ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ ፈረንሳ ስለምንታይ የሻቕል?

ምንጪ ስእሊ, Amnesty International
ኣብቲ ናብ ካልኣይ ዓመቱ ዘምርሕ ዘሎ ዘሎ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ ፈረንሳ የገልግል ከምዘሎ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ።
እዚ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተነቢሩ ዝርከብ እገዳ-ኣጽዋራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጠሓሰ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ።
ዕጡቓት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ [RSF] ምስ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝዋግኡሉ እዋን፡ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝቐረባ፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝርከባ መካይን፡ ሓደ ፍሉጥ-ሃርድዌር-ፈረንሳ ዝተገጠመለን ምዃኑ ይገልጽ።
ዋና ጸሓፊት ኣምነስቲ ኣግነስ ካላማርድ፡ “ኣብ ፈረንሳ ዝተነድፉን ዝተሰርሑን ኣጽዋር ኣብ ሱዳን ኣብ ዓውደ ውግእ ይውዕሉ ከምዘለዉ ውጽኢት መጽናዕትና ይሕብር” ኢላ።
ቢቢሲ፡ ፈረንሳን ኢማራት ዓረብን ርእይቶ ሓቲቱ ዛጊድ ምላሽ'ኳ እንተዘይረኸበ፡ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ከምዘየዕጥቓ ክገልጻ ጸኒሐን እየን።
ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ግጭት ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ከምዘስዓበን ብዙሓት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥሜት ከምዝወድቑን ይገልጹ።
ስርዓተ ምክልኻል ጋሊክስ - ኣብ ፈረንሳ ብኩባንያታት ከይኤንዲኤስን ላክሮይስን [KNDS, Lacroix] ዝተሰርሐ - ንሓይሊ ምድሪ [ኣጋር ሰራዊት] ዘገልግል ኰይኑ፡ ካብ ቀረባ ርሕቀት ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ታንኪታት ንምምካት ዝሕግዝ እዩ።
ኣምነስቲ ግን፡ እቲ ኣጽዋር ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምፍጻም ኣብ ከምዘገልግል ብምግላጽ፡ መንግስቲ ፈረንሳ እተን ኩባንያታት፡ "ናብ ኢማራት ዓረብ ምቕራበን ደው ከብላ ከረጋግጽ ኣለዎ" ኢሉ።
እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ስርዓት ጋሊክስ ዝተገጥመለን ከምዝዀነ ኣረጋጊጸ ዝበለን፡ ኣብ መሬት ወዲቐን [ዓንየን] ዝረአያ መካይን፡ ምስልታት ዘርጊሑ ኣሎ።
ኢማራት ዓረብን ፈረንሳን፡ ኣብ ጽላት ምክልኻል ነዊሕ ዝጸንሐ ሽርክነት ከምዘለወን ብምግላጽ፡ እተን ኩባንያታት ፈረንሳ ካብ 2014 ክሳብ 2023 ኣስታት 2.6 ቢልዮን ዩሮ [2.74 ቢልዮን ዶላር] ዝግመት ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ናብ ኢማራት ዓረብ ከምዝሰደዳ፡ ዝሕብር ጸብጻብ ጠቒሱ።
እተን ኩባንያታት፡ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምኽባርን "ኣብ መላእ ሰንሰለት-ፍርያተን ግቡእ ምጽራይ" ናይ ምክያድን ሓላፍነት ከምዘለወን ገሊጹ።
ኣምነስቲ፡ ንኣጠቓቕማ ስርዓተ ምክልኻል ብዝምልከት፡ ምስተን ዝኽሰሳ ኩባንያታትን ሰበስልጣን ፈረንሳን ርክብ ከምዝገበረን መልሲ ከምዘይረኸበን ይገልጽ።
"ፈረንሳ፡ ብመስርሕ ቍጽጽር ሰደድ ኣቢላ፡ እቲ ኣጽዋር ናብ ሱዳን ዳግማይ ከምዘይልኣኽ ከተረጋግጽ እንተዘይክኢላ፡ ነቶም ኣፍረይቲ ኩባንያታት ዝውውር ፍቓድ ክትህቦ የብላን" ኢሉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ህዝቢ ዳርፉር ‘ምጽናት ዓሌታት’ ተፈጺሙ ድሕሪ ዝብል ክሲ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2004 ኣብቲ ዞባ እገዳ ኣጽዋር ኣንቢሩ።
ኣምነስቲ፡ እቲ እገዳ ናብ ካልእ ክፋል ሱዳን ክሰፍሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኲናት ሓድሕድ ምስተጀመረ ክተርርን ክሕይልን ጸዊዑ ነይሩ።
ኣምነስቲ፡ ኵለን ሃገራት ንዝዀኑ ዕጡቓት ውድባት ሱዳን ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ኣጽዋር ምቕራብ ደው ከብላ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን -ሕሜቲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ፡ ምስ ኣብ ትሕቲ ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝርከብ ምዱብ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ደማዊ ውግእ ተጸሚዱ ይርከብ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ኣብ ዳርፉር ብዓሌታዊ ምጽናት ዝኽሰስ ኰይኑ፡ ብወገኑ እቲ ክሲ ናብ ሚሊሻታት ደቂ ዓዲ ብምዛር ነቲ ገበናት ይነጽጐ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ብገበናት ኲናት ይኽሰሱ።
ኣብቲ ገና ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው፡ ኣሽሓት ህይወቶም ስኢኖም፡ ካልኦት ሚልዮናት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።
ኣብ ነሓሰ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኮሚተ ክኢላታት፡ ኣብ ገለ ክፋል ዳርፉር ኵነታት- ዓጸቦ ኣዊጁ ነይሩ።
ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ናብታ ሃገር ድሕሪ ዝገበሮ ዑደት፡ ጥምየት "ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታታት" ከምዘሎ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ሽዑ ዋና ዳይረክተር እቲ ትካል ዝዀነ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኵነታት ሱዳን ኣዝዩ ዘሰክፍ'ዩ... እቲ ሰፊሕ ምምዝባል፡ ሕጂ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ'ዩ፡ ብርግጽ ድማ ዓጸቦ ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ ሱዳን፡ ኲናት፡ ጥምየት፡ ምምዝባልን ሕማምን ብደረጃ ዓለም እቲ ዝኸፍአ'ኳ እንተዀነ፡ ብጉዳያት ዩክረይንን ማእከላይ ምብራቕን ተዓብሊሉ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







