ሳሕቲ መሬት ዳርፉር ዝረገፁ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ እንታይ ርእዮም?

ምንጪ ስእሊ, Lyse Doucet / BBC
- Author, Lyse Doucet
- Role, Chief international correspondent
- Reporting from, el-Geneina & Adre- Darfur
ድሕሪ ሕጂ ኣብታ ናብ ዑና ተቐይራ ዘላ ወሰን ኤል-ጀነይና ዝነብር ሰብ የለን።
እቶም ባዶ ህንጻታታ ግን ክሳብ ሕጂ ዓው ኢሎም ዘሰንብድ ዛንታታቶም ክነግሩ ዝፅበዩ ይመስሉ።
ዝተቓጸሉ ገዛውትን ድኳናትን ብጥይት ዝተበሳስዑ 'ዮም፤ ማዕፆታቶም ተሰባቢሩ፤ ብሓጺን ዝተሰርሑ መሰጐሪታት ተሰባቢሮም።
ዝዓነዋ ታንክታት ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጎደናታት ወዲቐን ይረአያ።
ኣብዚ ሳሕቲ ዝተገብረ ጉዕዞ ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት ናብ ዳርፉር፡ ገና ናይቲ ንዝሓለፈ ዓመት ክነድድ ዝፀንሐ ደማዊ ኲናት ሃልሃልታ ይሸተና ነይሩ።
ሓድሽ ሓላፊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ቶም ፍሌቸር፡ ናብዛ ርእሰ ከተማ ምዕራብ ዳርፉር ዝገበሮ ምብጻሕ፤ “ነዞም ብትኪ ዝመልኡ ዑናታትን ዝዓነዋ ከተማታትን ብመኪና ክትሓልፍ ፍፁም ዘይእመን እዩ ነይሩ” ይብል።
ቅድሚ 19 ኣዋርሕ ደማዊ ኲናት ሱዳን ካብ ዝለዓል ጀሚሩ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ናብዚ ብዙሕ ዘስካሕኽሕ ገበናት ዝተፈጸሞ ግዝኣት ክበጽሕ ፈላማይ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Lyse Doucet / BBC
ምክትል ዋና ጸሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤትን ሚስተር ፍሌቸር፡ “ዳርፉር ካብቶም ዝኸፍኡ ካባብታት እቲ ዝኸፍአ”ኢሉ።
ብፍላይ፡ ኣብቲ ከባቢ መቕተልቲ፣ ጾታዊ ዓመጽን ጥሜትን ተስፋፊሑ ከምዘሎ የረድእ።
ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት: ነቲ ከባቢ ተቖፃፂሩዎ ዝርከብ ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ዕጡቕ ጉጅለ- ህፁፅ ደገፍ ወሃቢ [RSF] ምዃኑ እዮም ዝገልፁ።
እቶም ዕጡቓት፡ ምስ መሻርኽቶም ምልሻታት ዓረብ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤል-ጀነይና ብቐንዱ ንነበርቲ ዓረብ ዘይኮኑ ማሕበረሰብ 'ማሳሊት' ዒላማ ዝገበሩ ዀይኖም፡ ከም ገበናት ኲናት ክቑፀር ዝኽእል፡ ምፅፃይ ዓሌት ከምዝተፈጸመ፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይገልፁ።
ብፍላይ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ምጽናት ዓሌት ክኸውን ዝኽእል ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈፂሙ እዩ ኢሉ ይድምድም።
ምስዚ ዕጡቕ ጉጅለ ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ብገበናት ይኽሰስ እዩ።
ፀለምቲ ደቂ ኣባት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ሰላማውያን ዓረብ እውን ዒላማ ከምዝዀኑ ይግለፅ።
ዝበዝሐ ብታንክታት ሰራዊት ወይ ደብዳብ ነፈርቲ ዝበፅሐ ጉድኣት እዩ።
ክልቲኦም ተፃባእቲ ኣካላት፡ ብገበን ኲናት ዝቐርብ ክሲ ዝነፅጉ ኰይኖም፡ ሓደ ነቲ ካልእ ይኸስስ።
