ሱዳን፡ ናብ ዓሚቝ ዓዘቕቲ ጥሜት ትሽመም ዘላ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እታ ብኲናት ሓድሕድ ኣመና ዝተሃስየት ሱዳን ናብ "ዝሰፍሐ ቅልውላው ጥሜት" ትሽመም ከም ዘላን፡ እዚ ድማ ብሰንኪ'ቲ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ጥምየትን ከቢድ ሕጽረት መግቢን ምዃኑ፡ ናጻ ጕጅለ ክኢላታት ድሕነት መግቢ ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ እቶም ክኢላታት፡ ጥሜት ኣብ ሓሙሽተ ከባቢታት ከምዝተዘርግሐን፡ 24.6 ሚልዮን ህዝቢ - ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ - ተጸበይቲ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ኰይኖም ኣለዉ።
እዚ ቅልውላው ጥምየት ብሰንኪ እቲ ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ምዃኑ ይፍለጥ።
ነቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንምውጋድ ዓሊሙ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ሽምግልናን ጻዕርታትን ክሳብ ሕጂ ፍረ ኣይተረኽቦን።
ሰራዊትን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ብሓባር ኣብ 2021 ኣንጻር ስርዓት ኣልበሽር ዕልዋ ኣካይዶም'ኳ እንተነበሩ፡ ኣብ መንጐ ኣዘዝቶም ዝተፈጥረ ቍርቍስ ስልጣን ኣብ ሚያዝያ 2023 ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ሸሚምዋ።
እዚ ጠንቂ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ኰይኑ፡ እቲ ግጭት መዕለቢ እንተዘይተረኺብዎ "ዝዓበየ ዕንወት" ክመጽእ ከምዝኽእል ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኮሚተ ገምጋም ጥሜት (FRC) ኣጠንቂቝ።
ብሰኑይ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ዝድገፍ መንግስቲ ሱዳን፡ "ልኡላውነትን ክብርን ሱዳን ዘዳኽም ዘይእመን ጸብጻባት" ከምዘውጽአ ብምኽሳስ፡ ምስቲ ጕጅለ ዝጸንሖ ምትሕብባር ከምዘቋረጸ ሓቢሩ ክብል ሮይተርስ ኣቃሊሑ።
እቲ ጕጅለ መጽናዕቲ ውሕስነት መግቢ፡ ንመጀመርያ ኣብቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ተዓቚቡሉ ዝነበረ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝርከብ መዓስከር ዛምዛም ጥሜት ከምዝተራእየ ኣብ ነሓሰ ኣለልዩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ኣብታ ኣብ ከበባ ዘላ ኣልፋሸር - ከተማ ዳርፉር ኣብ ዝርከባ መዓስከራት - ኣቡ ሹክን ኣ'ሰላምን ከምኡ'ውን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ደቡብ ኮርዶፋን ኣብ ዝርከቡ ክልተ ከባቢታት'ውን ጥሜት ከምዘጋጠመ ዳሕረዋይ ጸብጻብ ኮሚተ ዳህሳስ ሓደጋ ጥሜት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
እቲ ጸብጻብ፡ "ጥሜት እቲ ኣመና ዝኸፍአ መግለጺ ስቓይ ደቂ ሰባት ኰይኑ፡ መርኣያ ዕንወት ናይቶም ንህላወ ኣገደስቲ ዝኾኑ ስርዓታትን ጸጋታትን እዩ" ይብል።
"ሕጽረት መግቢ ጥራይ ዘይኮነስ ከቢድ ምብትታን ትካላት ጥዕና፡ መነባብሮን ማሕበራዊ መሓውራትን ብምዃኑ፡ መላእ ማሕበረሰብ ኣብ ዓሚቝ ቅብጸት ይርከብ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ኮሚተ ገምጋም ጥሜት፡ ክሳብ ግንቦት ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ከባቢታት ዳርፉር ጥሜት ከጋጥመን ከምዝኽእልን፡ እቲ ሓደጋ ናብ ካልኦት 17 ከባቢታት ናይ ምስፍሕፋሕ ተኽእሎ ከምዘለዎን ኣተንቢሁ።
"ኣብቲ ከቢድ ግጭት ዘለዎ ከባቢታት፡ እቲ ተጻብኦታት ንንጥፈታት ሕርሻ ብምዝራግ፡ ሓረስቶት ዝራእቶም ሓዲጐም ክሃድሙ፡ ዝምታን ዕንወትን መኽዘናትን ክስዕብ ምኽንያት ኰይኑ እዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ዳርፉርን ደቡብ ኮርዶፋንን በቲ ዝኸፍአ ዓመጽ ከምዝተሃስያ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሲቪላት ተቐቲሎም፡ ተዓሚጾምን ተጨውዮምን እዮም።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዝተፈጥረ ግጭት ክሳብ 150 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ገለ ግምታት ይሕብሩ ክብል ኣብ ግንቦት ገሊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







