ቅልውላው ሱዳን፡ ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ብኸመይ ኣብ ኲናት ሱዳን ይሳተፉ ኣለዉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዕጡቓት ወተሃደር ሱዳን ኣብቲ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ጣውላ ገለ ሰነዳት እናተናኸፉ ይርኣዩ።
እቶም ሰነዳት ብዝሑል ምንቅስቓስ ስእሊ ኣብ ስክሪን ክቐርቡ ከለዉ፡ ፓስፖርት ኮሎምብያ፡ ናይ ጕዕዞ ካርድን መለለዪ መንነት ወረቐትን ይርአ። ወናኒ ናይዚ ወረቓቕቲ፡ ክርስትያን ሎምባና ሞንካዮ ይበሃል።
ብተወሳኺ፡ ብናይ ቈልዓ ኢደ-ጽሕፈት ብቛንቋ ስጳኛ ዝተጻሕፈ፡ "ንስኻ ብሉጽ ኣቦ ኢኻ፣ ኣዝየ እየ ዘፍቅረካ፡" ዝብል ደብዳበ ይርከቦ።
ነዚ ዘርኢ ቪድዮታት ኣብ ሓያሎ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክርአ ቀንዩ። ቢቢሲ ክፍሊ ምርግጋጽ ሓበሬታ፡ እቲ ቪድዮ ኣበይን ምኣስን ተሳኢሉ ብልክዕ ከረጋግጽ ኣይከኣለን። እንተዀነ፡ እቶም ኣብቲ ቪድዮ'ቲ ዝተርኣዩ ሰነዳት ሓቀኛታት ይመስሉ።
ሓንቲ ካብተን ቪድዮታት፡ ሓባራዊ ሓይሊ ንዕጥቃዊ ቃልሲ (JFAS) ብዝተባህለ ጕጅለ ብዝሃቦ መግለጺ ኣብ ፌስቡክ ተዘርጊሓ። "ካብ ሊብያ ናብ ዳርፎር ዝሓልፍ ዝነበረ ከበድቲ ኣጽዋርን ተተኰስትን፡" ዝሓዘ ቃፍላይ ብበረኻታት ክሓልፍ ከም ዝዓገተ'ውን ይገልጽ።
ምስዚ ዝተረኽበ ሰነድ ናይዚ ኮሎምብያዊ ብምትሕሓዝ ድማ፡ "እዚ፡ ክሳዕ ክንደይ ተሳትፎ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ ሱዳን ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ፡" ይብል።
ኮሎምብያዊ ሎምባና ሞንካዮ እንታይ ከም ዝጐነፎ፡ ኣበይ ከም ዘሎ ወይስ ተቐቲሉ እዩ ገና ኣይነጸረን። እንተዀነ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ፕረስ ኮሎምብያ፡ ቢቢሲ ሙንዶን መግለጺታት ሰበስልጣን ኮሎምብያን፡ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝነጥፍ ዝዓበየ ጕጅለ ኮሎምብያውያን ከም ዝዀነ ክምታቶም ይህቡ።
ብ29 ሕዳር፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዳርፎር ኣብ ዘካየዶ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ኣብ መንጐ መሳርዕ ዳዕመ ሰሪዕ ዝተሰለፉ፡ "22 ዜግነት ኮሎምብያ ዘለዎም ዕሱባት፡" ከም ዝቐተለ ገሊጹ እዩ።
"ኣማኢት" ኮሎምብያውያን

ምንጪ ስእሊ, Captura de redes sociales
እቲ ኣብ ምያዝያ 2023 ዝጀመረ ኣረሜናዊ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብታ ኣህጉር ከም ዘስዓበ ይፍለጥ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም፣ ብሚልዮናት ድማ ተመዛቢሎም ኣለዉ።
ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፉ ጠቕላላ ብዝሒ ኮሎምብያውያን ዝምልከት ወግዓዊ መረዳእታ የሎን። ድምር ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ግን፡ ብዙሓት ዜጋታት ኮሎምብያ ኣብ ሱዳን ክሳተፉ ከም ዝጸንሑ ይሕብር።