ሳሕቲ ምብፃሕ
ናብ ኤል-ጀነይና ዝበፃሕና ሒደት ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሓያሎ ኣዋርሕ ዝተፈጸመ [ክልተ ዓበይቲ ጭፍጫፋት ሓዊሱ] ንምርኣይ ካብ መንጎ ዝበቕዑ ውሑዳት ሰባት እዮም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቶም ክልተ ጨፍጫፋት፡ ክሳብ 15 ሽሕ ሰባት ከም ዝቐትሉ ይገልፅ።
እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዐበ ደማዊ ኲናት ሱዳን፡ ሕሱም ግፍዕታት፣ ዓመጽን ምዝማትን ዝተፈጸመሉ እዩ።
ምስ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ኣብ ዶብ ቻድ እትርከብ ከተማ ዓድረ ተበጊስና፡ በቲ ብጭቃን ሓመድን ዝፈራረቕ መገዲ ኣቢልና፡ ነቲ ሓያል ምድረበዳ ክነቋርፅ፡ ዳርጋ ናይ ሓደ ሰዓት ጉዕዞ ወሲዱና።
ሓገዝ ዝሓዛ፡ ውሑዳት ናይ ጽዕነት መካይን ትካል መግቢ ዓለም ከምኡ’ውን ብኣፍራስ ወይ ብኣእዱግ ዝጉተታ ዓረብያታት፡ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ይመላለሳ ነይረን።
ብኻልእ ሸነኽ እቲ ዶብ ግን፡ ኣብቲ ጽልምትምት ዝበለ መንገድና፡ ብረት ዝሓዙ ተዋጋእቲ ወተሃደራዊ ክዳን ህፁፅ ደገፍ (ኣር ኤስ ኤፍ) ዝለበሱ ነዚ ክፋል ሱዳን ይቆጻጸሩ።
ገሊኦም ንኣሽቱ ኣወዳት ጥራይ እዮም።
ግን፡ ኣብ'ዚ በዳሂ ከባቢ መረዳእታ ምእካብ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ፈሊጥና ኢና ተበጊስና።
ኣብቲ ናብ ዶብ ዝቐረበ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሰበስልጣን ቻድን ዝቆፃፀሩዎ ሰፊሕ ግዝያዊ መዓስከር ውሱን ግዜ ኣሕሊፍና።
ኣብ ኩሉ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ገሊአን ቈልዑ ዝሓቖፋ፡ ነቲ ሰፊሕ ሜዳ መሊአንኦ ኣለዋ።
ኩሎም ዘዘራረብናዮም ሰባት ካብ ኤል-ጀነይና እዮም ነይሮም። ኩሎም ድማ ካብ ጥሜትን ካብቲ ኣብ ኣባይቶም ዝበጽሐ ራዕዲን እናሃደሙ ዛንታታቶም ሒዞም ይኸዱ ነበሩ።
“ንሕና ከንሃደም እንከለና፡ መንእሰያት ኣሕዋትና ተቐቲሎም” ኢላ ሓንቲ መሸፈኒ ርእሲ ዝለበሰት ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዋ ጓል 14 ዓመት ሱዳናዊት ጓል።
ብዛዕባ እቲ ዘስካሕክሕ ህሞት ብህድኣትን ብዓቕልን ትዛረብ።
“ገሊአን ገና ጡብ የጥብዋ ነይረን፣ ብእግሮም ታተ ዝብሉ ኣዝዮም ንኣሽቱ ቆልዑ ድማ ነይሮም። ምሳና ዝሃደሙ ዝነበሩ ሽማግለታትና እውን ተቐቲሎም እዮም።”
ብኸመይ ክትድሕን ከም ዝኸኣለት ሓቲተያ።
“ቀትሪ ቀትሪ ተሓቢእና ንውዕል፡ ፍርቂ ለይቲ ጉዕዞ ንጅመር ነይርና። ቀትሪ እንተተንቀሳቒስካ ክቐትሉኻ እዮም። ብለይቲ እንተዀነ'ውን ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።” ክትብል ተረድእ።
ኣብ መወዳእታ ምስ ስድራኣ ንምውጻእ ከቢድ ነገር ነይሩ። ኣዲኣ ምስኣ’ኳ እንተነበረት ኣቦኣ ኣበይ ከምዘሎ ግን ኣይፈለጠትን።
ሓንቲ ብሕርቃን ኣዒንታ ደም ዝቛረ ዝመስል ዓባይ ሰበይቲ'ውን “ቈልዑ ካብ ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ተፈልዮም ነይሮም” ኢላ።
“ንኹሉ ሰብ ብዘይ ኣፈላላይ ቀቲሎምዎ፡- ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣወዳት፣ ዕሸላት፣ ንኹሉ ሰብ።”
