ሱዳን፡ 'ዓለም ግቡኣ ብዘይምግባራ ምሉእ ብምሉእ ፍርስቲ ሃገር ክትከውን እያ'

ኣብ ሱዳን ሚሊዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሱዳን ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ

ብኲናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ሱዳን፡ ካልእ ዝፈረሰት ሃገር ከይትኸውን ስግኣት ከም ዘንጸላለወ ሓደ ሓላፊ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሲቪል ማሕበረሰብ ብዕጡቓት ይፈርሱ ከም ዘለው ገሊጹ።

ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን፡ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ሓዊሱ ካልኦት ብዙሓት ንኣሽቱ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት መጠነ ሰፊሕ ዝምታ ይፍጽሙ ከም ዘለው ሓላፊ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ [ኤንኣርሲ] ጃን ኤግላንድ ሓቢሩ።

“እቶም ዕጡቓት ናይ ባዕሎምን ህዝቦምን ኣባይቲ የዕንው’ዮም ዘለው፤ ንወገናቶም ይጭፍጭፉ ኣለው።"

ኣብቲ ን19 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሓይልታት - ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ብዝግበር ዘሎ ደማዊ ንሕንሕ ስልጣን ልዕሊ ዓሰርተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም እዮም።

እዚ፡ ብዙሓት ንጥምየት ክቃልዑ’ውን ገይሩ ይርከብ።

“ሕጂ፡ ሱዳን ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ሰብኣዊ ሓደጋ ዘንጸላለዋ፡ ከቢድ ጥምየትን ልዑል ምምዝባል ህዝብን ከም ዘለዋ ርእየ’የ” ክብል ተዛሪቡ።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ሱዳን “ኣብ ኵሎም ቦታታት” ጥምየት ኣንጸላልዩ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ስርሐን ከቋርጻ ተገዲደን እየን።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ሰብኣዊ ረድኤት’ውን ከቢድ ቅልውላው ከም ዝፈጠረ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።

“ኣብ ሱዳን ብዙሓት ብጥምየት ተሓሊጐም ይሃልቁ’ዮም ዘለው” ብምባል ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።

ገለ ክኢላታት ውሕስነት መግቢ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት [2024] ኣስታት 2.5 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ይሰግኡ።

ኤግላንድ፡ ዓለም እዅል ነገር ብዘይምግባራ “ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ትፈርስ ኣላ” ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣውሮጳ ቅልውላው ስደተኛታት ከተወግድ እንተደልያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ኣብ “ረድኤት፡ ሓለዋን ሰላምን” ወፍሪ ክትገብር ኣለዋ ኢሉ።

“እቲ ዝዓበየ ሓደገኛ ቅልውላው ዓለምና’ኳ እንተዀነ፡ ብመልክዕ ገንዘብ ትሑት ድጋፍ ዝግበረሉ’ዩ” ኢሉ።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ምኽንያት ሞት ኣሽሓት ሰባት ኰይኑ’ዩ።ብቐንዱ ድማ፡ ሰባት ብሕማምን ጥምየትን ይሞቱ ኣለው።

ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር እውን ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ሰባት ሞይቶም።

ኣብታ ሃገር፡ ገበናት ጃምላዊ ቅትለትን ምጽናት ዓሌትን ተፈጺሞም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይስጋእ።

ብዝሒ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዝተቐተሉ ሰባት፡ ልዕሊ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገመተ ከም ዝዀነ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ኣብ ትሕቲ ለንደን ስኩል ኦፍ ሃይጅን ኤንድ ትሮፒካል መዲስን ብዝርከብ ሱዳን ሪሰርች ግሩፕ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እቲ ጐንጺ ኣብ ዝጀመረሉ ግዝኣት ካርቱም፡ ልዕሊ 61 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።

ኣብ መንጐ ተራጸምቲ ሓይልታት ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንኽግበር ዝተገብሩ ተደጋጋሚ ፈተነታት ፈሺሎም’ዮም።

“እዚ ኲናት፡ እቶም ጐይቶት ኲናት ውግእ እንተቐጺሉ ክሳራ ከም ዝበጽሖም ክስምዖም እንተኽኢሉ ጥራይ’ዩ ደው ዝብል” ክብል ኤግላንድ ተዛሪቡ።

ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረዲአትን ዝጊት ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይገልጹ።