ፔንታጎን፡ ንምንታይ ቻይና ደጊም ቀዳምነት ዝወሃባ ጸጥታዊ ስግኣት ኣመሪካ ከም ዘይኰነት ገሊጹ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፔንታጎን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ንቻይና ቀዳምነት ሃገራዊ ጸጥታኣ ገይራ ከም ዘይትርእያ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝሕተም ሰነድ፡ ድሕነት ኣመሪካን ምዕራባዊ ንፍቀ-ኽቢን ቀንዲ ስክፍታ ናይቲ ክፍሊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዋሽንግተን "ጭቡጥ ረብሓታት" ኣመሪካ ንነዊሕ እዋን ሸለል ኢላቶ ከም ዝጸንሐት ሓቢሩ።
ፔንታጎን፡ ኣመሪካ ንመሓዙታ ዝዀና ሃገራት "ዝያዳ ድሩት" ደገፍ ከም እትገብር'ውን ይገልጽ።
እዚ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሓትመ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ዝመጽአ ኰይኑ፡ ኤውሮጳ "ስልጣነኣዊ ህመሻ" ከም ዝጋጠማን ኣመሪካ ንሩስያ ብስግኣት ከም ዘይትርእያን ይገልጽ።
ሞስኮ፡ እቲ ሰነድ ምስ ናታ ርእይ "ብዓቢዩ ዝሰማማዕ" ምዃኑ ገሊጻ ነይራ።
እቲ ኣብ 2022 ዝወጽአ ስትራተጂ ሃገራዊ ምክልኻል፡ ቻይና ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ዘለዋ ስግኣታት ቀዳምነት ምክልኻል ኣመሪካ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ 2018 እቲ ሰነድ ንቻይናን ሩስያን "ክለሳ ዝደልዩ ሓይልታት" ብምባል ንጸጥታ ኣመሪካ ቀንዲ ብድሆ ምዃነን ይሕብር።
እቲ ብዓርቢ ዝተዘርግሐ 34 ገጻት ዘለዎ ሰነድ፡ ብቐንዱ ነቲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ስልጣን ምስ ተመልሰ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ስልጣኑ ዘቐመጦ ናይ ፖሊሲ ሓሳባት ዝደግም እዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዚደንት ቬንዙወላ ኒኮላስ ማዱሮ ሒዙ፡ ኣብ ምብራቓዊ ፓስፊክን ካሪብያንን ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠራ ጀላቡ ዕጸፋርስ መጥቃዕቲታት ኣካይዱ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ንግሪንላንድ ክወስዳ ጸቕጢ ገይሩ።
እቲ ስትራተጂ ፔንታጎን፡ ኣመሪካ ናብ ኣገደስቲ ከባቢታት ብፍላይ ድማ ናብ መትረብ ፓናማ፡ ወሽመጥ ኣመሪካን ግሪንላንድን ወተሃደራውን ንግዳውን ተበጻሕነት ከም ዘረጋግጽ ኣፍሊጡ።
እቲ ሰነድ ብተወሳኺ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ዝኽተሎ ኣገባብ ካብቶም ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዝመጽኡ ምምሕዳራት ዝነበሮም ዓበይቲ ዕላማታትን መደባትን ኣዝዩ ዝተፈልየ ክኸውን ምዃኑ ይገልጽ።
ምስ ቻይና ዝግበር ዝምድና ብ"ዓቕሚ እምበር ብምፍጣጥ" ኣይክኸውንን እዩ፣ እቲ ዕላማ "ንቻይና ንምዕብላል ወይ ምውራድ ኣይኰነን፡" ይብል።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ሰነድ፡ ዘይከምቶም ኣቐዲሞም ዝወጽኡ ብዛዕባ እታ ቻይና ኣካለይ እያ እትብላ ደሴት ታይዋን ኣይተጠቕሰን። እንተዀነ፡ እቲ ሰነድ ቻይና ይዅና ካልኦት መሻርኽቶም ንኣመሪካ "ከይዕብልላ" ዕላማ ከም ዘለዋ ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣመሪካ ንታይዋን ናይ 11 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዓቢይ መሸጣ ኣጽዋር ከም ዘካየደት ኣፍሊጣ ነይራ። እዚ ድማ ቻይና ኣብ ዙርያ እታ ደሴት ወተሃደራዊ ልምምድ ከተካይድ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
እቲ ስትራተጂ፡ ካብ መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝያዳ "ክፍፍል ጾር" ክግበር'ውን ይጽውዕ፣ መሻርኽቲ ሃገራት ዋሽንግተን ንምክልኻለን ድጎማ ክትገብር ዕጉባት ከም ዝነበራ ይገልጽ።
እንተዀነ፡ እዚ ኣመሪካ ትወስዶ ዘላ ስጕምቲ ናብ ተነጽሎ ዝወስድ ከም ዘይኰነ ይሕብር።
"ብኣንጻሩ፡ ንሃገርና ዘጋጥማ ስግኣታት ትዅረት ዝገበረን ናይ ብሓቂ ስትራተጅያዊ ኣቀራርባን እዩ፡" ብምባል፡ ረብሓታት ኣመሪካ ምስ ናይ ካልእ ክፋል ዓለም ረብሓታት ክሓዋውስ ከም ዘይደሊ ይገልጽ።
እቲ ሰነድ፡ መሓዙት ኣመሪካ ብፍላይ ድማ ኤውሮጳ ንዓና ዘይከብደና ንዓታቶም ግን ዝኸብዶም ሓላፍነት ክወስዱ እዮም ይብል።
ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ዝጀመረት ሩስያ፡ ንኣባላት ምብራቓውያን ሃገራት ኔቶ ቀጻሊ (ግን ከኣ ክትመሓደር እትኽእል) ስግኣት ምዃና ይገልጽ።
እቲ ስትራተጂ፡ ኣመሪካ ንሰሜን ኮርያ ንምዕጋት "ዝያዳ ድሩት" ተራ ከም ዘለዎ'ውን ይገልጽ። ደቡብ ኮርያ ነቲ ዕማም "መሰረታዊ ዝዀነ ሓላፍነት ክትወስድ ዓቕሚ ከም ዘለዋ፡" ወሲኹ የስፍር።
ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ መድረኽ ቍጠባ ዓለም ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ ኣረጊት ስርዓተ ዓለም "ኣይምለስን እዩ" ብምባል፡ ማእከላይ ሓይሊ ዘለወን ከም ደቡብ ኮርያ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ኣብ ሓደ ክመጽኣ ኣተሓሳሲቡ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን'ውን፡ "ናብ ሕግታት ዘይብሉ ዓለም" ይኽየድ ምህላዉ ኣጠንቂቑ እዩ።

![ኤሪክ ትራምፕ [ጸጋም] ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1d99/live/d6036490-f864-11f0-9796-05e6aeca39b2.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







