ደቡብ ሱዳን ብሰላሕታ ናብ ካልእ ግጭት ድያ ትሽመም ዘላ?

ሰራዊት ደቡብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መንጎ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ዝነበረ ወጥሪ እናገደደ መጺኡ'ሎ። ኣብ ላዕለዋይ ፈለግ ኣባይ ግጭት እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተመዛቢሎም።

ኡዲኪ ሰቨሪዮ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምዕራባዊ ኢኳቶርያ ኣብ ዝርከብ ጫካ ክሕባእ ከም ዝተገደደ ይዛረብ።

እዚ ወዲ 43 ዓመት ደቡብ ሱዳናዊ፡ ኣብታ ሓዳስ ሃገር ብቕልጡፍ ይጋደድ ኣብ ዘሎ ግጭት ክቕተል ስለ ዝኽእል፡ ካብቲ ዘለዎ ቦታ ክንቀሳቐስ ከም ዘይክእል ይዛረብ።

ኣብታ ሃገር ዞባ ኣፐር ኒል ኣብ መንጎ ሰራዊት ደቡብ ሱዳንን ብመንእሰያት ዝምእዘን 'ጻዕዳ ሰራዊት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕጡቕ ጕጅለን ጎንጺ ተላዒሉ። ሚስተር ሰቨሪዮ ካብቶም ብቐጻሊ ውግእ ዝተመዛበሉ ኣሽሓት ደቡብ ሱዳናውያን እዩ።

"ወቕቲ ዝናብ ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ ሰባት ንሕርሻዊ ማእቶት ዘድልዮም ምድላዋት ክገብሩ ምተገብአ ነይሩ። እንተዀነ፡ ሰባት ስለ ዝፈርሑ እዚ ዝኸውን ኣይኰነን። ገሊኦም ኣብ ገዝኦም ገሊኦም ድማ ኣብ ጫካ እዮም ዘለዉ፡" ይብል።

ኣብ ከተማ ናግሮ፡ መግብን መድሃኒትን ዋሕዲ ስለ ዘሎ ዕዳጋ ባዶ ኰይኑ ኣሎ። ነጋዶ ንብረት ንምምጻእ ዝጥቀምሉ ጽርግያታት ንኽልተ ኣዋርሕ ተቛሪጾም ኣለዉ።

ካልእ ኣብ ተመሳሳሊ ግዝኣት እትነብር ሱዛን ሳይሞን፡ ካብታ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት ያምብዮ ንደቡብ እትርከብ ቍሸታ ከም ዝተመዛበለት ትዛረብ።

ንሳ ንባዕላን ንውላዳን ንምምጋብ ትቃለስ ከም ዘላ ትዛረብ።

"ገዛና ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ መዓልታዊ መነባብሮና ንምክያድ ደፋእፋእ ኢልና ክንሰርሕ ንኽእል ነይርና። ሕጂ ግን ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት መነባብሮ ተጸጊዕና ኢና ዘለና፡" ትብል።

ንሳ ኣስዒባ፡ "ሓደ ሓደ ግዜ ገለ ደለይቲ ጽቡቕና ይድግፉና እዮም፡ እዚ ኵነታት ክቕየር ግን ብቐጻሊ ንጽሊ፡" ኢላ።

ዘይርጉእ ሰላም

ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምቅድዳው እዞም መራሕቲ ልዕሊ 400 ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ድሕሪ ምንጻላ ኣብ ዓለም እታ ኣብ ቀረባ ዓመታት ነጻ ሃገር ዝዀነት ዓዲ'ያ።

ሳልቫ ኬር ቀዳማይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ክኸውን ከሎ፡ ሪክ ማቻር ድማ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ።

እንተዀነ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ፕረዚደንት ኬር ንመላእ ካቢነ ምኒስተራት ኣባሪሩ ንማቻር ዕልዋ መንግስቲ ፈቲኑ ኢሉ ምስ ከሰሶ ኲናት ሓድሕድ ተላዒሉ።

