ሱዳን፡ ብውግእ ዝሰልከየት ካርቱም 'ንብዓት ሓጎስ ተፍስስ'

ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ንፈለማ እዋን ናብ ካርቱም ዝኣተወ ረዲኤት

ምንጪ ስእሊ, WFP

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ካብ ዝውላዕ ንድሓር ንፈለማ እዋን ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ኣትዩ።

ብሰንኪ'ቲ ግጭት ኣብታ ሃገር "ዝኸፍአ ቅልውላው ዓለም" ተፈጢሩ ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ብሓሙስ፡ ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ብደቡብ እታ ከተማ ክኣትዋ ምስተራእያ፡ "ንብዓት ሰሓቕን ሓጎስን" ከም ዝተራእየ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረዲኤት ዱዓ ጣሪቕ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ትካላት ረዲኤት ብሰንኪ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ዝገብረዎ እገዳታትን ምዕጻው መስመራት መጓዓዝያን ህጹጽ ደገፍ ናብቶም ኣብ ከቢድ ሕሰም ዝወደቑ ሰባት ከብጽሑ ከም ዘይክኣሉ ከማርሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ኣዳዕመ-ኣል-ሰሪዕ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ካርቱም'ዩ ፈለማ ተወሊዑ።

ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ሱዳናውያን ማሕበራት ግብረሰናይን፡ ምስ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ኣል-ሰሪዕን ድሕሪ ዘካየድዎ ልዝብ'ዩ ብሓሙስ ቃፍላይ ረዲኤት ናብታ ከተማ ክኣቱ ክኢሉ ዘሎ።

"ንብዓት ነይሩ፡ ንብዓት ሰሓቕን ሓጎስን፡ ንብዓት ናብዚ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ብዙሕ ጻዕሪን ድኻምን. . .ልብኻ ዝትንክፍ ህሞት'ዩ ነይሩ" ክትብል 'ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት' ምስ ዝተባህለ ሱዳናዊ ማሕበር እትሰርሕ ዱዓ ነቲ ዝነበረ ስምዒታት ህዝቢ ትገልጽ።

እቲ ቃፍላይ 28 መካይን ዝሓቖፈ ኰይኑ፡ ሓሙሽ ካብአን ዝሰደደ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) 'ህይወት ንምድሓን' ዝድግፍ መግቢን ቀረባት ሕክምናን ናብ ሆስፒታል ኣል ባሻየን ካልኦት ትካላት ጥዕናን ካርቱም ከም ዘብጽሐ ሓቢሩ።

"ኣብ ካርቱም፡ እዚ ረዲኤት እዚ ኣዝዩ ዘድልየና እዩ። ክንጽበዮ ዝጸናሕናን፡ ንምርካቡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ክንፍትን ጸኒሕና ኢና።ኣብ ካርቱም ዘሎ ሳዕቤናት ዓጸቦ ንምንካይ ዘኽእለና እንኰ መገዲ እዚ ረዲኤት እዚ'ዩ" ትብል ዱዓ ጣሪቕ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ሱዳን ዝተፈጠረ ዓጸቦ እናሰፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ክኢላታት ውሕስነት መግቢ ኣጠንቂቖም ነይሮም'ዮም።

ንኵነታት ዓጸቦ ንምክትታልን ንምእዋጅን ዝቖመ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦ ትካል ኣይ-ፒ-ሲ (IPC) ድሮ ኣብቲ 24.6 ሚልዮን ህዝቢ (ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን) ዝነብረሉ ሓሙሽተ ከባቢታት ዓጸቦ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ካርቱም ዝተራገፈ ረዲኤት፡ 26 ታሕሳስ 2024

ምንጪ ስእሊ, South Belt Emergency Room

ኣብ 2021 ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምፍጻም ስልጣን ድሕሪ ምቁጽጻሮም ናብ ኲናት ሓድሕድ ዘምርሐ ቅልስ ሰልጣን ከም ዝኣተዉ ይዝከር።

ውግእ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ብ15 ሚያዝያ 2023 ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ 150 ሽሕ ከም ዝተቐትሉ ፍሉይ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቶም ፕሪየሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ገሊጹ ነይሩ።

ልዕሊ 11 ሚልዮን ሱዳናውያን'ውን ብሰንኪ'ቲ ኲናት ካብ ኣባይቶምን ዝነብርሉ ከባቢታትን ተፈናቒሎም ይርከቡ።

ነቲ ደማዊ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክካየድ ዝጸንሐ ፈተነታትን ተበግሶታትን ዛጊት ምቁራጽ ተጻብኦታት ከረጋግጽ ኣይክኣለን።

ኣብዚ እዋን'ዚ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ወግዓዊ መንግስቲ ሱዳን ቀንዲ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ፖርት ሱዳን ብምግባር'ዩ ነቲ ውግእ እናወሃሃደ ከመሓድር ዝፍትን ዘሎ።

ክልቲኦም ሓይልታት ጃምላዊ ቅትለት ዝርከቦ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ ኣለዉ።