ሱዳን፡ ካብ ኣፍ ሞት ዘምለጡ ሰባት ዘቃልዕዎ ሰፊሕ ህልቂት

ምንጪ ስእሊ, x
መጠንቀቕታ፤ እዚ ትሕዝቶ ንገለ ኣንበብቲ ዘጨንቕ ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ።
ንወዲ 40 ዓመት ሓረስታይ ዓሊ ኢብራሂም፡ እቲ ሕልሚ ቀትሪ ብ5 ሰነ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብድምጺ ከበድቲ ኣጽዋር ተሰንዩ እዩ ጀሚሩ።
“ካብ ንእስነትና ኣትሒዝና ከምዚ ዓይነት ተዅሲ ርኢና ኣይንፈልጥን። እቲ ደብዳብ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝጸንሐ ኰይኑ ኣባይቲ ዓንዩ፤ ህጻናት ይበኽዩ፤ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ድማ ንምህዳም ረዳኢ ስኢኖም።” ክብል ነቲ ኵነታት ይዝክሮ።
ኣብታ መዓልቲ ኣብ ቁሸት ዋድ ኣል-ኑራ ብውሕዱ 100 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይግመት።
ሓረስታይ ዓሊ፡ ነበርቲ ዕጥቂ ከምዘይነበሮም ይዛረብ፡ "ንሕና መሳኪን ሓረስቶት ኢና፤ ኣጽዋር ሒዝና ኣይንፈልጥን። ጸላእቲ’ውን የብልናን። ህይወትና ክንሕሉ ንፍትን ዜጋታት ጥራይ ኢና” ይብል።
ቢቢሲ ካብ ብዙሓት ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ዝረኸቦ ምስክርነት፡ ዕጡቓት ናይቲ ኣንጻር ሰራዊት ዝዋጋእ ዘሎ ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብታ ቁሸት ከበድቲ ብረት ተጠቂሞም ብዝፈጸምዎም ክልተ ተኸታተልቲ መጥቃዕቲታት ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ንብዙሓት ከምዝቐተሉን ከምዝቘሰሉን የመልክት።
ቍጽሪ ኣብዚ ፍጻመ ጥራይ ዝሞቱ ሰባት፡ ምናልባት ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ዘጋጠመ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ሲቪላት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, x
ቢቢሲ ኣብዚ ሕጂ ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታል ኣል መናጊል ሕክምና ንዝረኽቡ ዘለዉ ብዙሓት ግዳያትን ካብ መጥቃዕቲ ቁሸት ዋድ ኣል ኑራ ዝደሓኑን ካብ ምዝርራብ ብተወሳኺ ዘቕረቡሉ ቪድዮታት እውን ክትንትን ክኢሉ’ሎ።
እቲ ሆስፒታል ካብታ ዓዲ ኣስታት 80 ኪ.ሜ ርሒቑ እዩ ዝርከብ። ብዙሓት ካብ ሞት ዝደሓኑን ግዳያትን ድማ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም ኣብ ውሽጢ ሰዓታት’ዮም ናብኡ በጺሖም። ሽዑ ዕጡቓት ኣር.ኤስ.ኤፍ (ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ) ንነበርቲ ካብታ ዓዲ ከይወጽኡ ክዓግትዎም ካብ ምፍታን ብተወሳኺ ብዙሓት መካይኖም እውን ከምዝዘመትዎም እቶም መሰኻኽር ይዛረቡ።
ንግሆ ዝተፈጸመ ወራር
እቶም ነበርቲ ነቲ ብቦምባታት ዝበጽሖም ናይ "ሰዓታት ራዕዲ" ብምጽዋር፡ ነቶም ውጉኣት ዘግዕዙሉ ኣማራጺታት ንምድላይን በቲ ተዅሲ ዝሞቱ ንምቕባርን ኣብ ዝገብርዎ ዕግርግር ዝመልኦ ፈተነታት፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ብዕጡቓት ዳዕመሰሪዕ ካልእ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎም።
እዚ ከኣ ንነበርቲ ብኸቢድ ዘሰንበደ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ሓንቲ ካብቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ ኣብዚ ሕጂ ኣብ ሆስፒታል እትርከብን ንስሪን ንቢቢሲ ሓቢራ።
"ናብ ገዛና ኣትዮም ንዓይን ንኣሕዋተይን ቀጥቂጦም፡ ‘ወርቂ ኣበይ ኣሎ?' ኢሎምና። ሽዑ ንእሽቶ ሓፍተይ ፈሪሓ ንኣደይ እቲ ወርቂ ክትህቦም ነገረታ። ቢልዮናት ፓውንድ ሱዳን ይግመት።" ክትብል ነቲ ፍጻመ ትዝክሮ፤ (1 ዶላር ኣመሪካ = 2600 ፓውንድ ሱዳን ይሽረፍ)
ምስክርነት ንስሪን ምስ ናይ ካልኦት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ዝሰማማዕ ኰይኑ፡ ኵሎም ድማ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ "ካብ ሰለስተ ኣንፈት ነታ ዓዲ ከም ዘጥቅዑ፤ ናብ ገዛውቲ ኣትዮም ሲቪላት ከም ዝቐተሉ ከምኡ’ውን ወርቂ፡ መካይንን ዝተዓቀበ ፍርያት ሕርሻን ሓዊሱ ክቡር ኣቝሑ ከም ዝዘመቱን" ኣረጋጊጾም።
'ንኣሕዋተይ ቀቲሎሞም'
