ካርቱም፡ ሰራዊት ሱዳን ነታ ርእሰከተማ ንምቁጽጻር መጥቃዕቱ ይቕፅል ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ሰራዊት ሱዳን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንርእሰ ከተማ-ካርቱም ንምቁፅፃር ዝጀመሮ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝቕጽሎ ላዕለዋይ ኣዛዚ ገሊጹ።
ሌ/ጀነራል ኢብራሂም ጃብር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ንልዕሊ 17 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ብዘየገድስ፡ ሰራዊቱ ስርሒታቱ ደው ከምዘየብል ተዛሪቡ።
"ሰላማዊ [ዘተ] ክቕጽል ይኽእል'ዩ፡ ሰራዊትና ግን ብሰንኩ ደው ኣይብልን'ዩ" ይብል እቲ ምክትል ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ሱዳን።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሰራዊት ሱዳን ንርእሰከተማ ካርቱም ካብቶም ብጀነራል "ሕመድቲ" ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ሓራ ንምግባር ሓድሽ መጥቃዕቲ ምፍናዉ ይንገር።
መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ብዘይምቅዳዎም ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።
ብሰንኪ እቲ ግጭት፡ ዛጊድ ኣስታት 150,000 ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ ጸብጻባት ከምዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ሓደጋ ከቢድ ጥምየት ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ሰብኣዊ ትካላት የመልክቱ።
ጀነራል ጃብር ግን ዓጸቦ ተራእዩ ከምዘሎ ንዝገልጽ ጸብጻባት ነጺግዎ ኣሎ።
እቲ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምልዓል ዝተዛረበ ጀነራል፡ ካብ ኢራን ኣጽዋር ናይ ምርካብ ስምምዓት ከምዝነበሮም ኣሚኑ።
"ሰራዊት ደው ክብል ዝኽእል ክልቲኡኦም ወገናት፤ ተኹሲ ደው ንምባል እንተ ተሰማሚዖም እዩ" ብምባል ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ካብቲ ብወግእ ዝሓዝዎ ከባቢታት ክወጹ ጠሊቡ።
"ማሕበረሰብ ዓለም፡ እቶም ሚሊሻ ውግእ ደው ከብሉን፡ ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ ኣባይቲ ክወጹን ጸቕጢ ይግበር" ክብል ብምግላጽ፡ ሓይልታቱ ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
ምቁራጽ ተጻብኦታት ንኽግበር ክካየድ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዛጊት ፍረ ከምዘየምጽአ ኣመሪካዊ ፍሉይ ልኡኽ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ተዛሪቡ ነይሩ።
"እቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ኮይኑ'ሎ፡ እቶም ደው ከብልዎ ዝግብኦም ቀንዲ ኣካላት ከኣ ኣብ ክንዲ ከቀላጥፍዎ፡ ዝርበጹ ዘለዉ'ዮም ዝመስሉ" ክብል ፐሪየሎ ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ።
ሰብኣዊ ኩነታት ገለ ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ዝገለጽ እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ፡ ረዲኤት ዝጸዓነ ሰብኣዊ ቃፍላይ ኣብቶም ተዓጽዮም ዝነበሩ ከባቢታት ክበጽሕ ከምዝኽኣለ ጠቒሱ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ኩነታት ክረጋጋእ እንተኾይኑ ካብኡ ኣዝዩ ዝለዓለ ምምሕያሽ ክርአ ከምዘለዎ ኣይሓብአን።
ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ንሓያለ ኣዋርሕ፡ ረዲኤት በቲ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ዝቆጻጸርዎ ዶባት ጫድን ዳርፉርን ከይኣቱ ኣጊዱ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብምፍቃዱን፡ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ዝቆጻጸርዎ ቦታታት ክበጽሕ ምትሕብባሮምን ነቲ ኩነታት ከቃልሎ ከምዝኸኣለ'ዩ ዝግለጽ።
ጀነራል ጃብር ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለመሕትት፡ ሰራዊት ሱዳን ሕልኽላኻት ፍቓድ ብምግባር ንተበጻሕነት ረዲኤት ይዕንቅጽን የደናጉን ኣሎ ንዝብል ነቐፌታ ነጺግዎ።
