ብዛዕባ'ታ ኣብ 'ድርኩኺት ኲናት' እትርከብ ቀርኒ-ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትፈልጥዎም ዝግባእ ሓቅታት

ሳልቫ ኪር ንማእሰርቲ ማቻር ከንሳሕቦ ጻዊዒት ቀሪብሉ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ደቡብ ሱዳን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ፡ ብፍላይ ማእሰርቲ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ምስተወሰኾ እታ ኣብ ዓለም ሓዳሽ ሃገር ኣብ ኣፍደገ ኲናት ሓድሕድ ምህላዋ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

ሰልፊ ሬክ ማቻር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን (SPLM/IO) እቲ ማእሰርቲ ነቲ ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ዘፍርስ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ደቡብ ሱዳን ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት (SPLM) ዝምራሕ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ቃልሲ፡ ድሕሪ ምክያዳ ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ናጽነት ረኺባ።

እታ ሃገር ናጽነታ ምስኣወጀት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ፕረዚደንት ኪር ንሚስተር ማቻር ብዕልዋ መንግስቲ ከሲሱ ካብ ስርሑ ምስ ኣባረሮ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣረሜናዊ ኲናት ሓድሕድ ተላዒሉ።

እቲ ስዒቡ ዝመጸ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ግጭት፡ ብዓቢኡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዓሌታዊ መልክዕ ሒዙ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ 400 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 2.5 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ይፍለጥ።

ስለምንታይ እዩ ሕጂ እዚ ዝኸውን ዘሎ?

እቲ ቅልውላው ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝተበገሰ፡ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ማቻር ምትእስሳር ዘለዎ ምልሻ 'ዋይት ኣርሚ' ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝተጋጨወሉ እዋን እዩ።

ሰራዊት ከተውጽእ ዝፈተነት ሄሊኮፕተር ሕቡራት ሃገራት'ውን ኣብ ትሕቲ ተኹሲ ብምእታዋ፡ ሓደ ላዕለዋይ ጀነራል ሰራዊት ሓዊሱ ሓያሎ ሞይቶም።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ እቲ ምክትል ፕረዚደንትን ሓያሎ መሻርኽቱን ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ ማቻር እዚ ስጉምቲ እዚ "ነቲ ስምምዕ ሰላም ናብ መወዳእታ ገጹ ከምዘብጽሖ" ኣጠንቂቑ።

ምክትል መራሒ እቱ ሰልፊ፡ ኦየት ናትናኤል ፒየሪኖ፡ "ተስፋ ሰላምን ምርግጋእን ደቡብ ሱዳን ሕጂ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣትዩ'ሎ" ኢሉ።

ሬክ ማቻር ስለዝተኣሰረ ኵናት ሓድሕድ ኣንጸላልዩ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ መንጎ ማቻርን ኪርን ዘሎ ጸገም እንታይ እዩ?

ክልቲኦም ፕረዚደንት ኪርን ምክትል ፕረዚደንት ማቻርን ኣብ ሓደ እዋን ኣካል ናይቲ ንናጽነት ዝቃለስ ዝነበረ ኤስፒኤልኤም [SPLM] ክኾኑ እንከለዉ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ ኣለዎም።

ካብ ክልተ ዝተፈላለየ ዓሌት ዝምዘዙ መራሕቲ ምዃኖም ድማ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣጋዲድዎ'ዩ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ካብ ዲንካ ዝውለድ ኮይኑ ሚስተር ማቻር ድማ ኑዌር እዩ።

ፕረዚደንት ኪር ኣብ 2013 ንሚስተር ማቻር ካብ ሓላፍነቱ ምስ ኣባረሮ፡ ኲናት ሓድሕድ ኣበጊሱ። ሚስተር ማቻር ኣብቲ ሽዑ ግዜ ንኪር "ውልቀ መላኺ" ክብል ኮኒንዎ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝያዳ ወጥሪ ዘበገስ ዘሎ ተደጋጋሚ ምድንጓይ መረጻ እዩ። መረጻ ኣርባዕተ ግዜ ምድንጓዩ፡ ማቻር ፕረዚደንት ናይ ምዃን ሕልሙ ክፍጽም ኣይከኣለን።

ማቻር መን እዩ?

