ" እቲ መደብ ቪዛ ብትእዛዝ ትራምፕ ንግዚኡ ከምዝተቛረጸ ኣፍሊጣ።

እቲ ወዲ 48 ዓመት ክላውድዮ ኔቬስ ቫለንተ ዝተባህለ ፓርቹጋላዊ ጥርጡር፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ንፕሮፌሰር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሰትስ ኑኖ ሉረሮ እውን ቀቲልዎ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ሰብመዚ ገሊጾም።

ዲቪ ሎተሪ፡ ዓመታዊ 50 ሽሕ ቪዛ ንዜጋታት ናይተን ኣብ ኣመሪካ እኹል ቁጽሪ ስደተኛታት ዘይብለን ሃገራት ክወሃብ ከፍቅድ ዝጸንሐ መደብ እዩ። እዚ ድማ ዜግነት ኣመሪካ ንምርካብ'ውን መንገዲ ዘጥጥሕ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ትራምፕ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሸሞንተ ሰባት ብሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምቕታሎም፡ ነቲ መደብ ንምቁራጽ "ተቓሊሱ" ከምዝነበረ ክርስቲ ኖኣም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጻ።

ደጋፊ መጥቃዕቲ 'እስላማዊ መንግስቲ' (ዳዕሽ) ዝኾነን ብተደጋጋሚ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ዝተፈርደን ተወላዲ ኡዝቤኪስታን ዝዀነ ሳይፋሎ ሳይፓቭ፡ ብመሰረት መደብ ዲቪ1 እዩ ናብ ኣመሪካ ኣትዩ።

ክላውዲዮ ኔቬስ ቫለንተ ኣብ ሳሌም፡ ኒው ሃምፕሻየር ኣብ ዝርከብ መኽዘን ሞይቱ ምስ ተረኽበ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ መደብ ዲቪ ተኣጊዱ። ፖሊስ፡ ባዕሉ ብዝተኮሶ ጥይት ከምዝሞተ ይኣምኑ።

ፖሊሲ፡ ካብ ህዝቢ ዝረኸብዎ ሓበሬታን መርትዖታት ቪድዮን ብምጥቃም፡ መርመርቲ ናብታ ዝተኻረየት መኪና ብምልኣኽ መንነት እቲ ጥርጡር ከለልዩ ከምዝኸኣሉ ይሕብሩ።

ንሽዱሽተ መዓልታት ክእለሽ ድሕሪ ምጽንሑ ድማ ሬሳኡ ኣብ ጥቓ ሓደ ሻንጣን ክልተ ኣጽዋርን ተረኺቡ።

ኣብ ጥቓኣ ኣብ ዝነበረት መኪና ዝተረኽበ መርትዖታት፡ ምስቲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ዝተኣከበ መርትዖታት ዝሰማማዕ ምዃኑ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ሮድ ኣይላንድ ፒተር ኔሮናሃ ገሊጹ።

ቫለንተ ኣብቲ ውሩይ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ብፊዚክስ ዶክትሬት ይመሃር ከምዝነበረ ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ክርስቲና ፓክሰን ገሊጻ።

ወሲኻ ድማ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስቲ ዩኒቨርሲቲ "ዝዀነ ርክብ ከምዘይብሉ" ሓቢራ።

ንወዲ 47 ዓመት ፕሮፌሰር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሰትስ (MIT) ኑኖ ኤፍ ጎሜስ ሎውረሮ ብሰኑይ ኣብ ገዝኡ ብጥይት ከምዝቐተሎ ሰብመዚ ይኣምኑ።

ክልቲኦም ሰባት ኣብ መወዳእታ 1990ታት ኣብ ፖርቹጋል ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብሓባር ከምዝተማህሩ ፖሊስ ይገልጽ።

ሰብመዚ ጠንቂ ናይ ክልቲኡ መጥቃዕቲ ኣየነጸሩን ዘሎ።

ኣመሪካ ካብ 1995 ጀሚራ ብመደብ ዲቪ ሎተሪ ኣቢላ ብብዝሒ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ክኣትዉ ክትፈቅድ ጸኒሓ'ያ። እንተዀነ እቲ መመልከቲ ግዜ መደብ ዲቪ 2027 ተደናጒዩ እዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ ናይዚ ዓመት መደብ ኣመልከትቲ ሓደ ዶላር ክኸፍሉ እዮም ተባሂሉ'ኳ እንተነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ምድንጓይ ይኹን እቲ ክፍሊት ግን ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።

ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብመገዲ ዲቪ ሎተሪ ብዝረኽብዎ ዕድላት ናብ ኣመሪካ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ቁጽሪ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምንካይ ዝተፈላለየ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት እውን ናብ መበቆል ሃገሮም ንምምላስ እናሰርሐ ይርከብ።