ሱዳን፡ ሩስያውያን ነይሮማ ዝተባህለት ነፋሪት ተሃሪማ ወዲቓ

ምንጪ ስእሊ, RSF
ኣብ ምዕራብ ሱዳን ሓንቲ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ብዝተተኰሰላ ተወንጫፊ ተሃሪማ ከም ዝወደቐት ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኤምባሲ ሩስያ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብረርቲ ናይታ ኣብ ዳርፉር ዝወደቐት ነፋሪት ሩስያውያን ምዃኖም ንዝገልጽ ጸብጻባት የጻርዮ ከም ዘሎ ገሊጹ'ሎ።
እታ ስርሓት ሩስያ ዝዀነት 'ሊዩሺን ኢል-76' ዝዓይነታ ነፋሪት፡ መሳርሒታትን መድሃኒትን ጽዒና ናብታ ሰራዊት ሱዳን ዝቈጻጸራ ከተማ ኢል-ፋሸር ትበርር ምንባራ ማዕከናት ዜና ሱዳን ወተሃደራዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢረን።
ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ፡ ሰራዊት ግብጺ ዝጥቀመላ ስራሓት ሩስያ ዝዀነት ነፋሪት ሃሪሞም ከም ዘውደቑ ብሰኑይ ሓቢሮም ነይሮም።
ሲቪላውያን ኣብ ምድብዳብ ተዋፊራ ከም ዝነበረት'ኳ እቶም ዕጡቓት እንተሓበሩ፡ 'ኣንቶኖቭ' ተባሂላ ትጽዋዕ ነፋሪት ጽዕነት ምዃና ተረጋጊጹ'ሎ።
ግብጺ፡ እቲ 18 ኣዋርሕ ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ንሰራዊት ሱዳን ዝዀነ ወተሃደራዊ ደገፍ ከም ዘይሃበት'ያ ትገልጽ።
እቲ ኣብ መንጐ ብጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊትን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምራሕ ተወርዋሪ ሓይሊታት ደገፍን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ቅልስ ስልጣን ዝተወልዐ ኲናት ሓደ ካብ ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቀልውላዋት ዓለም ኰይኑ ይርከብ።
ኣብቲ ኲናት ኣስታት 150 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ ዓሰርተ ሚልዮን ካብ መረበቶም ከም ዝተዘናበሉን ይንገር።
ብዛዕባ'ቲ ትማሊ ዘጋጠመ ምሕምሻሽ ናይታ ነፋሪት ዛጊት ዝወጸ ንጹር ዝርዝራዊ ሓበሬታ የለን።
ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ግን፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ተወሃሂዱ ይሰርሕ ከም ዘሎ'ዩ ሓቢሩ ዘሎ።
ሱዳን ትሪቡዩን ዝተባህለ መርበብ ዜና ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰለስተ ሱዳናውያንን ክልተ ሩስያውያንን ብምልኦም ከም ዝሞቱ ይጠቅስ።
እታ ናብ ከተማ ኢል-ፋሸር ተምርሕ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ከባቢ ዶብ ጫድ ኣብ ዝርከብ ማልሃ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢታት ሱዳን ከም ዝወደቐት ይሕብር።
እንተዀነ እቲ ጸብጻብ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ዘሎ።
እታ ኣብ ምሉእ ከበባ ኣትያ ትርከብ ኢል-ፋሸር ኣብቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ሱዳን እትርከብ እንኰ ከተማ እያ።
ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ፡ እቲ 'ብላክ ቦክስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሳጹን ሓበሬታ ናይታ ነፋሪትን ካልእ ሰነዳትን ኣብ ኢዶም ከም ዝኣተወ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዘውር ዝጸንሐ ቪድዮ፡ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ኣብ ጥቓ እታ ትነድድ ዝነበረት ነፋሪት ፓስፖርት ሩስያ ክገናጽሉ ይረኣዩ።
እታ ነፋሪት ብዘጋጠማ ቴክኒካዊ ጸገማት ከም ዝተሓምሸሸት ዝገልጽ ጸብጸባት'ኳ እንተሎ፡ እቶም ሓይልታትን ሰራዊት ሱዳንን ግን ተሃሪማ ከም ዝወደቐት'ዮም ኣፍሊጦም ዘለዉ።
ብጌጋ ተሃሪማ ክትከውን ትኽእል'ያ ዝብሉ'ውን ኣይተሳእኑን።
ምኽንያቱ ገለ ካብቲ ክዘውር ዝጸንሐ ቪድዮታት፡ እታ ነፋሪት ምስ ሓድ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ርክብ ዘለዎ መንገዲ ኣየር ምትእስሳር ከምዘለዎ ዘመልክት እዩ።
ኢማራት ዓረብ ንሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ትድግፍ'ያ ንዝብል ጸብጻባት ክትነጽጐ'ኳ እንተጸንሐት፡ ሕቡራት ሃገራት ግን መርትዖ ከም ዘለዎ'ዩ ዝምጉት።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ነቲ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ክካየድ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከምቶም ኣቐዲሞም ዝተኻየዱ ፈተነታት በርዒኑ ተሪፉ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ሰራዊት ሱዳን ነታ ዝበዝሐ ክፋላ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ እትርከብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ንምቁጽጻር ብወገን ደቡብን ማእከል ከተማን ስርሒታት ከካይድ ምቕናዩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