ሪክ ማቻር ካብ 2011 ጀሚሩ በብእዋኑ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኮይኑ ዘገልገለ ኮይኑ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብራድፎርድ ዶክትሬት ዲግሪ [ፒኤችዲ] ኣለዎ። ኣብ እዋን ንናጽነት ዝተገበረ ቃልሲ ድማ ናብ ኤስፒኤልኤም [ SPLM] ተጸንቢሩ።

ፕረዚደንት ኪር ቅድሚ ሕጂ "ናይ ጥፍኣት ነብይ" ኢሉዎ ነይሩ። ኣብ 2013 ዕልዋ መንግስቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ካብ ስልጣኑ ተሰጕጉ። ንሱ ነቲ ክሲ'ኳ እንተነጸጎ ነቲ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ግን ኣጎሃሂርዎ።

ኪር ከ መን እዩ?

ሳልቫ ኪር ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ካብ ዝረኸበትሉ 2011 ጀሚሩ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ይመርሕ'ሎ። እቲ ብናይ ሓላዊ ከፍቲ ቆቢዕ ዝፍለጥ ኪር ኣብ 1960ታት ናብቲ ንናጽነት ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ተጸምቢሩ።

ንሱ ሓደ ካብ መስረትቲ እቲ ውድብ ኮይኑ ድሕሪ ሞት ጆን ጋራንግ ድማ ኣብ 2005 መራሒ ኮይኑ።

ዘ ሴንትሪ ዝተባህለ ትካል ኣስተንትኖ ኣመሪካ፡ ቅድሚ ሕጂ ንኽልቲኦም ፕረዚደንት ኪርን ምክትል ፕረዚደንት ማቻርን ካብቲ ግጭት ይርብሑ ከምዘለዉ ከሲሱ ነይሩ። መንግስቲ እታ ሃገር ግን ነጺግዎ።

ክሳብ ክንደይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል?

ብሰንኪ ኣብ መንጎኦም ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ግጭት ኣስታት 400 ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓላፊ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኒኮላስ ሃይሶም፡ እታ ሃገር "ናብ ምሉእ ኲናት ሓድሕድ ክትኣቱ ኣብ ኣፍደገ ትሕንበብ ከምዘላ" ኣጠንቂቑ፡ እዚ ድማ ነታ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ገና ዳግማይ ክትሃንጽ እትፍትን ሃገር ከዕንዋ እዩ።

ደቡብ ሱዳን ናብ ኵናት ትምለስ እንተኾይና "ኣብቲ ዞባ ናይ ውክልና ውግእ" ከስዕብ ከምዝኽእል ስክፍታታት ኣሎ።

"ምስ ቀንዲ ተቓወምቲ ወይ ፕረዚደንት ርክብ ዘይብሎም ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣለዉ፡ እዚ ድማ ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ዝግበር ንጥፈታት ከሐይል ይኽእል'ዩ" ይብል ላዕለዋይ ተንታኒ ክራይሲስ ግሩፕ ዳንኤል ኣከች።

እቲ ተንታኒ ወሲኹ "ከምኡ'ውን ኣብ ሱዳን ምስ ጁባ ዝተሰለፉ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣብ ጥቓ ዶብ ይዋስኡ ኣለዉ፡ እዚ ድማ ካልእ ሃልኪ'ዩ።

ደቡብ ሱዳን ብብዙሓት ዕጡቓት ጉጅለታት መሊኣ ስለዘላ ኩሎም ንወተሃደራዊ ግጥም ዝዳለዉ ዘለዉ ይመስሉ" ኢሉ።

ነቲ ወጥሪ ንምቅላል እንታይ ይግበር ኣሎ?

ሕብረት ኣፍሪቃ "ወጥሪ ንምህዳእን ዘተ ንምድንፋዕን" ናብ ጁባ ልኡኽ እቲ ሕብረት ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ።

ብሪጣንያ፣ ኣሜሪካን ጀርመንን ዝርከባአን ሓያሎ ሃገራት፣ ፕረዚደንት ኪር ነቲ ማእሰርቲ ክገድፎን [ንማቻር ክፈትሕን] ኣብ መንጎ ዕጡቓት ጉጅለታት ተኹሲ ደው ክብል ክገብርን ብሓባር ጸዊዐን ኣለዋ።