መጥቃዕቲ ሓይሊ ኣየር ሱዳን ዘስዓቦ 'ዘስካሕክሕ ህልቂት'

ሰራዊት ሱዳን ነፈርቲ ውግእ ኣለዎ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ድማ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝጥቀሙ ይንገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ሱዳን ነፈርቲ ውግእ ኣለዎ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ድማ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝጥቀሙ ይንገር

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣየር ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።

ኣብ ከተማ ካብካብያ ኵልሻዕ ሰኑይ ሰሙናዊ ዕዳጋ ዝፍጸመላ መዓልቲ እያ። ነበርቲ ጎረባብቲ ኣቑሻት እውን ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ናብ ከተማ ካብካብያ ክውሕዙ ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ከተማ ካብካብያ፡ ካብታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዳርፉር ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ቁጽጽር እትርከብ እንኮ ከተማ ኤል-ፋሸር ንምዕራብ ኣስታት 180 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።

ብሰኑይ ኣብቲ ዕዳጋ "ዘስካሕክሕ ህልቂት" ከምዝተፈጸመ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ጠበቓታት ህጹጽ እዋን ከሲሱ።

እቲ ጉጅለ ከምዝሓበሮ፡ ብሰንኪ እቲ ብሰራዊት ሱዳን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ካልኦት ኣማኢት ሰባት'ውን ቆሲሎም።

ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተጠናኺሩ ከምዝቐጸለ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ን19 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘስዓበ ይንገር። ልዕሊ 11 ሚልዮን ሰባት እውን ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም እዮም።

ኣብዚ እዋን'ዚ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ ክኽሰሱ እንከለዉ፡ ክልቲኦም ወገናት ግን ነቲ ክሲ ይነጽጉ።

ብመሰረት ጠበቓታት ህጹጽ እዋን፡ እቲ ሰኑይ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ነበርቲ ጐረባብቲ ዓድታት ናብታ ካብ ሚያዝያ ጀሚራ ኣብ ከበባ እትርከብ ከተማ ካብካብያ ዕዳጋ ክገብሩ ኣብ ዝመጹሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ።

"እዚ ኣብ መዓልቲ ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ርኡይ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ'ዩ" ክብል እቲ ጉጅለ ጠበቓታት ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ከተማ ኦምዱርማን እውን ብዘይ ኣፈላላይ ደብዳብ ከምዝፈጸሙ ከሲሱ።

ብሰሉስ ኣብ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ ደብዳብ 14 ሰባት ከምዝተቐተሉ እቲ ጉጅለ ይሕብር።

ብዘይካ'ዚ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ከም መዐደሊ ነዳዲ ዝኣመሰሉ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ንወተሃደራዊ ዕላማ ይጥቀሙ ኣለዉ ክብል'ውን ኰኒኑ ኣሎ።

ብሰንበት ኣብ ካርቱም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ዝርከብ መዐደሊ ነዳዲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ብውሕዱ 28 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ሳውዝ ቤልት ዝተባህለ ጉጅለ ወለንተኛታት ብወገኑ፡ ካልኦት 37 ሰባት ከምዝቖሰሉ ሓቢሩ።

ሰራዊት ሱዳን ነፈርቲ ውግእ እኳ እንተሃለዎ፡ ኰነ ኢሉ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገበረ እዩ ዝገልጽ።

ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ብሰሉስ፡ መጥቃዕቲ ኣየር ነፈርቲ ኣካል ናይቲ ንሃገር ንምክልኻል ዝካየድ ሕጋዊ ምንቅስቓስ ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ እቲ ሰራዊት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንበሪ ከባቢታት ተሓቢኦም ንዝበሎም ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ዒላማ ምግባር ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብህጹጽ ናብ ሱዳን ሰራዊት ከዋፍሩ ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ ታሕሳስ 2023 ክሳብ መጋቢት 2024 ኣብ ዞባ ደቡብ ኮርዶፋን ኣብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን መሻርኽቶም ምልሻታት ዓረብን ብዙሓት ሲቪላት ከምዝቐተሉ፡ ከምዘቑሰሉ፡ ከምዝዓመጹን ከምዝጨውዩን ይኸስስ።

ተመራማሪ እቲ እቲ ትካል ዝዀነ ዣን ባፕቲስት ጋሎፒን፡ "ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ግህሰት፡ ምልክት ናይቲ ኣብ መላእ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ግፍዒ'ዩ" ይብል።

"እዞም ሓደስቲ መርትዖታት፡ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ሲቪላት ዝከላኸል [ወተሃደራዊ ዓቃብ ሰላም] ተልእኾ ምውፋር ብህጹጽ ከምዘድሊ ዘጉልሕ'ዩ።"

ኣብ ወርሒ ግንቦት ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ፡ ኣብቲ ግጭት ክሳብ 150 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣሚቱ ምንባሩ ይዝከር።