ካብ ሕርሻታቶም መግቢ ይረኽቡ ከምዝነበሩ፤ ኲናት ምስ ተጀመረ ግን ብዘይ ዘራእትን ጥሪትን ከምዝተረፉ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, Lyse Doucet / BBC
“ብዙሕ መከራ ኢና ኣሕሊፍና"
ኣብ ኤል-ጀነይና፡ ናይ መጀመርታ መዕሪፍና ኣብ መዓስከር ኣል-ርያድ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ኮይኑ፡ ድሙቕ ሕብሪ ዝለበሳ ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንበር ኣብ ጎኒ መንደቕ ተደጊፈን ኮፍ ኢለን ነይረን።
ብቐንዱ ኣረጋውያን ዝሓቖፈ ልኡኽ፡ ገሊኦም በትሪ ዝሓዙ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይቲ ገፊሕ ጨናፍር ዘለዎም ኣግራብን ኣብ ቅድሚት ኣለዉ።
ካልእ ዓይነት ኤል-ጀነይና ኮይኑ እዩ ይስምዓካ። ኣብዚ ከባቢ ዝዀኑ ዕጡቓት ኣይረአዩን።
ንኣሽቱ ኣወዳት መንኰርኰር ዓረብያ ይዝውሩ፤ ካብ ፀጉሪ ርእሲ ክሳብ ፅርፊ እግረን ዘተሸፈና ደቂ ኣንስትዮ ተሰሪዐን ይሓልፋ።
ጃርካናት ማይ ዝጸዓና ዓረብያታት ኣእዱግ ድማ በቲ ሓመድ ዝበዝሖ ኮሮኮንቺ ይጓዓዛ ነይረን።
ሰማያዊ ሰሚዝ ዝተኸድነ መምህር፡ ሓደ ካብቶም ሽማግለታት [ወከልቲ እቲ ህዝቢ]፡ ንመጀመርታ ግዜ ነታ በጻሒት ጋንታ ሕቡራት ሃገራት ከዛርብ ጀሚሩ።
“ብዙሕ መከራ ኢና ኣሕሊፍና" ይብል፤ ብልክዕን ብጥንቃቐን እዩ ዝዛረብ።
“ሓቂ’ዩ እቲ ኲናት ክጅምር ከሎ ገለ ሰባት ንሰራዊት ይድግፉ ነይሮም። ገሊኦም ድማ ነቶም ተቓወምቲ [ዕጡቓት] ይድግፉ ነይሮም። ሕዚ ከም ተመዛበልቲ ግን ሞንጐኛታት ኢና፡ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ድማ የድልየና እዩ።”
እዚ መዓስከር ንመጀመርያ ግዜ ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ማለት'ውን ኣብ 2003 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ እቲ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዕሉል ዓረባዊ ምልሻ ኣብ ልዕሊ ዓረብ ዘይዀኑ ዓሌታት ተደጋጋሚ ገበናት ኲናት መፍፃሙ ስዒቡ ዝቖመ እዩ።
እዚ ስቓይ ዳርፉር ካበይ ከምዝጅመር ዘመልክት ኰይኑ፡ ንሱ ድማ ነዞም ሕዚ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ዝገጥሙ ዘለዉ ዕጡቓት- RSF- ዝፈጠረ እዩ።
እቲ መምህር መሰረታዊ ድሌታት እቶም ተመዛበልቲ ይዝርዝር። ካብ መግቢ ሕጽረት ዝሳቐያ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን፡ ክሳብ ስእነት ኣብያተ ትምህርትን ጽሩይ ማይን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ደቂ ኣንስእትዮ ሓለፍቲ ስድራ ቤተን ምዃነን እውን ኣብሪሁ።
ገለ ካብተን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዒንተን ጥራይ ዝረኣያ፡ ነቲ ዝርርብ ብተሌፎነን ይስእለኦ ነይረን።
ሚስተር ፍሌቸር ብቐጥታ ከምዚ ክብል ተዛሪቡዎም።
“መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ፡ ምናልባት’ውን ልዕሊ ዝኾነ ሰብ'ዛ ዓለም፡ ነቲ ትሓልፍዎ ዘለኹም ዝርድኣኩምን ከምዘየለ ክስምዓኩም ይኽእል እዩ” በሎም።
ብሓያል ጣቕዒት ምላሽ ሂቦሙሉ።
ካብኡ ቀፂሉ፡ ሚስተር ፍሌቸርን መሳርሕቱን ኣብ ቅድሚ’ቲ ነዚ ዓቢ ዕንወት ንምምላስ ዝቃለሳ ኣብ ዳርፉር ዝመደበረን ሱዳናውያንን ኣህጉራውያን ዘይመንግስታውያን ትካላትን፡ ብድሕሪ ዕጹው ማዕጾ፡ ከዘረራብ ጀሚሩ።