ብኣንጻሩ፡ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ሰብኣዊ ቀረባት ብምዝማትን፡ ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ዳርፉር ኣብ ከበባ እትርከብ ከተማ ኣል-ፋሸር ረዲኤት ከይኣቱ ብምኽልካልን ነቲ ኩነታት የጋድድዎ ምህላዎም ከሲሱ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተፈናቐልቲ ዛምዛም ኩነታት ዓጸቦ ከምዝተራእየ ሓቢሮም ነይሮም።
እቲ ሱዳናዊ ጀነራል ግን፡ ኣብታ ሃገር ዓጸቦ ኣይተራየን ንዝብል መርገጺ ሰራዊት ብምድጋም፡ እቲ ናይ ጥምየት ቅልውላው በቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ዝተፈጥረ ምዃኑ ይምጉት።
ኣብታ ሃገር ዓጸቦ ከምዘሎ እንተ ተኣዊጁ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ረዲኤት ናብቲ ዝተጸልወ ከባቢታት ህጹጽ ደገፍ ከብጽሓ ከገድድ ይኽእል'ዩ። እንተኾነ ግን መንግስቲ ሱዳን ዛጊድ ዓጸቦ ኣይኣወጀን።
ሰራዊት ሱዳን ንምዕራባዊ ዶብ ጫድ ክዓጽዎ ዝተገደደ፡ በቲ መስመር ዕሱባትን ኣጽዋራትን ናብ ሓይልታት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ይኣቱ ኣሎ ብዝብል'ዩ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓንቲ ካብተን ንሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ወተሃደራዊ ደገፍ ይህባ'የን ተባሂለን ዝሕመያ ሃገራት'ያ።
ደገፍ ኢማራት፡ "ኣብ መስርሕ እቲ ኲናት ዓቢ ፍልልይ የምጽእ'ዩ" ዝበለ ጀነራል ጃብር "ምኽንያቱ፡ ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ሚሊሻ'ዮም፡ ግና ደገፍ ምዕቡል ኣጽዋራት ይረኽቡ ኣለዉ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኲናት ክዕወትሉ ኣይክእሉን'ዮም፡ ሚሊሻ ስለዝኾኑ" ይብል።
ዋላ'ኳ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቶም ሓይልታት ወተሃደራዊ ደገፍ ከምዘይትገብረሎም እንተገለጸት፡ መርትዖታት ከምዘሎ ግን ሕቡራት ሃገራት የመልክእት።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣመሪካዊ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ዝተሓትመ ውጽኢት መርመራ፡ ሰፊሕ ምልክታትን ጭብጥታት ኣቕሪቡ'ሎ።
ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ፡ ብዛዕባ ዕድጊ ኣጽዋር ምስ ኢራን ልዝብ ከምዝተኻየደ ጀነራል ጃብር ኣተንቢሁ።
"ገንዘብ እንድሕሪ ኣለካን ክፍሊት ዘሳልጥ እንተ ተረኺቡን፡ ኣጽዋር ክትረክብ ትኽእል ኢኻ"።
"ኢራን'ውን ጥረ ገንዘብ እንተዘይሂብካያ ኣጽዋር ኣይትህበካን'ያ። ጥረ ገንዘብ ድማ የብልናን . . . እቲ ኣገዳሲ ነገር ንሕና መንግስቲ ኢና፡ ምስ ዝኾነ ወገን ክንወዓዓል ድማ መሰል ኣለና" ኢሉ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲን ሆስፒታላትን ኣልማማ ደብዳባት ከምዘካየደን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ስቅያትን ሰባት ከምዝፈጸመን ንዝገልጹ ጸብጻባት ሰብኣዊ መሰላት'ውን እቲ ጀነራል ነጺግዎም።
"ሰራዊት ሱዳን መልኣኽቲ ኣይኮኑን . . . ገበናት ክፍጽሙ ይኽእሉ'ዮም፡ ግና ብዛዕባ ውልቀሰባት'የ ዝዛረብ ዘለኹ" ይብል ጀነራል ጃብር።
እቲ ደማዊ ኲናት ክሳብ መዓስ ክቕጽል ከምዝኽእል ግምታቱ ካብ ምሃብ ዝተቖጠበ እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብዓወቶም ክዛዘም ትጽቢት ኣለዎ።
ገለ ሰበስልጣን ምክልኻል ሱዳን፡ ምስቲ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኣመሪካ ዘካየደቶ ኲናት ኣፍጋኒስታን ከነፃፅሩ ተሰሚዖም ነይሮም።
ንኲናት ሱዳን ዝከታተል 'ሱዳን ዎር ሞኒተር' ዝተባህለ ጉጅለ ተመራመርቲ ከምዝበሎ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ኲናት ንነዊሕ ዓመታት ከምዝቐጸለ የመልክት።
"ነዚ ዝተናውሐ ኲናት ከምዝኸውን ዝገብሮ፡ ሱዳን ሰፋሕ ሃገር ብምዃናን፡ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ድማ ዓበይቲ ምዃኖም'ዩ። ሓደ ዓውደ ውግእ ንውጽኢት ናይቲ ኲናት ክውስኖ ዝክኣል ኣይኮነን" ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ የረድእ።
ብዓይኒ ጀነራል ጃብር ግን፡ ናይቲ ኲናት መወዳእታ ንጹር'ዩ፡ "ሱዳን ክትስዕር'ያ፡ ሱዳን ዳግማይ ክትህነጽ'ያ"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