እቲ ኣረሜናዊ ግጭት ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን 400 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 2.5 ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም።

ኣብ 2018 ብተዋጋእቲ ሓይልታት ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ።

ኣብ 2018 ዳግማይ ህያው ስምምዕ ኣፈታትሓ ግጭት ደቡብ ሱዳን (R-ARCSS) ተባሂሉ ዝተሰየመ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ሓድሽ ቅዋም ምትግባር፡ ምርጫ ምክያድ፡ ሰራዊት ኣብ ሓደ ኣሃዱ ምውህሃድ፡ ቈጸራ ህዝቢ ንምውጣንን ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት ዕጥቂ ምፍታሕን ቅድመ ኵነት ዝነበሮ እዩ።

ይዅን'ምበር ክሳብ ሎሚ ካብዞም ውዕላት እዚኦም ዋላ ሓደ ዘይተማልአ ኰይኑ፡ ሕብረተሰባዊ ዓመጽ ክሳብ ሕጂ ነታ ሃገር የሳቕያ ኣሎ። ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኩናት፡ ንሰላም ደቡብ ሱዳን እውን ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ።

እቲ ግጭት ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ትሕቲ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝነበረ ዳዕመ-ሰሪዕ (RSF)ን እዩ ተላዒሉ።

ደቡብ ሱዳን ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ኵናት ሱዳን ዝሃደሙ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ኣዕቝባ ከም እትርከብ ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ቀንዲ መስመር ሰደድ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ብምፍንጃሩ፡ እታ ሃገር ክልተ ሲሶ ናይ መንግስቲ እቶታ ክትስእን ምኽንያት ኰይኑ።

እዚ ድማ ንመንግስቲ ፕረዚደንት ኬር ኣብ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ኣእትይዎ። እቲ ክሳራ ድማ ነቲ ፕረዚደንት ፖለቲካዊ ስልጣኑ ኣጽኒዑ ንምቕጻል ዘኽእሎ መርበብ ንምቕጻል ከም ዘሰናኸሎ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ጎንጺ

ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበሉ ዜጋታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኬርን ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ማቻርን ዝረአ ዘሎ ምትፍናን ብ4 መጋቢት ዝጀመረ ኰይኑ፡ ምስ ማቻር ርክብ ዘለዎ ምልሻ ኑዌር ኣብታ ምስ ኢትዮጵያ እትዳወብ ኣገዳሲት ከተማ ናሲር ንዝነበረ መደበር ሰራዊት ድሕሪ ምጥቃዑ እዩ።

ማቻር ንኪር ብ25 ለካቲት ኣብ ጥቓኡ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ኡላንግን ኣብ ካልኦት ክልተ ከባቢታት ምዕራብ እታ ሃገርን ሓይልታቱ ኣጥቂዑ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ሕነ ንምፍዳይ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ይመስል።

ከም ግብረ መልሲ ኬር ቀንዲ መሓዙት ሬክ ማቻር ዝዀኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካልኦት ሰበስልጣን ተቓወምቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳንን ኣሲሩ።

ወሃቢ ቃል እቶም ተቓወምቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምእሳር እቲ ጀነራል ሰራዊት "ከቢድ ምጥሓስ" ስምምዕ ሰላም ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ላዕለዋይ ተንታኒ ፖለቲካ ደቡብ ሱዳን ዳኒኤል ኣከች ቲዮንግ፡ እቲ ውግእ ነቲ ኲናት ሓድሕድ ዳግማይ ከባርዖ ከም ዝኽእል ምልክታት ከም ዘሎ ይዛረብ።

ይዅን እምበር ኣብ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪካ፡ ኡጋንዳ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ መራሕቲ ዞባታት ናብ ሓደ እንተ መጺኦም እዚ ክተርፍ ከም ዝኽእል ይዛረብ።