ወዲ 42 ዓመት ሓማድ ሱሌማን ዝተባህለ ነጋዳይ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ናብ ገዛ ሓዉ ኣትዮም ብዘይ መጠንቀቕታ ክትኩሱ ከምዝጀመሩ ይገልጽ።
"ናብ ገዛ ሓወይ ከይደ ኣብኡ ረኺበዮም፤ ንሓወይን ወዲ ሓወቦይን ብጥይት ቀቲሎምዎ። ካልእ ወዲ ሓወቦይ ድማ ተጐዲኡ ምሳይ ኣብዚ ኣብ ሆስፒታል ኣሎ" ኢሉ።
ነቶም ዕጡቓት ምኽንያቶም ክሓቶም ፈቲኑ ነይሩ። ስለምንታይ ንስድራኡ ከም ዝቐተልዎም ከኣ ሓቲትዎም።
"ከዛረቦም ፈቲነ፡ ሻሃዳ [ሓደ ኣላህን መሓመድ ድማ ነቢይ ናቱ ምዃንን እትምስክረሉ ቀዳማይ ዓንዲ እስልምና] ከንብብ ድማ ሓቢሮምኒ። ካብኡ ኣብ ኢደይ ብጥይት ኣቝሲሎምኒ ከይዶም። ኵለን መካይን ወሲዶመን፤ ቆሲለ ድማ ንሰዓታት መውጽኢ ክረክብ ኣይከኣልኩን" ክብል ንዝሓለፎ ኵነታት ኣረዲኡ።

‘ኣል ሙስታንፋሮን’
ዝደሓኑን ግዳያትን ዝሃብዎ ምስክርነት መጥቃዕቲ፡ ቅትለት፡ ምዝማትን ምፍርራሕን ብዝምልከት ኣብ ልዕሊኦም ንዝቐረበ ክስታት ምላሽ ክህቡሉ ንሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (RSF) ተወኪስናዮም። ይዅን እምበር እዚ ጸብጻብ ክሳብ ዝሕተመሉ እዋን ዝዀነ መልሲ ኣይረኸብናን።
ወሃቢ ቃል እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ኣልፋተሕ ቝራሺ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ብቪድዮ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከምዝገበሩ ንዝገልጽ ክሲ ነጺጉ።
ሓይልታቶም ኣንጻር እቶም “ኣል ሙስታንፋሮን” ተባሂሎም ዝፍለጡን ንሰራዊት ሱዳን ዝድግፉን ንኣሽቱ ኣጽዋር ዝሓዙ ምልሻ ከምዝተዋፈሩ እዩ ገሊጹ።
ካብታ ቁሸት ወጻኢ
ጕጅለ ምጽራይ ቢቢሲ፡ "ኣል ሙስታንፋሮን" ኣብ ዋድ ኣል-ኑራ ዝጥቀምሉ ቦታታትን ድፋዓትን ዘርኢ እዩ ዝበልዎ ብሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ (RSF) ንዝቐረበ ቪድዮታት ተንቲኑ ነይሩ። እንተዀነ እቶም ቦታታት ኵሎም ካብታ ቁሸት ወጻኢ እምበር ኣብ ውሽጢ ከምዘይኮኑ ኣረጋጊጹ።
ኣባላት ህጹጽ ደገፍ ኣስታት ሓደ ማይል (1.6 ኪ.ሜ) ርሒቘም ብከበድቲ ኣጽዋር ናብታ ዓዲ ገጾም ተዅሲ ከም ዝኸፈቱ እቲ ትንተና ይሕብር።
ኣብ ግዝኣት ጀዚራ እትርከብ ቍሸት ዋድ ኣል-ኑራ መብዛሕትኦም ነበርታ ኣብ ሕርሻን ንግድን ዝነጥፉ ኰይኖም፡ ካብ ጐረባብቲ ዓድታት ምስ ነጋዶ ጥሪትን ኣእካልን ክገዝኡን ክሸጡን ዝመጹሉ ንእሽቶ ሰሙናዊ ዕዳጋ ኣለዋ።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ታሕሳስ ንግዝኣት ጀዚራ ተቘጻጺሩዋ፤ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ብዙሕ ግህሰት ፈጺሙ ተባሂሉ ዝኽሰስ ኰይኑ ነዚ ግን ብተደጋጋሚ ይኽሕዶ።
ግዝኣት ጀዚራ በቲ ውግእ ኣዝየን ካብ ዝተሃሰያ ከባቢታት ሱዳን ሓንቲ እያ። እቲ ውግእ ብኣጋኡ ናብኣ ስለዝተዘርግሐ ኣብ ካርቱምን ዳርፉርን ካብ ግጭት ዝሃደሙ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተመዛበልቲ መዕቈቢት ኰይና።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ዕጡቓት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ነቲ ከባቢ ካብ ዝቈጻጸርዎ ንደሓር፡ ቁሸታታት ሓደ ብሓደ ዓመጽ ተፈጺምወን።
እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ግን ነቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ቅትለት፡ ዝምታ፡ ምዕማጽን ምንዳድን ዓድታት ዝኣመሰሉ ገበናት ኲናት ብምፍጻም ንዝቐርበሉ ክስታት ብቐጻሊ ይነጽግ።
ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ ናብ ኲናት ካብ እትኣቱ ንደሓር፡ ኣስታት 14 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ካብ ገዛኦም ክሃድሙ ከም ዝተገደዱን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ኣብ ሱዳን ወኪል ሕቡራት ሃገራትን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ረድኤትን ክለመንቲን ንክዌታ-ሰላሚ፡ ኵነታት እቲ መጥቃዕቲ ንምፍላጥ ኵለመዳያውን ግሉጽን መርመራ ክካየድ ትጽውዕ።
እቶም ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ዝፈትውዎም ሰባት ዝሰኣኑ ደቂ ዓዲ’ውን መርማሪ ኮሚተ ክቐውምን እቶም ገበነኛታት ክሕተቱን ተስፋ ኣለዎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







