ኣልቡርሃን ካብ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ድሒኑ ተባሂሉ

ጀነራል ኣልቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, Sudan army

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ቡርሃን፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ብዘይቅድመ ኵነት ኣብ ዝርርብ ሰላም ሱዳን ክሳተፍ ምስተሰማምዐ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ ስነ-ስርዓት ምረቓ ይሳተፍ ነይሩ።

ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ከም ዝተረፈ፡ ኣፈኛ ሰራዊት እታ ሃገር ነቢል ዓብደላ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣፈኛ ኣብ ቃሉ፡ በቲ ፈተነ ቅትለት ንሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ - ዳዕመ ሰሪዕ ከሲሱ። ንሱ "እቲ እንኮ ጸላኢ ሰራዊት ሱዳን ዝዀነ ሓይሊ እዩ፡" ኢሉ።

ነዚ ኣብ ልዕሊ ኣልቡርሃን ተፈጺሙ ዝተባህለ ፈተነ ቅትለት ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ኣብ ስነስርዓት ምረቓ ወተሃደራቱ ኣብ ዝሳተፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ኣጋ ፍጻመ እቲ መደብ፡ እቲ ቦታ ብክልተ ሚሳይላት ዒላማ ከምዝተገብረ እቲ ኣፈኛ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብቲ ጽንብል ብዙሓት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ሰራዊት ሱዳን ተረኺቦም ከምዝነበሩ ክግለጽ እንከሎ፡ ዝወረደ "ከቢድ ሓደጋ" ከምዘየለ ተሓቢሩ።

ሓሙሽተ ወተሃደራት ግን ፈኲስ ማህረምቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ ተባሂሉ'ሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መንግስቲ ሱዳን ካብ ኣመሪካ ክቐርበሉ ንዝጸንሐ መጸዋዕታ ተቐቢሉ ምስ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ [ዳዕመ ሰሪዕ] ክዛተ ተሰማሚዑ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን እዩ።

መንግስቲ ሱዳን ነቲ ከቕርቦ ዝጸንሐ ቅድመ ኵነት ኣቐሚጡ እዩ ምስ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ዝርርብ ሰላም ክገብር ተሰማሚዑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዝርርብ ሰላም ብኣመሪካ ዝተወደበ ኰይኑ ኣብ ስዊዘርላንድ እዩ ክካየድ።

ቅድሚ ሕጂ ንኽልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ናብ ዝርርብ ሰላም ንምምጻእ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ክፈሽል ምጽንሑ ይፍለጥ።

መንግስቲ ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ዕጡቓት ሓይልታት ካብተን ዝቈጻጸርወን ከተማታት እንተዘይወጺኦም ዘተ ሰላም ዝበሃል ከምዘይህሉ እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ምስ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ንምዝርራብ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝርርብ እንተተዓዊቱ ነቲ ን15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ደው ከብል እዩ ዝብል ተስፋ ፈጢሩ’ሎ።

ኣብ ሓምለ፡ ወከልቲ ዳዕመ ሰሪዕን መንግስቲ ሱዳንን ኣብ ጀነቫ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ሱዳን ራምታኒ ላማራ ብምርኻብ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓገዝን ምውሓስ ድሕነት ንጹሃት ዜጋታትን ክዛተዩ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።

እንተዀነ ወከልቲ መራሒ ዳዕመ ሰሪዕን ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ናብ ጀነቫ ይዅን ናብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ከምዘይከዱ’ዮም ኣፍሊጦም።

ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም፤ ልዕሊ 10 ሚልዮን ዜጋታት ከኣ ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ተመዛቢሎም።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብምውካስ ከምዝጸብጸቦ፤ ሱዳን ዝርርብ ሰላም ኣብ ዝካየደሉ ኵነታት ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ክትዘራረብ ሓቲታ’ላ።

ጸብጻብ ሱዳን ትሪቡን ከምዝሕብሮ ድማ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ዝርርብ ሰላም ቅድመ ኵነት ዘቐመጠሉ ኰይኑ እዚ’ውን ‘መን ኣብቲ ዝርርብ ክሳተፍ ኣለዎ?’ ዝብል ዘካተተ’ዩ።

እቲ ዘተ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ከምዝካየድ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ የመልክት።

ስዑዲ ዓረብ ምስ ስዊዘርላንድ ብሓባር ነቲ ዝርርብ ክተአንግዶ እያ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጽን ከኣ ብተዓዛብነት ከምዝሳተፋ ተፈሊጡ።