ሕቡራት ሃገራት፡ ንምንታይ መረጻ ደቡብ ሱዳን ንምንዋሕ 'ሸውሃት የሎን' ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
መራሕቲ ደቡብ-ሱዳን፡ ኣብ ስምምዕ ውዕል ሰላማ ዝተቐመጠ መዐቀኒታት ብዘይ ምድንጓይ ከተግብሩ ከም ዝግባእ፡ ሓላፊ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ኒኮላስ ሃይሰም ትማሊ ረቡዕ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ኣበየ ምምሕዳራቶም በርጌሳውን ፖለቲካውን ሃዋሁ ኣብ ምስፋሕ ዘውጽኡዎ ኣዋጃት ብሓጐስ እኳ እንተ ተቐበሎ፡ መረጻ ክናዋሕ ግን "ደጊም ሸውሃት የሎን፡" ኢሉ።
ኣብቲ ንባይቶ ጸጥታ ዝገበሮ ገለጻ፡ እቶም ብትዕግስቲ ክምልከቱዎ ዝጸንሑ ዜጋታት ናይታ ሃገር መስርሕ መረጻ ሰጒሙ ክርእዩዎ ከም ዝደልዩ ሓቢሩ።
መራሕቲ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ መዳይ ጸጥታ ጽገና ክገብሩ፡ ንመረጻ ምድላዋት ከካይዱን ንመስርሕ ጽገና ሕገ-መንግስትን ፍርዳዊ ኣካልን ከቀላጥፉ ከም ዝግባእ'ውን ጸዊዑ።
"ሰዓት ናብቲ ድሮ ተናዊሑ ዘሎ መረጻ'ውን ትቘጽር እያ ዘላ። ወሰንቲ ኣካላት ንሓያሎ ጉዳያት ንእለቱን ብዓማሚ መዳይን ክገጥሙዎ ይግባእ፡" ኢሉ።
ሓላፊ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ-ሱዳን ኒኮላስ ሃይሰም፡ ገለ ዓወታት እኳ እንተ'ለዉ፡ ኣብቲ ኣብ 2026 ክካየድ ተወጢኑ ዝርከብ መረጻ'ውን ዓበይቲ ሃጓፋት ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
እዛ ሓዳስ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ ሱዳን ካብ እትረክብ ን14 ዓመታት መረጻ ኣየካየደትን።
ኣብ ታሕሳስ 2024 ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተ ነበረ፡ እታ ሃገር እኹል ምድላዋት ከም ዘይገበረት ዝገልጽ ስክፍታታትን መጠንቀቕታታትን እናዓበየ መጺኡ፣ ናብ 2026 እውን ተናዊሑ።
እዚ ምስጋር መረጻ፡ ዘየቋርጽ ዓንኬል ስለ ዝመሰለ፡ ኣብ ብዙሓት ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

እዚ ምድንጓይ መስርሕ ደሞክራሲ'ዚ፡ ነቲ ብዋጋ ነዊሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናጽነቱ ዝረኸበ ህዝቢ፡ ኣብ መንግስቱ ዝነበሮ እምነት ከም ከም ዘጕደሎ ይግለጽ።
እዚ ተደጋጋሚ ምስግጋር መረጻ ሓያሎ ሕቶታት የለዓዕል ኣሎ።
ነዚ ቀጻሊ ምስግጋር ዝድርኾ ዘሎ እንታይ እዩ? ኣብ ታሕሳስ 2026ከ መረጻ ክካየድ ድዩ? ካልእ ምድንጓያት ከይስዕብከ ኣብዚ ግዜ'ዚ እንታይ ክገበር ይኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ዝለዓሉ ዘለዉ እዮም።
ነዚ ምስግጋራት ዝድርዀ ዘሎ እንታይ እዩ?
ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ሪክ ማቻርን ብዝተፈጠረ ቍርቍስ ስልጣን ኣብ ታሕሳስ 2013 ኲናት ተወልዐ።
እቲ ግጭት ናብ ዝተፈላለዩ ውድባት ዘሳተፈ ብዙሕ ዝገጻቱ ኲናት ሕድሕድ ተሰጋጊሩ፤ ሰፊሕ ምምዝባል፡ ሰብኣዊ ጥሕሰትን ሕጽረት መግብን ኣስዒቡ።
ኣብ 2015 ኲናት ሕድሕድ ዝዓርፈሉ ስምምዕ ሰላም ተኸቲሙ፡ ን30 ኣዋርሕ ዝጸንሕ መሰጋገሪ እዋን ተደንገገ።
እዚ መድረኽ'ዚ ቅድሚ ምዝዛሙ 60 መዓልታት ኣቐዲሙ መረጻ ክካየድ ቃል ተኣትዩ።
እዚ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ቀዳማይ መረጻ፡ ኣብ 2016 ዳግማይ ኲናት ብምብርዑ ቅሂሙ ተረፈ።
ኣብ 2018 ካልእ ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ፡ 400,000 ህይወት ሰባት ዝወሰደ ኲናት ከብቅዕ ተስፋ ተነብረ።
ን36 ኣዋርሕ ዝጸንሕ መስጋገሪ እዋን ቅድሚ ምዝዛሙ ዝነበረ 60 መዓልታት ድማ መረጻ ክካየድ ክኣ ተወሲኑ።
ሽዑ'ውን እዚ ኪዳን ስምምዕ ኣይተኸብረን።
እቲ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ዝቘመ ኣካል (Resolution of the Conflict in the Republic of South Sudan) ኣብ ነሓሰ 2022 ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ መረጻ፡ 24 ኣዋርሕ ብምንዋሕ ኣብ ታሕሳስ 2024 ክካየድ ወሰነ።
ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2024 ድማ ናብ ታሕሳስ 2026 ንራብዓይ ግዜኡ ክዳናጐ ወሲኑ።
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ደቡብ-ሱዳን ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ቱት ጋትሉኣክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ቅድሚ መረጻ ምክያዱ ከም ቈጸራ ህዝቢ፡ ምንዳፍ ቀዋሚ ሕገ-መንግስትን ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባትን ዝኣመሰሉ ኣሰራርሓታት ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ገና ግዜ ከም ዘድሊ ገሊጹ ነይሩ።
ሕቡራት ሃገራት ብመንግስቲ ሱዳን ብዝተዋህበ መግለጺ፡ "ጣዕሳን ተስፋ ምቝራጽን" ከም ዝተሰምዖ ክገልጽ ከሎ፡ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብአን ኤምባሲታት ሸሞንተ ምዕራባውያን ሃገራት፡ በቲ ምድንጓይ መረጻ ተስፋ ምቍራጸን ብምግላጽ፡ "ኣብ ዝሓጸረ ግዜ" ክካየድ ጸዊዐን።
"ን24 ኣዋርሕ ምንዋሕ ማለት፡ ኣብተን መስርሕ ሰላም ከተግብራ ዝቘማ ትካላት ን24 ኣዋርሕ ዝያዳ ወጻኢታት ክግበር ማለት እዩ፡" ብምባል፡ ኣብቲ ዘውጽኡዎ ሓባራዊ መግለጺ ምረቶም ገሊጾም።
እቶም ዜጋታት መረጻ ምክያድ ዋላ ሓደጋ ይሃልዎ፡ ዝበዝሑ ኣብ እዋኑ ክካየድ ከም ዝደልዩ ዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ የመልክት።
ደቡብ-ሱዳናውያን ምስ ምዕልቕላቕ ማይ፡ ሕጽረት መግብን ዓመጻትን ይቃለሱ ኣለዉ።
ሰብኣዊ ትካል ሕብራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ብውሕጅ ከም ዝተሃስዩ ገሊጹ ነይሩ።