ካብቶም ጸብጻባት፡ ላ ሲላ ቫስያ ዝተባህለ ሻራ ዘይብሉ መጽሔት፡ ልዕሊ 300 ከም ዝዀኑ ገሚቱ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ ብ27 ሕዳር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሃገሩ፡ "እቶም ዝተታለሉ መንእሰያትና ንምምላስ ዝሕግዝ መንገዲ ኣብ ኣፍሪቃ ክደሊ፡" ሓቲቱዎ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኮሎምብያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ "ገለ ካብ ደቂ ሃገርና ብዝተራቐቐ መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ተታሊሎም ዝጓዓዙን ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ዕሱብ ሰራዊት ኣብ ዓለምለኻዊ ግጭታት ዝሳተፉን፡" ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ቢቢሲ ሙንዶ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ጠቕላላ ብዝሒ ኮሎምብያውያን ብናጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
እንተዀነ፡ ብመሰረት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝግበር ተልእኾታት ኮሎምብያ ዝነጥፍ ክኢላ ጸጥታ ማሪዮ ኡሩንና ሳንቸዝ፡ እቲ ብዝሒ ከም ዘሎ "ዘይመስል" ኣይኰነን።
ምልመላ ወተሃደራት ኣብ ሃገራት ወጻኢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወተሃደራት ኮሎምብያ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝካየዱ ውግኣት ክሳተፉ ምግባር፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ተርእዮ እዩ።
ኣብታ ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገር ንዓመታት ዝቐጸለ ውሽጣዊ ዕጥቃዊ ግጭታትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ንምጭፍላቕን ብዝብል ምኽንያታት፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ልዑል ክእለት ዘለዎም ወተሃደራት ክምልመሉ ገይሩ እዩ።
እንተዀነ፡ እዞም ወተሃደራት ብኣብዝሓ ብትሑት ኣታዊ ህይወቶም ክመርሑ እዮም ዝቃለሱ። ኣማራጺ ዕዮ ንምርካብ ብዙሕ ተስፋ ስለ ዘይብሎም ድማ ኣብ ከም ዩክረይን፡ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ኣብ ዝነበረን ዘሎን ግጭታት ንምስታፍ ናብ ሃገራት ወጻኢ ግዒዞም።
ወተሃደራዊ መኮነን ነበር ኣልፎንሶ ማንዙር፡ ኣብ ኮሎምብያ ንዝርከቡ ጥሮተኛታት ወተሃደራት ዝምልከት ህዝባዊ ፖሊሲታት ዝትንትን ምሁር እዩ።
ማንዙር ከም ዝበሎ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኮሎምብያን `ውጥን ኮሎምብያ` ብዝብል ድሕሪ ዝተኻየደ ስምምዕ፡ ኣመሪካ፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ዕጡቓት ጕጀለታትን ንምምካት ዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላራ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ዝውዕል ሓገዝ ገይራ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዝሰዓበ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝግዕዙ ወተሃደራት ወሲኹ ኣሎ።