እዞም ትካላት፡ ዘይከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ንክሰርሑ ካብ መንግስቲ ጀነራል ቡርሃን ፍቓድ ኣይተጸበዩን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ገለ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ክሰርሑ ዝሃቦ ፍቓድ ተሰሪዙ እዩ።
20 ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ብዘይ ዘተኣማምን ኢንተርነት ወይ ኤሌክትሪክ ወይ’ውን ቴለፎን ዝሰርሓ፡ ንሰራሕተኛታት ዝያዳ ናይ ሱዳን ቪዛ ንምርካብ ዝቃለሳ ዘለዋ፡ ነቲ 99.9 ምኢታዊት ካብቲ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝ ይጽዕራ ከምዘለዋ ይገልፃ።
መልእኽቶም ንጹር እዩ ነይሩ። 'ስርዓት ሕቡራት ሃገራት ፈሺሉ እዩ' ዝብል እዩ።
ድሕሪ’ቲ ኣኼባ፡ 'ኖርወይ ሪፉጂ ካውንስል- ሱዳን' ዝመርሕ ታሪቅ ሪብል፡ "ተወሳኺ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ” ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ዝኸፍአ ስግኣቱ ግን፡ “ዝኾነ ሰብ ኣይግድሶን፡ ንኻልኦት ከም ዩክረይን ቓዛን ዝኣመሰሉ ቅልውላዋት ጥራይ'ዩ ኣቓልቦ ዝህብ ዘሎ” ዝብል እዩ።
ክሳብ ሕጂ ዓለማዊ ኮሚተ ገምጋም ጥሜት (FRC)፡ ኣብ ሓደ ክፋል ናይቲ ኣብ ሰሜን ዳርፉር ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝነብረሉ መዓስከር-ዛምዛም፤ ካልኦት ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ከባቢታትን ኣብ ድርኩኺት ዓፀቦ ከምዘለዉ እዩ ዝገልፅ።
'ንበይነይ ዝገብሮ ኣይኰነን'
ሚስተር ፍሌቸር፡ "ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቶም ዝበዝሑ ከባብታት ክሰርሕ ኣይከኣለን ፀኒሑ" ይብል።
“ኣብዚ ሰሙን’ዚ ግን ናብቲ ዞባዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዝያዳ በረራታት ይኣትዋ ኣለዋ፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዝያዳ ማእከላት ይኽፈታ ኣለዋ፡ ኣብ መሬት’ውን ዝያዳ ሰባት ንረክብ ኣለና።” ኢሉ።
ኣብ ሱዳን ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ምስ ወከልቲ ክልቲኡ ተፃባእቲ ሰራዊታት ብምዝርራብ፡ ብመስመራትን ስግረ ዶባትን ዝያዳ ተበጻሕነት ከስፍሑ ይፅዕሩ ኣለዉ።
"እዚ ዘይሓላፍነተዊነት ከብቅዕ ኣለዎ" ኢሉ ሓድሽ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።
እንተዀነ፡ እዚ ንበይኑ ዝገብሮ ከምዘይኰነ ብምግፅ፡ እቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታትን ብድሕሪት ዘለዉ ደገፍቶምን ክተሓባበሩ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ተዛሪቡ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቶም ተቓወምቲ ዕጡቓት ትድግፍ ተባሂላ እያ ትኽሰሰስ።
ግብጺ፣ ኢራን፣ ሩስያ ሓዊሱ ገለ ሃገራት ንሰራዊት እታ ሃገር ከምዝድግፉ እዩ ዝንገር።
ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ዓረብ ሓዊሱ ገለ ዞባዊ ውድባት መንⶓኛ ኰይኖም ንሰላም ከምዝድግፉ ይገልፁ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