ድሕሪ መረጻ ዝሓሸ ህይወት ክመርሑ ድማ ተስፋ ይገብሩ። እንተዀነ፡ እቲ ምድንጓይ በቶም ዝቘሙ ኣካላት ከም ዝድለን እቲ ጸገም መዋቕራዊ ከም ዝዀነን ዝምጕቱ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ቀዳማይ ኣብ ምምቕራሕ ስልጣን ዝተፈጥረ መዋቕር ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ኲናት ሕድሕድ ኣብ 2015ን 2018 ደው ክብል ዝገበረ ቅማረ ምምቕራሕ ስልጣን እዩ። እንተዀነ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ምንጪ ናይ ዘይምርግጋእ ክኸውን ክኢሉ እዩ።
እዚ ስርርዕ'ዚ፡ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ባህሪ ከም ዝላበሳ ከም ዝገበረን ልዕልና ሕጊ እናተዳኸመ ብሕታዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ እናዓብለለ ምምጽኡን ብዙሓት ይወቕሱ።
ካልኣይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ሰላም ዝቘመ R-ARCSS ዝተሰምየ ትካል፡ 5 ምክትላት ፕረዚደንት፡ 45 ምኒስተራትን 650 ኣባላት ሃገራዊ ሓጋጊ ኣካልን ዝሓቘፈ እዩ። እዞም ኵሎም ድማ ብናይዚ ትካል ቀመር ምክፍፋል ስልጣን እዮም ዝምእዘዙ።
ደቡብ-ሱዳን ብቝጽሪ ዘይተመርጹ ሰበስልጣን ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ኰይና ኣላ።
ምንዋሕ መረጻ ከኣ ኣብ ውሳነ እዞም ዘይተመርጹ ሰበስልጣን ስለ ዝምርኰስ፡ ኵነታት ከም ዘለዎ ክቕጽልን መረጻ ክሰጋገርን ረብሓ ከም ዘለዎም እዩ ይግለጽ።
ካልኣይ፡ መስርሓት ሽምግልናን ግዴታቶምን እዩ። መስርሕ ዘተ ሰላም ልዕሊ እቲ ስምምዕ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ - ንኣተገባብርኡ ስለ ዝውስኖ።
እቲ ብፕረዚደንት ሱዳን ነበረ ዑመር ኣልበሽርን ፕረዚደንት ኡጓንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒን ዝተመርሐ መስርሕ ሽምግልና፡ ጉድለት ዘለዎ፡ ዘይሓቛፊ፡ ኣስገዳድን ዘይክውንነታውን ብምዃኑ፡ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ኰነ ኢልካ ከም ዝተገብረ ገይሮም ዝገልጹዎ ተዓዘብቲ ኣለዉ።
ሳልሳይ፡ እቲ ዝቘመ ኣካል (R-ARCSS) ንትግባረ ዝዓንቀፈ ወይ ካብ ሓዲዱ ዘስሓተ ዝቐጽዕን ዝእግድን ኣገባብ የብሉን። ገለ ወገናት ነቲ ስምምዕ ከተግብሩዎ እንተ ዘይክኢሎም መኽተያ ዝግበረሉ መንገዲ የሎን።
ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ስምምዕ ብዘይምትግባሮም ዝወርዶም ሃስያ ስለ ዘየሎ፡ እቲ መረጻ ቀጻሊ ክናዋሕ ዘተባብዕ ምዃኑ ይግለጽ።
ደቡብ-ሱዳን ምድንጓያት ኣብቂዑ ኣብ 2026 መረጻ ምእንቲ ክካየድ።
እቲ ቅድመ-መረጻ ዘድሊ መስርሓት ንእለቱ ክካየድ ብዙሓት ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ።
ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ግን፡ "ነቶም ቅድሚ መረጻ ዝካየዱ ኣገደስቲ ዕማማት ንምፍጻም ተወሳኺ ግዜ የድሊ፡" እዩ ዝብል።
ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ብዝተላዕለ ኲናት ሓድሕድ መስመር ነዳዲ ስለ ዝዓነወ፡ እታ ሃገር ኣብ ቍጠባዊ ቅልውላው ከም ዘላን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዳርጋ ንዓመት መሃያኦም ከም ዘይተኸፍሉን ይግለጽ። መንግስቲ ደቡብ-ሱዳን መረጻ ከካይድ እንተዀይኑ፡ ሓገዛት ከም ዘድልዮ ዝገልጹ ድማ ኣለዉ።
ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ-ሱዳን፡ ምስቲ መንግስቲ ብምትሕብባር ኣብዚ መዳይ'ዚ ፍታሕ ንምምጻእ ይሰርሕ ከም ዘሎ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