"ድሕሪ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት እኹል ምንጪ ኣታዊ ከይረኸቡ ጥሮታ ክወጽኡ ዝጀመሩ ወተሃደራት ኮሎምብያ ብዝሖም ብዝያዳ ንኽዓቢ ደሪኹ፡" ይብል ማንዙር።
እዞም ወተሃደራት ነበር፡ ኣብ ትሑት ሓደጋ ዘለዎ ዕዮታት ክሳተፉ ቃል ተኣትዩሎም ናብ ሃገራት ወጻኢ ምስ ከዱ፡ ናብ ግንባራት ክለኣኹ ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ቢቢሲ ሙንዶ ኣብ ዘቃልዖ ጸብጻብ፡ እቶም ናብ ዩክረይን ዝተጓዓዙ ኮሎምብያውያን ከምዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ እዩ ቃል ተኣትዩሎም፣ ናይ ሱዳን`ውን ካብዚ ዝፍለ ክኸውን ኣይክእልን።
ምንጭታት ቢቢሲ ሙንዶ ከም ዝሕብሩዎ፡ እቶም ብዘይሓሰቡዎ ኣብ ሱዳን ዝበጽሑ ዓሰርተታት ኮሎምብያውን ወተደሃደራት፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሓጺር ብምጽናሕ ናብ ኣፍሪቃ ዝልእኮም "ምስጥራዊ መስርሕ" ከም ዘሎ ይሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ምንጭታት ነዚ ኣበሃህላ'ዚ ዝድግፍ ሰነዳት እኳ እንተ ኣቕረቡ፡ ቢቢሲ ሙንዶ ግን ሓቅነት ናይዞም ሰነዳት ብናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ሰራዊት ሱዳን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንዳዕመ ሰሪዕ ትሕግዝ ከም ዘላ ይኸስስ።
ሰራዊት ሱዳን'ውን፡ እቶም ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ኣብ መንጎ መሳርዕ ዳዕመ ሰሪዕ ከም ዘለዉ ይገልጹ።
ኣብቲ ብወተሃደራት ሱዳን ዝተጻዕነን ቢቢሲ ዘረጋገጾን ቪድዮ፡ ምስ ሰነዳት ናይቲ ኮሎምብያዊ ወተሃደር ባጤራ ናይ ኢማራት ዓረብ ተረኺቡ እዩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ልምባና ሞንካዮ ዝተባህለ ወተሃደር፡ ንዱባይን ኣቡ-ዳቢን ዘጠቓለለ ጕዕዞኡ ኣብ ቲክቶክን ፌስቡክን ሰኒዱዎ ይርከብ። ቢቢሲ'ውን ነዚ ከረጋግጾ ክኢሉ እዩ።
ኣብ ጥሪ ዝተሓትመ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢማራት ዓረብ ብሊብያ፡ ጫድን ደቡብ ሱዳንን ኣቢላ ብኣጽዋር፡ ሎጂስቲክስን መካይንን ንሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ወተሃደራዊ ደገፍ ትህብ ኣላ ንዝብል፡ "ሓቅነት ኣለዎ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
ይዅን'ምበር፡ ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ኢዳ ከም ዘየእተወት ብተደጋጋሚ ክትነጽግ ጸኒሓ'ያ።
መንገዲ ናብ ሱዳን
ተመራማሪ ዩሩንያ ሳንቸዝ ከም ዝገለጾ፡ ኮሎምብያውያን ኣብ ስግር ባሕሪ ንዝርከብ ጠለባት ዕዮ ዝረኽቡዎ፡ ብመንገዲ እተን ብጥሮተኛታት ወተሃደራት ዝቘማ ጕጅለታት ዋትስኣፕ ኣቢሎም ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣብ ከምዚ ናይ ሱዳን ዝኣመሰለ ግጭታት ክዋግኡ ይግደዱ።
ዑመር ኣንቶንዮ ሮድሪገዝ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ነበረ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝልእኽ ትካል ነይሩዎ። እቲ ናይ ውትህድርና ድሕረ-ባይታኡ ድማ ምስ ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ወተሃደራት ነበረ ጥቡቕ ርክብ ክህልዎ ከም ዘኽኣሎ ይዛረብ።
