ሱዳን፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ዝተሓሰምዎ ዘተ ሰላም ጀነቫ

ተቐናቐንቲ ጀነራላት ሕመድቲ (ጸጋም)፡ ኣል-ቡርሃን (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነቲ 16 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ብኣላይነት ኣመሪካ ዝምራሕ ኣኼባ ሎሚ ረቡዕ 14 ነሓሰ ኣብ ስዊዘርላንድ ተኸፊቱ።

እንተኾነ ግን ሰራዊት ሱዳን ይኹን ተጻባእቶም ዝኾኑ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ዘተ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት ሚልዮናት ሱዳናውያን እናተሳቐዩ "ክንጽበ ስለዘይንኽእል" እቲ ልዝብ ክቕጽል ከምዝተወሰነ ዋሽንግተን ገሊጻ።

ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 15 ሽሕ ሱዳናውያን ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ድማ ካብ ኣባይቶምን ከባቢኦምን ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ብጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ነዚ ሓድሽ ዝርርብ ምሕሳሙ፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ተፈጢሩ ንዝነበረ ተስፋ ኣማህሚንዎ'ሎ።

እቲ ሰራዊት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ስዑዲ ዓረብ "ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ" ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ኣብ ግብሪ ኣየውዓልዎን ብምባል'ዩ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ ዘሎ።

ብመሰረት 'ኣዋጅ ጂዳ' ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ዕጡቓቶም ካብ ሲቪላዊ መንበሪ ኣባይቲን ህዝባውያን ትካላትን ከውጽኡ ነይሮም ይብል እቲ ሰራዊት።

ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ብወገኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ወከልቶም ናብ ጀነቫ ከምዝኣተዉ ብምሕባር ሰራዊት ሱዳን "ንደሞክራስያዊ ሃረርታ ህዝቢ ሱዳን ንምፍጻም ድሉው ክኸውን" ጸዊዖም ነይሮም።

ይኹን እምበር፡ ሒደት ደቓይቕ ኣኼባ ቅድሚ ምጅማሩ ካብቲ ዘተ ከምዝሰሓቡ ተፈሊጡ'ሎ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ዘተ ከምተዓዛቢት ምስታፋ'ውን ሰራዊት ሱዳን ተቓዊምዎ ኣሎ።

ብዘይካ ኣመሪካን ኢማራትን፡ ወከልቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ስዊዘርላንድ፡ ብሪጣንያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ዝርርብ ይሳተፉ ኣለዉ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቶም ፕሪየሎ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "እቶኩሮና [ክልቲኦም] ወገናት ነቲ ኣብ ጂዳ ዝኣተውዎ ቃል ከኽብርዎን ከተግብርዎን ንምርግጋጽ'ዩ" ኢሉ።

"ተጻባእቲ ወገናት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩን ሰብኣዊ ደገፍ ክኣቱ ክተሓባበሩን ኣለዎም" ይብል እቲ ፍሉይ ወኪል።

ዘተ ሰላም ሱዳን ኣብ ጀነቫ፡ 14 ነሓሰ 2024

ምንጪ ስእሊ, @USSESudan

ብዛዕባ ተሳታፍነት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣብቲ ዘተ ዝተገልጸ'ኳ እንተዘየለ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ'ሎ።

እቲ ግጭትን ሰብኣዊ ረዲኤት ከይኣቱ ምኽልካልን እንተቐጺሉ፡ ኣሽሓት ሰባት ክውገድ ንዝኽእል ሞት ክቃልዑ ምዃኖም ትካላት ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቑ።

ኣመሪካ፡ እቲ ቅልውላው ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎን ሚልዮናት ሱዳናውያን ክጠምዩን ክፈናቐሉን ከምዝገበረን ገሊጻ።

ንክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ብምቅርራብ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንኽግበር ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተፈተነ ተበግሶታት ዛጊት እቲ ዝድለ ውጽኢት ኣየምጽአን።

ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ንክልቲኦም ወገናት ንምዕራቕ ተበግሶታት ክወስዳ ምጽንሐን ይፍለጥ።