"ሕጂ'ውን ነዚ ደው ከብሉዎ ዝኽእልሉ ጽቡቕ ዕድል ኣሎ። ዝዀነ ነገር እንተ ዘይተገይሩ ግን ኣብ መወዳእታ ነታ ሃገር ናብ ካልእ ኲናት ሓድሕድ ከእትዋ'ዩ፡" ይብል ሚስተር ቲዮንግ።

ብሰሉስ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኡጋንዳ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ ሃገሩ ንፕረዚደንት ኬር ንምሕጋዝ ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ፍሉይ ሓይሊ ከም ዘዋፈረት ገሊጹ።

ደቡብ ሱዳን ግን ካብ ኡጋንዳ ወተሃደራዊ ደገፍ ከም ዝረኸበት ዝገልጽ ሓበሬታ ነጺጋቶ።

ሚስተር ቲዮንግ፡ ኣብ መንጎ ገዛኢ ሰልፊ ደቡብ ሱዳንን ገዛኢ ሰልፊ ኡጋንዳን ናይ ስራሕ ዝምድና ስለ ዘሎ፡ ኡጋንዳ ኣብዚ ዝቕጽል ዘሎ ህውከት ክትሳተፍ ምርኣይ ዘገርም ኣይኰነን ይብል።

"ኡጋንዳ ናይ ባሕሪ ወደብ ዘይብላ ሃገር ኰይና፡ ደቡብ ሱዳን ድማ ንኣእትዎት ኣብ ኡጋንዳ እያ እትምርኰስ። ስለዚ ሓባራዊ ቍጠባዊ ረብሓታት ኣሎ፡" ይብል።

ሰብኣዊ ክሳራታት

ግዳያት ሓደጋ ውሑጅ ደቡብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደቡብ ሱዳን ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ እውን እንተዀነ ምስ ሳዕቤን ናይቲ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ዘመዛበለ ጽንኩር ሓደጋ ውሕጅ ክትቃለስ እያ ጸኒሓ።

ሕጂ ድማ እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተልዓለ ግጭት፡ ኣስታት 90 ሽሕ ሰባት ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ከም ዘገደዶም ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣስታት 10 ሽሕ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ናብ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣለዉ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቍጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ሰባት፡ "ብዘሰክፍ ናህሪ ይውስኽ ኣሎ፡" ይብል። እቲ ግጭት ተወሳኺ ሓደጋታት ጥዕና እውን የምጽእ ኣሎ።

ትካል ሕክምናዊ ረድኤት ሜዲሲንስ ሳንስ ፍሮንቲየርስ (MSF) ብሕማም ኮሌራ ዝሳቐዩ ዝነበሩ 35 ሕሙማት ውግእ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ካብቲ ኣብ ኡላንግ ዝርከብ ሆስፒታሎም ከም ዝሃደሙ ገሊጹ።

"ገሊኦም ናብ ገጠር ዓድታት ከይዶም፡ ገሊኦም ድማ ዶብ ሰጊሮም ክሳብ ኢትዮጵያ ከይዶም ስለ ዘለዉ ኣብ ዝኸድዎ ሕማም ኮሌራ ከስፋሕፍሑ እዮም ማለት'ዩ፡" ይብል ሓላፊ ተልእኾ ኤምኤስኤፍ ደቡብ ሱዳን ዘካርያ ምዋትያ።

ዋላ'ኳ ሕሙማት ቀስ ብቐስ ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ይምለሱ እንተ'ለዉ፡ ሚስተር ምዋትያ ግን ገለ ካብቶም ዝሃደሙ ኣብ ጫካ ወይ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታ ኣለዎ።

ከም ዓሶን ኤችኣይቪን ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ሕሙማት ብሰንኪ እቲ ግጭት ሕክምና ክስእኑ ከም ዝኽእሉ እውን ስክፍታ ኣለዎ።

ከምኡ'ውን እቲ ሆስፒታል፡ ኣብ ኡላንግ ዝርከባ ትካላት ንግዲ በቲ ግጭት ተሃስዮም፣ ወነንቲ ክዓጸዉ ከም ዝተገደዱ ገሊጹ።