ኣዛዚ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ነቶም ናብ ጁባ ከም ዝግስግሱ ዘፈራርሑ ዘለዉ ዕጡቓት ንምድምሳስ ገደብ ግዜ ሂቡ

ገጹ ዘይርአ ብረት ዝሓዘ ወተሃደር ደቡብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ሓላፊ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን፡ ነቶም ንርእሰ-ኸተማ ጁባ ስግኣት ክዀኑ ዝኽእሉ ኣብ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ዕጡቓት ንምድምሳስ ንሓይልታቱ ናይ ሸውዓተ መዓልታት ገደብ ግዜ ሂቡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ሱዳን - ሸነኽ ተቓወምቲ (SPLA-IO) ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆንግለይ ንሓያሎ ከባቢታት ኣጥቂዑ ከም ዝተቘጻጸረ ሓደ ናይቲ ከባቢ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ እዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።

ካብ ጁባ መንገዲ ክልተ ሰዓት ብመኪና ተጓዒዝካ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝተኻየደ ውግእ፡ ንርእሰ-ኸተማ ጆንግለይ ዝዀነት ቦር ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዋ ኣሎ።

መራሒ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ሱዳን - ሸነኽ ተቓውሞ ዝዀነ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ሪክ ማቻር፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ብቕትለት፡ ክድዓትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ እዩ ዝርከብ።

እንተዀነ ማቻር ንዝቐረበሉ ክሲ ነጺጉዎ ኣሎ።

እዚ ኵነታት ኣብታ ሃገር ዳግማይ ምሉእ ኲናት ሓድሕድ ከይባራዕ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

እዛ ድሒራ ኣፍልጦ ሃገርነት ዝረኸበት ደቡቡ ሱዳን፡ ክልተ ዓመት ድሕሪ ናጽነታ ኣብ 2013 ፕረዚደንት ሳልቫኬር፡ ማቻር ካብ ስልጣነይ ክኣልየኒ ውዲት ገይሩ ብዝብል ምስ ከሰሶ ግጭት ተላዒሉ ነይሩ።

ኣብ 2018 ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ንኣስታት 400,000 ሰባት ዝቐዘፈ ኲናት ሓድሕድ ደው ከብሎ እኳ እንተ ከኣለ፡ ብግቡእ ተግባራዊ ክኸውን ብዘይምኽኣሉ ግን ኣብ መንጎ ሳልቫኬርን ማቻርን ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን፡ ካብ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ድጋፍ ዝህብ ሓይሊ ናብ ቦር ተዋፊሩ ይርከብ። እዚ ቦታ'ዚ፡ ኣብ 2013 ከምኡ 2018 ግጭት ምስ ተላዕለ ብተቓወምቲ ቀዳማይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዝኣተወ ቦታ እዩ ነይሩ።

ከተማ ቦር ኣብ መንገዲ ናብ ርእሰ-ኸተማ ጁባ ከም ዝትራተጅያዊት ቦታ እያ ትርአ።

ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ጀነራል ፖል ናንግ ማጆክ ንወተሃደራቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ናብዚ ዘምጻእናኩም ንተልእኾ እዩ፡" ኢሉ።

"ነቲ ተልእኾ ንምፍጻም ድማ እየ ሸውዓተ መዓልታት ጥራይ ዝህበኩም ዘለኹ - ኣብቶም ከባቢታት ንዝተላዕሉ ናዕቢታት ንምጭፍላቕን ዳግማይ ንምቍጽጻር።"

ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ካብ ኡጋንዳ ብዝመጽኡ ወተሃደራት ይድገፍ ኣሎ። እቶም ካብ ኡጓንዳ ዝመጽኡ ልክዕ ቍጽሮም እኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ ሓደ ጸብጻብ ግን 4,000 ከም ዝዀኑ ይግልጽ።

ገለ ተንተንቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ሱዳን - ሸነኽ ተቓውሞ ናብ ጁባ ገጾም ክግስግሱ ምዃኖም ዘፈራርሑ ዘለዉ፡ መንግስቲ ንማቻር ንኽፈትሖ ጸቕጢ ንምግባር ምዃኑ ይኣምኑ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ ሳልቫኬር ንብዓልቲ-ቤት ሪክ ማቻር ኣንጀሊና ቴኒ ካብ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣባሪሩ ብኣባል ሰልፉ ዝዀነ ሰብ ተኪኡዋ።

እዚ ስጕምቲ፡ ነቲ ግጭት ከጋድዶ ይኽእል እዩ ዝብል ነቐፌታን ስክፍታታትን ኣስዒቡ ኣሎ።

ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኡንሚስ ኣብ ጆንግለይን ካልኦት ኣብታ ሃገር ዓመጽ ዘጋጥሞም ከባቢታትን ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ።

ግዝያዊ ሓላፊ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ኪኪ ግቤሆ፡ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ብቕልጡፍ ተጻብኦታት ደው ኣቢሎም፡ ወጥሪ ንምጕዳል ኣብ መቓን ዝኣተውዎ ውዕል ሰላም ብምዕሳል ዘተ ዕርቅን ሰላምን ከካይዱ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት'ውን በቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኵነታት ስግኣቱ ብምግላጽ፡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ይፍለጥ።

ካርታ ደቡብ ሱዳን

ኣደ መንበር ኮምሽን ያስሚን ሱካ፡ ኣብ ገለ ክፋል ጆንግለይ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከም ዝተፈጸመ ዝሕብር ጸብጻባት፡ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተለን ዘቝሰለን ከምኡ'ውን ኣባይቲ፡ ዕዳጋታትን ትካላት ሕክምናን ከም ዘዕነወን ሰፊሕ ምምዝባል ከም ዘስዓበን ዝተሰምዓ ስግኣት ገሊጻ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ግዝያዊ ሓላፊ ስታፍ SPLA-IO ሌተና ጀነራል ፒተር ቶክ ቹኦል ሉኣክ ንነበርቲ ጁባ መጠንቀቕታ ብምሃብ፡ ሓይልታቱ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ምዃኖም ገሊጹ።

"እዚ መጠንቀቕታ'ዚ ቅድሚ ኣብ ጁባ እነካይዶ ወተሃደራዊ ግጥም እዩ። ኵሎም ኣብ ወሰን ጁባ ዘለዉ ከባቢታት ዝርከቡ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ወይ ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክጸንሑ ኣጽኒዕና ንመክር፡" ክብል ጀነራል ቶክ ጽሒፉ።

ኣመሓዳሪ ናይታ ግዝኣት ኣማኑኤል ዓዲል ኣንቶንዮ ግን፡ ነበርቲ ነቲ ብSPLA-IO ዝግበር ምፍርራሕ ሸለል ክብሉ ኣተሓሳሲቡ።