ኤርትራ 'ዲፕሎማት ሱዳን ካብ ሃገራ ክወጽእ' ኣዚዛ፤ ሱዳን መብርሂ ሓቲታ

ሓበራዊ ስእሊ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስን

ኤርትራ ዲፕሎማት ሱዳን፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሃገራ ክወጽእ ዘሕለፈቶ ትእዛዝ ስዒቡ ሱዳን መብርሂ ሓቲታ።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱና፡ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጐረቤት ሃገር ኤርትራ ዝነበረ ፈጻሚ ጕዳያት [ቻርጅ ዲ ኣፌየር] ዝተባረረሉ ምኽንያት ዝምልከት “መብርሂ” ከም ዝሓተተት ሓቢሩ።

ኤርትራ እቲ ዲፕሎማት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ንክወጽእ ከም ዝተኣዘዘት ዝሃበቶ ወግዓዊ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጋዜጣ ስዑዲ ዓረብ ዝዀነ “ኣል-ኣሽራቕ”፡ ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ዘርጊሑ ነይሩ።

“መንግስቲ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳይ ሱዳን ዝነበረ ኣምባሳደር ኻልድ ዓባስ ካብ ሃገራ ክወጽእ ኣዚዛ” ይብል እቲ ጸብጻብ።

ምኽትል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሱዳን ሑሴን ኣልኣሚን፡ መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ “ካብ መንግስቲ ኤርትራ መብርሂ ንጽበ ኣለና፤ እቲ ኣምባሳደር ናብ ሃገሩ ክምለስ እንከሎ ዝብሎ ክንሰምዕ ኢና” ኢሉ።

ክሳብ ሕጂ፡ ኤርትራ እቲ ፈጻሚ ጕዳያት ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝተኣዘዘሉ ምኽንያት ዝምልከት ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበትን።

ቢቢሲ'ውን ነዚ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።

ኣባል መራኸቢ ብዙሃን ሓይልታት ኣደዒም ኣ'ሰሪዕ ዝዀነ ዋድ ኣል-ቡሃየር፡ እቲ ዲፕሎማት “ኣብ ኤርትራ ዘለው መንእሰያት ኣብ ጐኒ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፎም ንክዋግኡ ክምልምል ስለ ዝተረኽበ” ኤርትራ ካብ ሃገራ ክወጽእ ከም ዝወሰነት ገሊጹ'ሎ።

ብኻልእ ወገን “ኣል ተቕይዩር” ዝተባህለ ጋዜጣ ሱዳን፡ ስሞም ዘይተገልጸ ምንጪታት ኤርትራ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ዲፕሎማት “ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ንዝርከብ መሰልጠኒ መዓስከር ዝምልከት ሓበሬታ ዝእክቡ ክልተ መንእሰያት ብምምልማሉ” ክስጐግ ምኽንያት ከም ዝዀነ ጠቒሳ።

ምስ ሓይልታት ኣደዒም ኣ'ሰሪዕ ዝዋጋእ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጽቡቕ ርክብ ከም ዘለዎም ይፍለጥ።

ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪን ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅመር ንድሓር ኣብ መስከረም እቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ከም ዝተራኸበ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ዶባት ሱዳን-ኤርትራ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ኣሎ ዝብሉ ሓበሬታታት ይወጽኡ ነይሮም።

ኤርትራ ኣብ ግዜኡ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ውጹእ ሓሶት እዩ ክትብል ነጺጋቶ።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቅልውላው ምምዝባል ሰባት ዘስዓበ ኰይኑ፡ ልዕሊ 8.9 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ ምኽንያት ኰይኑ’ሎ።