ጁባ፡ ማእሰርቲ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ወጥሪን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንትን መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊን ሪክ ማቻር ኣብ ቀይዲ ምእታው ነቲ ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ዘፍርስ'ዩ ክብል እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ተቓውሞኡ ገሊጹ።
ብረቡዕ ምሸት ሚኒስተር ምክልኻል ዝርከቦም ላዕለዎት ሰብመዚ ጸጥታ እታ ሃገር ናብቲ ኣብ ርእሰከተማ ጁባ ዝርከብ መንበሪ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ብምኻድ፡ ንሓለውቱ ብረት ከውርዱ ብምእዛዝ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ እቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ደቡብ ሱዳን ኣብ ተቓውሞ (SPLM/IO) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰልፊ ሓቢሩ።
እቲ ቀንዲ ተቐናቓኒ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዝኾነ ማቻር ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣንጀሊና ተኒ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ'ውን እቲ ሰልፊ ይጠቅስ።
"ማእሰርቲን ቀይዲን ክቡር ዶ/ር ሪክ ማቻር ብግብሪ ንስምምዕ [ሰላም] ዘፍርስ'ዩ" ክብል ምክትል መራሒ እቲ ሰልፊ ኦየት ናትናኤል ፒየሪኖ ተዛሪቡ።
ብወገን መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ምዃኑ ዝተገልጸ ስጉምቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
ፕረዚደንት ኪር ትማሊ ረቡዕ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ነታ ሃገር ብፍጹም ናብ ኲናት ከምዘይመልሳ" ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ጁባ ወጥሪ ሰፊኑዋ ከምዘሎን፡ ኣብ ከባቢ መንበሪ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ጽዑቕ ህላወ ሓይልታት ጸጥታ ከምዘሎን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም ኣለዉ።
ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ጁባን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ከምዝነብሩን ዓቢ ወፍሪ ከምዘለዎምን ይፍለጥ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ እናዓበየ ክመጽእ ዝጸንሐ ወጥርን ምትፍናንን ነታ ሃገር ናብ ደማዊ ውግእ-ሓድሕድ ክመልሳ ከምዝኽእል ከጠንቅቕ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ናጽነታ ኣብ ዝኣወጀትሉ ሳልቫ ኬር ቀዳማይ ፕረዚደንት፡ ሪክ ማቻር ድማ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ተመዚዞም ነይሮም።
እንተዀነ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ፕረዚደንት ኬር ንመላእ ካቢነ ሚኒስተራት ኣባሪሩ ንማቻር ዕልዋ መንግስቲ ፈቲኑ ኢሉ ምስ ከሰሶ ኲናት ሓድሕድ ተላዒሉ።
እቲ ኣረሜናዊ ግጭት ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን 400 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 2.5 ሚልዮን ከምዝተመዛበሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ኣብ 2018 ኸኣ ብኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ።
እንተኾነ ግን እቲ ስምምዕ ሰላም በቲ ትማሊ ምሸት ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዝፈረሰ'ዩ እቲ ማቻር ዝመርሖ ሰልፊ ዝገልጽ።
"ተኽእሎ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኣትዩ ይርከብ" ክብል እቲ ምክትል መራሒ ናይቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ፒየሪኖ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።
ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ "ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ከምርሕ ተቓሪቡ'ሎ" ክብል ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ሂቡ'ሎ።
"መጠነ-ሰፊሕ ኲናት ክውላዕ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ፡ ግና ሕነ ናይ ምፍዳይ ድሌት ክህሉ ስለዝኽእል ዝያዳ ደማዊን ጎነጻውን ክኸውን'ዩ" ክብል ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ንኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ።
ኣቦመንበር ኮሚቲ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ሰልፊ ዝኾነ ሙዎክ ታንግ ብወገኑ፡ ማቻር ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝርከብ ብምግላጽ፡ ፈለማ ግን እቶም ሰብመዚ ጸጥታ ክወስድዎ መደብ ከምዝነበሮም ተዛሪቡ።
"ዘይተነጸረ ክሲ ዝሓዘ ትእዛዝ ማእሰርቲ ቀሪብሉ" ዝበለ ታንግ፡ "ቅሉዕ ጥሕሰት ሕገመንግስቲን እቲ ዝተሓደሰ ስምምዕ ሰላምን እዩ" ክብል ነቒፉ።
"ሎሚ ለይቲ ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ሰፊሕ ግጭት ክኣትዉ ተቓሪቦም ኣለዉ" ክብል'ውን ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ'ሎ።
ኣብ ጁባ ዝርከብ ኤምባሲታት ኖርወይን ጀርመንን ክዕጾ እንከሎ፡ ኤምባሲታት ብሪጣንያን ኣመሪካን ንጥፈታቱ ኣዛሕቲሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።
ፕረዚደንት ኪር ነቲ ኣብ ልዕሊ ማቻር ዝወሰዶ ስጉምቲ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ኣመሪካ ጸዊዓ'ላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







