ትራምፕ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተወሳኺ እገዳ መገሻ ኣንቢሩ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እገዳ መገሻ ናብ ኣመሪካ ብምስፋሕ፡ ኣብ ርእሲ`ቲ ኣብ ሰነ ናይዚ ዓመት ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝገበሮ እገዳ ኣብቲ ዝርዝር ሓሙሽተ ሃገራት ወሲኹ ኣሎ።

ዋይት ሃውስ እቲ ገደብ "ድሕነት ኣመሪካ ንምሕላው" ዝዓለመ ምዃኑን ካብ 1 ጥሪ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑን ገሊጹ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ካብ ቡርኪናፋሶ፡ ማሊ፡ ኒጀር፡ ደቡብ ሱዳንን ሶርያን ከምኡ'ውን ወነንቲ ፓስፖርት ምምሕዳር ፍልስጤም ዝዀኑ ተጕዓዝቲ ግብራዊ ክኸውን እዩ።

ነተን ቅድሚ ሕጂ ብኸፊል ገደብ ዝገበረለን ላኦስን ሴራሊዮንን ናብ ዝርዝር ምሉእ እገዳ ብምስግጋር፡ ኣብ ልዕሊ ናይጀርያ፡ ታንዛንያን ዙምባብወን ሓዊሱ ካልኦት 15 ሃገራት ከፊላዊ ገደብ ኣንቢሩ ይርከብ።

ኣብ ጥሪ 2025 ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ቍጽጽር ኢምግሬሽን ክጠናኸር ዝገበረ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝካየድ ስርዓታት መርመራን ምጽራይን ፍሽለት ስለ ዘሎ፡ እቲ እገዳ መገሻ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ልዕሊ ዝተፈቐድልካ ናይ ቪዛ መዓልቲ ምጽናሕ፡ ዘየተኣማምን ስቪላዊ መዛግብቲ፡ ብልሽውና፡ ግብረሽበራዊ ንጥፈታትን ዝተሰጕ ዜጋታት ኣብ ምቕባል ምትሕብባር ዘይምህላውን ምኽንያት እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ ምዃኑ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቅድም ኢሉ'ዉን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዜጋታት 12 ሃገራት ናይ መገሻ እገዳ ገይሩ'ዩ።

እቲ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝፈረመሉ፡ ዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን'ኳ እንተኣሰንበደ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝተነበረ እገዳ ብወግዒ ዝበሎ ነገር የሎን።

እተን ካልኦት ዜጋታተን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ተኸልኪለን ዘለዋ ሃገራት ኣፍጋኒስታን፡ ምያንማር፡ ጫድ፡ ኮንጎ ብራዛቪል፡ ኢኳተርያል ጊኒ፡ ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊብያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን የመንን እየን።

ዜጋታት ብሩንዲ፡ ኩባ፡ ቶጎ፡ ቱርከመኒስታንን ቬነንዝዌላን'ውን ከፊላዊ እገዳ ተነቢሩሎም ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ሓቀኛ ምምሕያሻት እንተ ተራእዩ፣ ከምኡ'ውን ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ሓደስቲ ጸገማት ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ተወሰኽቲ ሃገራት ክውሰኻን እቲ ዝርዝር ክኽለስን ከም ዝኽእል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ትራምፕ እገዳ መገሻ ክገብር እዚ ንሳልሳይ ግዜኡ እዩ።

ብ2017፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ተመሳሳሊ ትእዛዝ ብምትእትታው፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ተቓውሞን ሕጋዊ ብድሆታትን ገጢሙዎ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ፖሊሲ ድሒሩ ብላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ተቐባልነት ረኺቡ።

ዋይት ሃውስ፡ እተን በዚ ስጕምቲ ዝተሃሰያ ሃገራት ኣብ ምሕደራ መንነትን ምስ ሰብ መዚ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ዝህልወን ምክፋል ሓበሬታን "ተኣማንነት ዘለዎ ምምሕያሽ" ክሳብ ዘርኢ እቲ ገደብ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ እገዳ መገሻ፡ ንሕጋውያን ቀወምቲ ነበርቲ፡ ወነንቲ ቪዛ፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ወይ ንዓበይቲ ስፖርታዊ ውድድራት ዝገሹ ስፖርተኛታት ኣይክጸልዎምን እዩ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ መገሻ ንሃገራዊ ረብሓ ተባሂሉ ኣብ ዝረኣየሉ ቦታታት ዝግበር ምሕረት ክህሉ ምዃኑ ገሊጾም።