ሱዳን፡ ንሕቡራት ሃገራት ዘሻቐለ ሓድሽ ማዕበል ጃምላዊ ቅትለት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሱደን ማእከላይ ግዝኣት ጀዚራ "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ገበናት" ከምዝተፈጸመ ብዝሕብር ጸብጻባት፡ ከምኡ’ውን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝፈጸሞ ጅምላዊ ቅትለት ከምዝተሻቐለት ኣብታ ሃገር ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ገሊጻ።
ክሌመንቲን ንክዌታ-ሳላሚ ነዚ ርእይቶ ዝሃበት፡ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቍሸታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 124 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓደ ጕጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
እቲ ጕጅለ፡ ዕጡቓት ኣንጻር ብሰራዊት ዝዓጠቑ ምልሻታት ይዋግኡ ከምዘለዉ ብምግላጽ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ኣይገበርኩን ክብል ነቲ ክስታት ነጺጉ።
ኣብ ሱዳን ን18 ኣዋርሕ ብዝቐጸለ ግጭት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 11 ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ - ዳዕመሰሪዕ - ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ካብ ኣዘዝቱ ዝዀነ ኣቡ ኣቕላ ካይካ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ተጸምበረ፡ ግዝኣት ጀዚራ ናብ ዓቢ ዓውደ ውግእ ተቐይራ ትርከብ።
ኣቡ ኣቕላ "ብዙሓት ሓይልታቱ" ሒዙ ከምዝተጸምበሮ ዝሓበረ ሰራዊት ሱዳን፡ እዚ ድማ ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ ምስላም ልዑል ስም ዘለዎ ኣዛዚ ከምዝዀነ ገሊጹ።
ከም ግብረ-መልሲ ናይዚ ድማ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ተዋጋእቱ ንነብሶም ክከላኸሉን "ንዅሉ ኣጽዋር ዝሓዘ ሰብ ብወሳኒ መንገዲ ክገጥምዎን እዮም" ኢሉ።
ኣብ ሱዳን ተቐማጢትን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዝን ሕቡራት ሃገራት ንክዌታ-ሳላሚ ከምዝበለቶ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ መንጐ 20 ክሳብ 25 ጥቅምቲ ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ መባእታዊ ጸብጻባት የመልክቱ።
እቲ መጥቃዕቲ ከኣ ጃምላዊ ቅትለት፡ ምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን፡ ሰፊሕ ምዝማት ትካላት ንግድን ኣባይትን ከምኡ’ውን ምንዳድ ሕርሻታት ከም ዘስዓበ ኣረዲኣ።
ንክዌታ-ሳላሚ፡ እቲ "ግፍዓዊ ገበናት" ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ዝተፈጸመ ዝመሳሰል ምዃኑ ገሊጻ።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዝተቓወምዎ ማሕበረሰባት ፈጺምዎ ዝተበሃለ “ዓሌታዊ ምጽናት” ይነጽጐ።
ንክዌታ-ሳላሚ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ክሳብ ሕጂ ንጹር ከምዘይኰነ እኳ እንተገለጸት፡ መባእታዊ ጸብጻባት ግን ዓሰርተታት ሰባት ኣብ ግዝኣት ጀዚራ ከምዝተቐትሉ ይሕብሩ።
ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ከብቅዕን ደሞክራስያዊ ምሕደራ ክቐውምን ዝጕስጉስ ኮሚቴ ‘ዋድ ማዳኒ’ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ "ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ዝቐጸለ ሰፊሕ ህልቂት ይፍጽም ኣሎ" ምባሉ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ማሕበር ሓካይም ሱዳን ብወገኑ፡ ናብተን ብሓይልታት ህጹጽ ደገፍ "ጃምላዊ ቅትለት" ዝፍጸመን ዓድታት ውሑስ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ንኽሰማምዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ።
ስርሒታት ምድሓን ህይወት ዘይከኣል ኮይኑ ከምዘሎን እቲ ሰራዊት ንሰላማውያን ሰባት ክከላኸል "ዓቕሚ ከምዘይብሉን" እቲ ማሕበር ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ሱዳን ዝቐጸለ ግጭት፡ ኣብ መንጐ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ወተሃደራት ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ድሕሪ ዘጋጠመ ምፍልላይ እዩ ኣብ ሚያዝያ 2023 ተወሊዑ።
ክልቲኦም ብሓባር ኣብ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ብምፍጻም ንሱዳን ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ውጥን እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪኡ ግን ኣብ ሕሱም ቁርቍስ ስልጣን ተጸሚዶም።
ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን ነቲ ግጭት ንምቍራጽ ብሸምጋሎ ጻዕርታት ይገባራ ምህላወን ይፍለጥ። ክልቲኦም መራሕቲ ግን ስምምዕ ሰላም ንምፍራም ኣብዮም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