ገሊኦም ኣብ ዕዮታት ጸጥታ ኣብ ሊብያ ንኽሰርሑ ተባሂሎም ኣብ ኢማራት ዓረብ ንሓጺር ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ፡ መወዳእታኡ ኣብ ግጭት ሱዳን ክሳተፉ ከም ዝተገብሩ ከም ዘዕለሉዎ ሮድሪገዝ ይገልጽ።
ንሱ ንቢቢሲ ሙንዶ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ሊብያ ኣብ ግላዊ ስርሓት ጸጥታ ክሰርሑ እዩ ቃል ተኣትይሎም። ደሓር ግን ኣብ ጐድኒ ዳዕመ ሰሪዕ ተሰሊፎም ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ክዋግኡ እዮም ብዘይ ግቡእ ኵነታት ተፈሪዶም፡" ይብል።
"ገሊኦም ድሮ ተመሊሶም ኣለዉ። ካልኦት ከኣ ኣብቲ ግጭት ድሕሪ ምስታፎም ናብ ኮሎምብያ ክምለሱ ይሓቱ እኳ እንተለዉ፡ ቀሊል ግን ኣይኰነን፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሮድሪገዝን ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኮሎምብያን ከም ዝብሉዎ፡ ዋሕዚ ናይቶም ንድልያ ስራሕ ናብ ኣፍሪቃ ዝኸዱ ኮሎምብያውያን ከም ዘየቋረጸ እዩ።
"ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ፡ ስፍሓት ናይቲ መሬት፣ ከምኡ'ውን፡ ድሩት ድፕሎማስያዊ ህላወ ኮሎምብያ ኣብ ኣፍሪቃ፡ እቶም ካሎምብያውያን ካብኡ ክወጽኡ ኣጸጋሚ ይገብሮ፡" ክብል ኡሩንያ ይዛረብ።
ቢቢሲ ሙንዶ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተራኺቡ ነይሩ።
እቲ ምኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፡ "እታ ሃገር ኣብ ኲናት ሱዳን ከም እትሳተፍ ንዝገልጽ ዝዀነ ይዅን ክሲ፡" ብትሪ ከም ዝነጽጎ ሓቢሩ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ዓረብ፡ "ንኽልተኦም ወገናት ዝዀነ ሓገዝ ከም ዘይትህብ፡" ብምግላጽ፡ "ህጹጽ ናይ ተዅሲ ምቍራጽን ሰላማዊ ፍታሕን፡" ክህሉ ከም እትጽውዕ ገሊጹ።
ኮሎምብያውያን ኣብ ኢማራት ዓረብ
ኢማራት ዓረብ ብዘለዋ ደሓን ዝዀነ መሃያ፡ ንጡፋት ኰነ ጡረተኛታት ወተሃደራት ኮሎምብያ ክሰርሑለን ካብ ዝደልዩ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ይዅን እምበር፡ ከም ኣብ ትካል ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ክኢላ ተንታኒት ጸጥታን ግጭትን ኤልሳቤጥ ድኪንሰን ዝኣመሰሉ፡ ኮሎምብያውያን ጥሮተኛታት ወተሃደራት ኣብ ኢማራት ዓረብ ተመልሚሎም ኣብ 2015፡ "ቅድሚ ዓመታት ኣብ ግጭት የመን ኣብ ስርሒታት ከም ዝተሳተፉ፡" ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
"ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስቶም ኣብ ኢማራት ዓረብ ጥራይ ክሳተፉን ክስልጥኑን ዝሓሰቡ ጥሮተኛታት ወተሃደራት ተዘራሪበ ነይረ። ናብ ውግእ ፈጺሞም ከም ዘይስደዱ እምነት ነይርዎም። ኣብ መወዳእታ ግን ካብቲ ውዕሎም ወጻኢ ናብ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኵነታት እዮም ኣትዮም፡" ክትብል ንቢቢሲ ሙንዶ ገሊጻ።
ኢማራት ዓረብ ምስቲ ኣብዚ ጸብጻብ ዝተቓልዐ ፍጻመታትን ምስክርነታትን ዝዀነ ርክብ ከም ዘይብላ እኳ እንተ ገለጸት፡ እታ ክኢላ ግን፡ "ሕጂ'ውን ምልመላታት ይካየድ ምህላዉ ከም እትጥርጥር ዝገብረካ፡" ከም ዘሎ ትገልጽ።
ኣብ መጀመርታ 2010ታት ብዙሓት ካብ ሰራዊት ኮሎምብያ ጥሮታ ዝወጽኡ ወይ ንጡፋት ወተሃደራት ናብ ዕጡቕ ሓይሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተጸንቢሮም እዮም።
እቶም ከም ኣካል ናይዚ ውዲት ናብ መሳርዕ ሰራዊት ኢማራት ዓረብ ዝተጸንበሩ ኮሎምብያውያን፡ ካብቶም ሕጂ ኣብ ውግእ ሱዳን ከም ዝተሳተፉ ዝተገልጹ ምዃኖም ዝሕብር መርትዖ ግን የሎን።
"እዚ ኣካል ናይቲ ኢማራት ዓረብ ንደቡብ ኣመሪካውያን፡ ኮሎምብያውያን፡ ፓናማውያን፡ ቺላውያንን ሳልቫዶራውያንን ዘጠቓለለ ወተሃደራዊ ኣሃዱታትን ቦጦሎኒታትን ንምቛም ዝዓለመ ፕሮጀክት እዩ ነይሩ፡" ይብል ሮድሪገዝ። እዚ ድማ ኣብ ሱዳን ብሕጋውን ወግዓውን ኣገባብ ከም ዝተገብረን ምስ ህሉው ኵነታት እታ ሃገር ምትእስሳር ከም ዘይብሉን ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ካልኦት'ውን ብስሩዕ መስመራት ኣቢሎም፡ ምስ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ጸጥታ ናይ ምክትታል ስራሕ ክፍጽሙ ከይዶም እዮም።"
ደሞዝ ሓደ ኮሎምብያዊ ወተሃደር ካብ 500-700 ዶላር ይበጽሕ። ኣብ ኢማራት ዓረብ ካብቲ ኣብ ኮሎምብያ ዝረኽብዎ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዕጽፊ ይኽፈሎ።
"ኣብቲ እዋን'ቲ ምኒስተር ምክልኻል መንግስቲ ዋን ማኑኤል ሳንቶስ (2010-2018) ናብ ኢማራት ዓረብ ብምኻድ፡ ኮሎምብያውያን ንኸይጕድኡ፡ እቲ ተርእዮ ኣገባባት ቍጽጽር ክካየደሉ ምሕታቱ ጽቡቕ ኣምራጺ ነይሩ፡" ይብል ኡሩንያ።
"ጸጥታዊ ምትሕብባር መሰረት ክልተኣዊ ዝምድና ኮሎምብያን ኢማራት ዓረብን እዩ ነይሩ። እናዓበየ`ውን ክመጽእ ጸኒሑ። ኣብ ንግድን ወፍርን`ውን ብተመሳሳሊ፡" ይምልእ ኡሩንያ።
ሰፊሕን ምስጢራውን ዕዳጋ
እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሱዳን ዝተኸስተ ተርእዮ፡ ነቲ ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ነበረ ካብ ውግእ ዕጸ-ፋርስ ክሳብ ሀይቲ ኣትዮሞ ዝነበሩ ኵነታት ዘዘኻኽር እዩ።
ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ ብ27 ሕዳር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ወተሃደራዊ ዓሰባ ኣብ ኮሎምብያ ክተርፍ ኣለዎ። ወተሃደራት ኣብ ኮሎምብያ ዝሓሸ ህይወት ክህልዎም ይግባእ። በቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ደሞም ዝፈሱ ዘለዉ መንእሰያት ወተሃደራት ገንዘብ ዘኻዕብቱ ዘለዉ ከኣ ክቕጽዑ ኣለዎም፡" ከም ዝበለ ይዝከር።
ንሓያሎ ኣብ ኮሎምብያ ዝርከቡ ክኢላታት ጸጥታ፡ ንጡረታኛታት ዝምልከት ህዝባዊ ፖሊሲታት ከይተመሓየሸ ንምፍታሑ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ፓሊሲታት`ዚ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ንጠለባት ናይቶም ኣብ ግጭታት ሃገራት ወጻኢ ህይወቶም ንሓደጋ ዘእትዉ ዘለዉ ኣማኢት ሰባት ዝምልስ ኣይመስልን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







